ሓባራዊ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን

2025-11-26 10:09:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 83 times

መራሕትን  ርእሳነ-ብሄራትን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን ብ24ን 25ን ሕዳር 2025 ኣብ ዋና ከተማ ኣንጎላ ሉዋንዳ 7ይ ሓባራዊ ርክብ ኣካይዶም። ነቲ ኣኼባ ብሓባር ዝመርሕዎ፡ ጃዎ ማኑኤል ፕረሲደንት ኣንጎላን ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣንቶኒዮ ኮስታ ፕረሲደንት ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕረት ኣፍሪቃን ኡርሱላ ቮን ለየር ፕረሲደንት ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳን ምዃኖም በቲ ዘውጽእዎ ኣዋጅ  ተሓቢሩ።

እቲ ኣዋጅ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ 7ይ ርክብ እቲ ናይ ሓባር መድረኽ ብ2000 ኣብ ከተማ ካይሮ ካብ ዝጅመር መበል 25 ዓመቱ ስለ ዝኾነ፡ ታሪኻዊ እዩ። 6ይ ርክብ ኣብ ብሩሰልስ ብ17-18 ጥሪ 2022፡ ከምኡ እውን 3ይ ርክብ ሚኒስተራት ኣብ ብሩሰልስ ብ21 ጉንበት 2025 ከም ዝተሳለጡ እቲ ኣዋጅ ኣብ መእተዊኡ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ኣዋጅ ከም ጽማቕ ናይቲ ዘካየድዎ ሰፊሕ ዘተ፡ 49 ነጥብታት ምስ ኣገዳሲ መግለጺ ተዘርዚሮም። ኣብ 4ይ ነጥቢ  ዝሰፈረ ከኣ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግን ኣብ ሕጊ ዝተሰረተ ኣድማዒ ሓባራዊ ተጠቃምነትን ዓለም ለኻዊ ስርዓትን ኣብ ምኽባር ዘለና ጽኑዕ ቅርቡነት ነረጋግጽ። ንቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ኣገዳስነቱን ከምኡ ከኣ ንኣህጉራዊ ደክለረሽን ሰብኣዊ መሰልን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትንን ንምዕቃብ ዘለና ቅሩብነትን ደገፍን ነረጋግጽ።

ከዘጋጥም ዝኽእል ኣህጉራዊ፡ ዞባውን ሃገራውን ብደሆታት ንናይ ሓባር ረብሓ ክውዕል ብዝኽእል መንገዲ ንምትዕርራይ ዓለም ለኻዊ ትካላት ንድግፍ። ንልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነት ናይ ሃገራት ሓዊስካ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሕግታትን መትከላትን ንምዕቃብ ቅሩባት ኣለና። እዞም መትከላት እዚኣቶም ናብ ዘተ ወይ ዋጋ ዕዳጋ ዝቐርቡ ኣይኮኑን። ብመንጽርዚ ተረድኦ ሓላፍነት ኩለን ሃገራት ኣብ ምምስራት ዝምድና፡ ኣብ  ብሓይሊ ተጠቒምካ ምፍርራሕ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘየብሉ ንድግፍ” ይብል።

ኣብ መበል 43 ድማ “ካብ ግህሰት መሰል፡ ግርጭታትን ምስቓይን ፈሪሖም ሃገሮም ንዝለቁ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝመዛበሉ ሰባት ክንሕግዝ ቅሩባት ኢና። ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን እነመሓድረሉ ብልሓትን ኣገባብን ብመንጽር ዘለና ኣህጉራዊ ሓላፍነት ከነሕይሎ ኢና። እዚ ድማ ምስ ምቕሉል ኣቀባብላን ብቑዕ ሓለዋን ምድላው ከምኡ እውን  ምስ ሕብረተሰብ ዝተሓዋወስሉ ኩነታት ምስ ምፍጣር ዝኸይድ እዩ።” ክብል እቲ ናይ ሓባር ኣዋጅ ኣስፊሩ’ሎ።

Last modified on Wednesday, 26 November 2025 15:27