ኢሳያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዘርግ ዝጸንሐ’ዩ ተባሂሉ

2025-06-03 08:49:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 347 times

ዘመናዊ ዲፕሎማሲ modern diplomacy) ዝተባህለ ትካል፡ ብ2 ሰነ 2025 ኣብ ዘውጸኦ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝፈጸሞ በደል ከይተቐጽዐ፡ ዝነወሐ ግዜ ኣብ ስልጣን ጨቋኒ ምምሕዳር ዝጸንሐ፡ ኣብ ዘይሓላፍነታዊ ውግኣት ተመኩሮ ዘጥረየ፡ ከምኡ እውን ከባቢ ኣብ ምሕማስ ሰፊሕ ግደ ዝጸንሖ ባእታ“ ክብል ገሊጽዎ። እቲ ትካል ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ምስዚ  ኩሉ ገበናቱ  ብዓለም ለኻዊ ትካላት ትኹረት ክግበረሉ ከም ዘይጸንሐ እውን ኣስፊሩ።

ዘመናዊ ዲፕሎማሲ ኣተሓሒዙ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ 1998-2000 ውግእ ንኣስታት 20 ዓመታት፡ ኣብ ኩነተ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ኣብ 2018 ከም ዝተቐየረ መዝጊቡ። እንተኾነ እቲ ናይ 2018 ስምምዕ ኣብ ኣርሒቑ ዝርኢ ናይ ሓባር  ራኢ ዘይኮነ፡ ኣብ ጽልእን ናይ ሓባር ጸላእየይ እትብሎ ምጥቃዕን ዝተሰረተ ምንባሩ ምስክርነቱ ሂቡ። እቲ ናይ ሓባር ግዝያዊ ሸቶኦም ነቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ልዑል እጃም ዝነበሮ ህወሓት ምጥቃዕ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።

እቲ ትካል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ኣብ ዘእተወሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረትን ህልቂትን ዕንወትን ከም ዘውረደ ብትካላት ሰብኣዊ መሰላት ተመዝጊቡ ዝተረጋገጸ ምዃኑ  ጠቒሱ፡ እኝተኾነ እቲ ምስ መሻርኽቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝሓዝዎ ሸቶ ንሱ ጥራይ ከምዘይነበረ ኣመልኪቱ። ኣተሓሒዙ ድማ ሓደ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ከእቱ ቅኑዕ ኣይነበረ ኢሉ፡ እንተኾነ ሎሚ እውን ዋላ’ኳ እቲ ውግእ፡ ብስምም  ምቁራጽ ተኹሲ ጠጠው እንተበለ፡ ኢሳያስ ግና ካብ ምስዋር ውግእ ዓዲ ኣይወዓለን ኢሉ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ርእሰ-ዓንቀጽ ዘመናዊ ዲፕሎማሲ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣብ መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊቲ  ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ክሲ ብዝርዝር ጠቓቒሱ፡ ነቲ ክሱ ዝተለምደ ናይ ኢድ ኣዙራዊ ተግባር  እዩ ኢልዎ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨቋኒ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግዳይ ኩሉ በደላት ኮይንዎ ዝጸንሐ ዘርዚሩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ኤርትራ ብዝሓለፈ ዘይኮነ፡ ብሰንክዚ ኢሳያስ ኣብዚ እዋንዚ ዝፈጥሮ ዘሎ ዞባዊ ዕግርግር ግዳይ እገዳ ክትከውን  እትኽእሎ ከምዘሎ ብምግማት ስግኣቱ ኣስፊሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ነቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንከኣቶ ዝፈቐዶ ተሓታቲ ክኸውን ይግበኦ’ውን ኢሉ።

Last modified on Tuesday, 03 June 2025 11:04