እንሕልዋ ሃገርን እንቃወሞ ስርዓትን፡
2025-12-16 08:59:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 146 timesሃገር፡ ኩሉ ክሓልፍ እንከሎ፡ ዘይትሓልፍ ናይ ኩሎም ደቃ ጸጋ እያ። ሃገር ዜጋታታ ከም ኣደ ዝሕልውዋን ዘኽብርዋን እምበር፡ ንሳ ንኽትገብሎምና ዝጸባጸብዋ ኣይኮነትን። “ሃገረይ እንታይ ክገብረልኪ እምበር፡ እንታይ ትገብርለይ ኣይባሃልን” ዝብል ዓሚቕ ምሳልያዊ ኣበሃህላ ከኣ፡ ካብዚ እዩ ዝነቅል። ሃገር ተስፋን ጽላልን እትኸውን ከኣ ብህዝባ ክትምዕርግን ክትለምዕን እንከላ እያ። ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይ ሃገር ትርጉም የብሎምን ዝበሃልን ብሓደ ዓይኒ ርኢኻ ዋጋ እንኸፍለሎምን ከኣ ካብዚ ዜግነታዊ መሰልን ግቡእን ነቒልካ እዩ። ምእንቲ ህዝቢ ወይ ምእንቲ ሃገር ምውፋይ ፈላሊና ዘይረኣይ እውን ካብዚ ዘይከሓድ ሓቂ ብምንቃል እዩ። ህዝብን ሃገርን፡ ዝሓልፍ ስርዓት እናፋነዉ ንሓድሽ ከኣ እናተቐበሉን፡ ህልውናኦም ቀጻሊ እዩ።
ሃገር እትዕቀብን እትቀስንን እቲ ካብኣ ዝተፈልየ ህልውናን ዕድልን ዘየብሉ ህዝባ ንጸጋታታ ብማዕረን ብግቡእን ተጠቃሚ ክኸውን እንከሎ እዩ። እዚ ግብራዊ ዝኸውን ድማ፡ ሃገር በቲ ሓደ ወገን ምስ ህዝባ ኮይኑ ዝሕልዋ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህዝባ ብጸጋታት ሃገሩ ክጥቀም ዘኽእል፡ ህዝቢ ዝዋንኡ ስርዓት ክህልዋ እንከሎ እዩ። ሓደ ስርዓት ነዚ ህዝባዊ ሓደራ ክበቅዕ፡ ምስቲ ዘመሓድሮ መሰረታዊ ሕገመንግስታዊ ዝቕየደሉ ውዕል ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። እዚ ውዕልዚ ነቲ ዝመሓደር ህዝቢ ኮነ ነቲ ዘመሓድር ስርዓት ነፍሲ ወከፎም እንታይ ይገብሩን እንታይ ኣይገብሩን ዝድርት እዩ።
ሃገርን ህዝብን ንምምሕዳር ዝምስረቱ ስርዓታት፡ ናብ ስልጣን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክመጹ ይኽእሉ። ዝተፈላለዩ መልከዓትን ባህርያት’ውን ይህልዎም። እቲ ቀንዲ ዝምዘንሉን ዝዕቀንሉን ከኣ ንህዝብን ሃገርን ብዝህልዎም ክብርን ብዝህብዎ ፍትሓዊ መሪሕነታዊ ኣገልግሎትን እዩ። ስርዓታት ነዚ ሕድሪ’ዚ ረብሓ ህዝቢ ኣማእኪሎም እንተዘይመሪሖም ግና፡ ዝመጽሉ ኣገባብ፡ ዝኽተልዎ ስልቲ፡ ዝጽውዕሉ ስምን ዝሕዝዎ ቅርጽን ብዘየገድስ፡ ተቐባልነት የብሎምን። ንኣብነት ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕምሶን ዝዘርጎን ዘሎ ስርዓት፡ እቲ ቀንዲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘተኣሳሮ መምዘኒኡ ተሓታትነት ዘለዎ፡ መቆጻጻሪ ውዕል ዘየብሉ ዓንዳሪ ምዃኑ እዩ።
ህዝቢ ንሃገሩ ብዘለዎ ፍቕሪ ጥራይ ኣይነብርን እዩ። ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ሰላም ዘውሕሰሉ፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ተጠቃምነቱ ዘረጋግጸሉን ትርግታ ልቡ ዝርደኣሉን ስርዓት እውን የድልዮ። ነዚ ዝበቅዕ ስርዓት ከማለኦም ካብ ዝግበኦ መሰረታዊ መምዘንታት ከኣ ብፈቓድን ድሌትን ናይቲ ዝመሓደር ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝደየበ ክኸውን እንከሎ እዩ። ብቃሕትኡ ብዓመጽ መጺኡ፡ ከም ድላዩ ዝዕንድር ቀይዲ በተኽ ስርዓት ግና፡ ሃረርታ ህዝቢ ከማልእ ባህርያቱ ኣይፈቕደሉን እዩ። ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ናይቲ “አመሓድሮ ኣለኹ” ዝብል፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝሓረሞ ጉጅለ ህግደፍን ከኣ በዚ እዩ ዝምዘን። ተተሓሒዝናዮ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልስና ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ነዚ ካብ ናይ ጐይታን ጊላን ዝምድና ፈሊኻ ዘይርአ፡ ዝንቡዕ ዝምድና ሃገር፡ ህዝብን ስርዓትን ንቡር ሕገመንግስታዊ መልክዕ ንምትሓዝ እዩ።
