እገዳ ኣመሪካ ንህዝቢ ኤርትራ እንታዩ ኢዩ?

2026-05-03 08:49:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 48 times

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብተደጋጋሚ እገዳ ከተንብረለንን ከተልዕለንን ካብ ዝጸንሓ ሃገራት ሓንቲ ኤርትራ እያ። ናይቲ እገዳታት ጠንቂ ኣሜሪካ ሃገራት ከምቲ ክኾናላ እትደልየን ዘይምዃን ሓደ ምኽንያት’ዩ።  በዚ ኣቢላ  ከተረጋግጾ እትደልዮ ረብሓ፡ ሓያልነትን ልዕልናን ንምርግጋጽ ዘለዋ ድሌት ከኣ ካልእ ምኽንያት’ዩ። ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ክብየን ናይ ዝጸንሐ እገዳታት ጠንቂ ከኣ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ብዝጸንሖ እኩይ ዝምድናታትን ናይ ከባቢ ርግኣትን ሰላምን ምዝራግ ዝመንቀሊኡ ኮይኑ፡ ክወርድን ክድይብን ዝጸንሐ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ብሰንክቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ “ዝጸንሐን ዘሎን” ጭቆናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝመሰረቱ ኣይነበረን። በዚ መሰረት እዮም ከኣ ኤርትራውያን  ነቲ ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ማእከሉ ዘይገበረ እገዳ ኣመሪካ “ኣስናን ዘይብሉ” ብዝብል ክነቕፍዎ ዝጸንሑን ዘለዉን።

ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ዝለዓለሉ ኩነታት “ዳግመ-ርኢቶ” ናይ ምግባር ስጉምቲ ትወስድ ኣላ ዝብል ወረ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ’ሎ። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ማሳድ ቦሎስ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ። ኣብዚ መስርሕ ግብጺ ወሲኽካ ሓያሎ ሸምገልቲ ከም ዘለዉ’ውን ይንገር። ናይዚ ናይ ኣሜሪካ ላዕልን ታሕትን መሰረታዊ ምኽንያት ግና ሎሚ እውን  ወጽዓ ህዝብና ስለ ዝዓጠጣ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ  ኣመሪካ እቲ ውግእ ኢራን ተኸቲሉ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዓቕሉ ዘጽብበሉ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ወጥሪ፡ ናብ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ እንተልሒሙ ንገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከም መቆጻጸሪ ንምጥቃም ምዃኑ ዝግመት ኢዩ።

ህግደፍ ነዚ ኣጋጣሚ ከምቲ “ወይ ሓያል ኩን ወይ ምስ ሓያል ተጸጋዕ ዝበሃል፡ መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ ዝኸውን ደገፍ መርከቢ ክጥቀመሉ ስለ ዝደሊ ከም ዝድግፎ ምልክታት የርኢ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ግና  እገዳ ኣመሪካ ዝድግፍ’ኳ እንተዘይኮነ፡ መባእታዊ ትጽቢቱ ናይ ግዳም እገዳ ክለዓለሉ ዘይኮነ፡ ካብቲ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ዘቤታዊ እገዳታት ህግደፍ ናጻ ምዃን እዩ።

ህግደፍ ንገዛእ ርእሱ ከም ፍትሓውን ልኡላውነት ካለኦት ዘይደፍር” ኣምሲሉ ብምቑጻር፡ ነቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኡ እትውስኖ እገዳታት ዘይፍትሓዊ ኣምሲሉ ብምቕራብዩ ዝኸስስ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስደ መቕጻዕቲ ኣምሲሉ ብምጥቃስ ከኣ ዘይፍትሓዊእናበለ፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራ “ንብዓት ሓርገጽ” ክነብዕ ዝጸንሐ ሓደገኛ ጉጅለ እዩ። ብመጽር ረብሓ ህዝቢ እቲ ቅድሚት ክስራዕ ዝነበሮ እቲ ሱር ሰዲዱ ህዝብና ደዊኑ ዘሎ፡ ዘቤታዊ እገዳ ናይቲ  ጉጅለ ክኽውን ነይርዎ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ህግደፍ ኣብ ታሪኹ እገዳ ዝዕድም ከባብያዊ ኢድ ኣእታውነትን ዘይምርግጋእን ኣይፈጸመን ውግኣት ኣይጻሕተረን ማለት  ኣይኮነን።

