ምምልላስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን

2025-06-04 18:38:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 206 times

የማነ ገ/መስቀል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡  ዓሻ መሓመድ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ወይዘሮ ዓይሻ መሓመድ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መበል 34 ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዝበሎ መልሲ ሂባ። ንሳ ኣብቲ ንናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን  ዝሃበቶ ሓጺር መብርሂ፡ “ሃገር እዮም ኢልካ ክትጽወዖም ዘጸገሙ ሃገራት፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረቡ ምፍታኖም ዝተለምደ ባህሪኦም እዩ” ክትብል ሸምጠጣ  ኣቕሪባ።

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ብ3 ሰነ 2025  ንናይ ዓሻ ኣሽሙር  ክምልስ እንከሎ፡ “ኣብዚ እዋንዚ ተጻረፍቲ ደገፍቲ ብልጽግና፡ ኩሉ ቆላሕተኦም ናብ ኤርትራ ገይሮም ኣለዉ” ክብል ኣብ ናይ ኤክስ/X ገጹ ጽሒፉ።

ናይ ቅድም ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ኣባል ኮሚተ ወጻኢ ጉዳያት ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ “ኤርትራውያን መዓልቲ ነጻነት ከኽብሩ ኣይደልዩን እዮም” ብዝብል ኣበሃህላኡ ዝፍለጥ፡ ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኑ፡  ሕብረተሰብ ዓለም ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ንከተውጽእ ተጽዕኖ ይግበረላ ክብል ሓድሽ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ኣንበሳደር ዲና ሞፍቲ እውን ንመደረ ኢሳያስ ኣብ መዓልቲ ነጻነት መልሲ ብዝመስል መልክዑ፡ ኣብቲ “ሆርን ረቪው” ኣብ ዝተባህለ ትካል ዜና ዘስፈሮ ርኢቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ብሄር ምስ ካልእ ብሄር ከተባእስ ምፍታን ዝኣረገ ባህሊ እዩ” ክብል ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ድማ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝህቦ ሓገዝ የቋርጽ ከም ዝበለ፡  እቲ ኣብ ሆርን ረቪው ዝወጸ ርኢትኡ ይሕብር።

እዚ ምምልላስ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት፡ ካብቲ ብኢድ ኣዙር ብማሕበራዊ መራኸብታት ክሸማጠጥዎ ዝጸንሑ ወጺኦም ናብ ቀጥታዊ ናይ ቃላት ዳርባ ይኣትዉ ከምዘለዉ የመልክት። በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ኣብ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን መፍትሒ እምበር፡ ኣብ ውግእ ረብሓ ዘየብሉ ክልቲኡ ህዝብታት ድምጹ ንከስምዕ ዝጽውዕ ደወል’ዩ።

Last modified on Wednesday, 04 June 2025 20:55