ሓድሽ ጳጳስ ካተሊካዊት መንበረ ቫቲካን እሱራት ጋዜጠኛታት ንክፍትሑ ጸዊዖም
2025-05-13 13:10:47 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 292 timesሓድሽ ጳጳስ ካተሊካዊት መንበረ ቫቲካን ለዮ መበል 14፡ ምእንቲ ሓቂ ስለ ዝተሓለቑ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተዳጒኖም ንዘለዉ ጋዜጠኛታት ዘለዎም ደገፍ፡ ንመጀመርያ ግዜ ዝገበርዎ ሰፊሕ ኣኼባ ከም ዝገለጹን ንክፍትሑ ከም ዝጸውዑን ቢቢሲ ኣፍሊጣ። እቶም ጳጳስ ኣተሓሒዞም ጋዜጠኛታት ምእንቲ ቅኑዕ ስነምግባር ብዝኸፍልዎ ዋጋ ከም ዝሳቐዩ ሕብረተሰብ ክርደኣሎም ከም ዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ርእሲዚ ሓሳብካ ንናይ ምግላጽ ነጻነት ግቡእ ሓለዋ ክግበረሉ ይግባእ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ መዲያ ነቲ “ክቡር ህያብ” ዝበልዎ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ብግቡእ ከኽብርዎን ክዕቅብዎን ይግበኦም ከም ዝበሉ’ውን እቲ ዜና ጠቒሱ።
ኣብዚ ብደረጃ ዓለም 361 ጋዜጠኛታት ከም ዝተኣሰሩ ዝተገልጸሉ ጸብጻብ ዓመተ-2024 ፡ እቶም ጳጳስ መዲያ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ከፋፈልቲ ምውጋንን ንጸቢብነትን ጽልእን ዕድል ምሃብን፡ ምስ ሓቂ ንክስለፉ ጸዊዖም። ኣብቲ ኣብ ጳውል ኣብ ዝበሃል ፍሉይ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ርክባት ቆላሕታ ክህብዎ ዝግበኦም ንመሰረታዊ ሓቂ ኮይኑ፡ “እምቢ ንናይ ውግእ ቃላት” ክብሉ ይግባእ’ውን ኢሎም።
ኣብቲ ርክባት በይንኻ ዓው ኢልካ ንምዝራብ ዘይኮነ፡ ናይቶም ድምጺ ዘየብሎም ቃላት ምስማዕን ስምዒቶም ምርዳእን ክኸውን ከም ዝግበኦ ንጋዜጠኛታት መልእኽቲ ኣመሓላልሊፎም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ኢንተልጀንስ (Artificial Intelligence) ዘለዎም ስኽፍታ ብምጥቃስ፡ ብሓላፍነትን ጥንቃቐን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ከም ዝግበኦ ኣዘኻኺሮም፡ ጋዜጠኛታት ድማ እዚ ሓድሽ ምህዞ ንረብሓ ማሕበረሰብ ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ከረጋግጹ ይግበኦም ምባሎም እቲ ጸብጻብ ቢቢሲ ጠቒሱ።
እዞም ብትውልዶም ኣሜሪካዊ ዝኾኑ ሓድሽ መራሒ ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ጳጳስ ሌዮ መበል 14 ብ8 ጉንበት 2025 እዮም ተመሪጾም።