“ኣብ 1994 ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝነበሮ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኣቋሪጹሓደ  ጸረ መንግስቲ ጉጅለ ሱዳን ደጊፉ። እዚ ምዕባለ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኢድ ኣእታውነት ንክፍጠር፡ ከባብያዊ ዘይምርግጋእ ከስዕብን  ኣብ ልዕሊ ኣብ ሱዳን ዝነበረ  ህዝብና ዘጨነቐን ኩነታት ክፍጠርን ዝገበረ ምንባሩ ኣይርሳዕን።  ብዙሓት ዜጋታትና ንብረቶምን ጥሪቶምን ተራስዩ ኣደዳ ማእሰርቲ ክኾኑ እንከለዉ ተሰዊሮም ደሃዮም ዝጠፈአ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ 15-17 ታሓሳስ 1995 ምስ የመን ዘካየዶ ሃንደበታዊ፡ ዘይሓላፍነታውን መሰረት ዘይነበሮን ኣብ መወዳእታ ደሴታት ሓንሽ ንየመን ብምርካብ ዝተዛዘመ ህንዱድ ውግእ ጻሕቲሩ’ዩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ መርሒ ማዝያ 2008 ዶባዊ ወጥሪ ምስ ማዕበለ፡ ቀጺሉ ከኣ፡  10-13 ሰነ 2008 ኣብ ከባቢ ዱመራ ውግእ ተኻይዱ። ከምኡ እውን  ቀጠር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበራ ሰላም ናይ ምኽባር ተግባር ብ2017 ምስ ኣቋረጸት እቲ ወጥሪ ጌና መዕለቢ ኣይተገብረሉን።

ህግደፍ ኣብ 2006-2009 ምስ ኢትዮጵያ ንምውድዳር ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ ኢድ ብምእታው፡ ሕብረት እስላማዊ ቤት ፍርዲ፡ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት መሊሻን ኣልሸባብን ብምሕጋዝ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ምድኻም ኢድ ከም ዝነበሮ  ከኣ ብሰፊሑ ዝተኸሰሉ ነይሩ።

ምስ ኢትዮጵያ ካብቲ ናይ 1998-2000 ጀሚሩ፡ ናይ ትግራይ ውግእ ተወሲኽዎ፡ ናብዚ ሎሚ ማዕቢልዎ ዘሎ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ኣጀንዳ ናብ ዝገብር ደርጃ ዝበጸሐ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ህውከት ዝፈጠረ’ዩ።” እዚኣቶም ኩሎም ንህግደፍ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ብምዃን ንክቕጻዕ ካብ ዘቃልዕዎ ስግረ-ዶባዊ ህውከተኛ ተግባራት እዮም።

እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ኣመሪካ ኮነ ካለኦት ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ትካላቱን ክውስንዎ ዝጸንሑ እገዳታት “ንህዝቢ ዘይልክምን ጥንቁቑን’ዩ” ክብልዎ ዝጸንሑ  ምዃኑ ዝዝከር እዩ። ብግብሪ ግና ንህዝቢ ኤርትራ’ውን  ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከይርእን ብዛዕባ ለውጢ ኸይሓስብን ከዳህልልዎ ዝጸንሑ እዮም። ህግደፍ ከኣ በዚ ተኸዊሉ ኢዩ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሓሉ ውዲት ዝኣልም።  እቲ ዝያዳ ዘደንጹ ከኣ ህግደፍ ካብቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ነቒሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳታት በቲ ኣብ ልዕሊኡ ብካለኦት ዝተነብረ እገዳታት ኣማኻንዩ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ካብ ምምላስ ክሃድም ዝፍትን ምዃኑ እዩ። ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣንቢርዎ ዘሎ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ናይ ምንባርን ምስራሕን፡ ብናጻ ናይ ምቅስቓስን ሓሳባካ ምግላጽን ምውዳብን መሰል፡ ብዘቖምካዮ ሕግን ዝመረጽካዮም መራሕትን ናይ ምምሕዳር …….ወዘተ እገዳታት እውን ንኣሜርካን ካለኦት ቀጻዕቱን ከላግበሎም’ዩ ዝፍትን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ’ውን ናይ ኣሜሪካን ህግደፍን ናይ ምእጋድን ዘይምእጋድን ተዋሰኦ ንዓኻ ዘይንታይካ ምዃኑ ተረዲእካ ቆላሕታኻ ኣይትቐይር። እቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወትካ ኣመዛቢሉ ዘሎ ነዊሕ ዝዕድመኡ እገዳ ህግደፍ ኣብ ምዃኑ ኣስትውዕሎን ተቓለሶን። ድድሕሪቲ ህግደፍ ንዓኡ ንክሕሾ ዝህንድሶ መደናገሪ ጐስጓስ ኣይትጐዓዝ። ቀዳምነት ቃልስኻ ከኣ ብመንጽር እቲ በደላት ናይቲ  ጉጅለ  ስርዓዮ እምበር፡ ነቲ  ኣበሩ ሓቢኡ ንናይ ካለኦት እገዳ ከተራግሞ ዘካይዶ ጐስጓስ ገጽ ኣይትሃቦ።

Last modified on Sunday, 03 May 2026 10:56