ብዘይምርጫ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝጽዕት ስርዓት፡ እቲ ቀንዲ ዝጥቀመሉ ሸፋጢ ስልቲ፡ ዘይትግበር መብጸዓታት ብምእታውን ምድህላል እዩ። ናይዚ መርኣያ ድማ እቲ በብግዜኡ ዘይኮኖ መሲሉ ንምቕራብ ዝፍትኖ እዩ። ካብቲ ሃቐነታቱ እቲ ቀንዲ ፈታዊ ሃገር መሲልካ ብምቕራብ፡ ህዝቢ ከኣ “ፈታው ሃገረይ ካብ ኮነስ” ኢሉ ንክድግፎ ካብ ዝብል ህርፋን፡ ዕድመ ከንውሓሉ ምጽዓር እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኣብቲ “ሃገርን ህዝብን ኣይሓልፉን እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም” ዝብል ኣምር ንጹር እምነት ከይሕዝ እሞ፡ ካብታ ዘይትሓልፍ ሃገር ነጺሉ “ከይነጽጎ” ካብ ዝፍሕሶ ውዲታት፡ እዩ።
እዚ ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዘለዎ ልዑል ፍቕሪ ሃገር ንምምዝማዝ ዝጥቀመሉ ተንኮል ብቐጥታ ዝዛመድ እዩ። ውሑዳት ግሩሃት ኤርትራውያን እቲ ጉጅለ ክንቀፍን ተቓውሞ ከጋጥሞን እንከሎ፡ ሃገርን ምእንተኣ ዝተበጀዉ ሓርበኛታትን ከም ዝተተንከፉን ዝተደፍሩን ጌሮም ዝወስዱ ኣለዉ። እዚ ተረድኦዚ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ዝምህዞ ሓደገኛ ተንኮል ዝሓደሮም ግጉይ ተረድኦ እዩ። እንተ ኤርትራውያን ጀጋኑ ዝተሰውኡን ዝተበጀዉን ምእንቲ ዘይሓልፍ ህዝብን ዝፈትውውዋ ሃገርን እምበር፡ ምእንቲ ነቲ ንህዝቢ ደም ዘንብዕ ዘሎ ሓላፋይ ስርዓት ኣይኮኑን።
ህዝቢ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕርን ክብርን ንምግላጽ፡ ቅድሚ ኩሉ “እታ ብዋጋ ቃልሱ ዘምጸኣ ሃገርን፡ ብሰንኪ ኣዕናዊ ተግባሩ ዝቃወሞ ዘሎ ጠላም ስርዓትን ከይሓዋወስዎ” ክጥንቀቕ ይግበኦ። ነዚ መሰረታዊ ተረድኦዚ እንተዘየነጺሩ ግና፡ ነቲ ሕድሩ ዝጠለመ ስርዓት ክድግፍ ክብል፡ ነታ በጃ ዝሓለፈላ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቐሉ ኩነታት ክፍጠር ከም ዝኽል ኣዚሩ ክሓስብ ይግበኦ። ከይተፈለጦ ግዳይቲ ጉጅለ እንተኮይኑ ግና ኣንጻር’ታ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ክሕልዋ ዝግበኦ ሃገር ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዘይምኽኑይ ፍቕሪ ህግደፍ ልቦም ዝተሰልበ ወገናት፡ “ንኺድ ጥራይ” እንዳበሉን ናይቲ ጉጅለ ጭረሖ እናቃልሑን፡ ኣንጻር ልኡላዊነት ሃገሮም ኣበይ በጺሖም ከም ዝነበሩ ሎሚ ይፍጠር ምስ ዘሎ ኩነታት ኣረኣእዮም ከነስተብህልሉን ክመሃርሉን ይግበኦም። ህዝቢ ኣብ ገዛእ እታ ብኹቡር ዋጋን ነዊሕ መስርሕን ቃልስን ዝተዋሕሰት ሃገሩ፡ ንዘይማእመኦ ስርዓት ናይ ምቅዋም ምሉእ መሰል ክህልዎ መተገብአ። ግና ብሰንኪ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ መሰል ተጠቃሚ ክኸውን ኣይከኣለን።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ መሰረታዊ መሰሉ ከውሕስን ግዳይ ህግደፍ ከይከውንን ክትንስእ እንከሎ፡ እቲ ጉሒላ ጉጅለ “ዓይኑ ደም ዝመልእ” እምበር፡ ዝምርቐሉ ከምዘይኮነ ክርዳእ ይግበኦ። ካልእ ብዓንተቦ ክውገድ ዝግበኦ ዝነበረ ሎሚ’ውን ዝረአ ዘሎ ጸገም፡ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምጽቃጥ ጥራይ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን፡ ካብቲ ስርዓት ተስፋ ቆሪጽካ፡ ንዓኡ ዘረኸብካ መሲሉካ፡ ህልውና፡ ቀጻልነትን ሃገርካን ልኡላውነታን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ናይ ግዳም ወስታ ምትብባዕ ፡ ከይሳዕረረ እንከሎ “ኣይፋል” ክበሃል ዝግበኦ እዩ። ናይ ከምዚ ኣተሓሳስባ ግዳይ ዝኾኑ ኣካላት ከኣ ናብ ውነኦም ክምለሱ መልእኽትና ይብጸሓዮም።