መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብወግዒ ከሲሱ

2026-03-04 09:13:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 34 times

ብኢትዮጵያ ብዝኣተዋ ዝተወቕዐ ተባሂሉ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝተዘርገሐ ምስሊ

መንግስቲ ሱዳን ሰብ መዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሮናት ካብ ግዝኣቶም ናብ ግዛኣታ ኣትየን ክድብድባ ስለ ዘፍቀዱ፡ ብ2 መጋቢት 2026 ብዘውጸኣቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወግዒ ምኽሳሳ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ሱዳን ምኽሳስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ክትብል ስጉምቲ ስለ እትወስድ፡ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ክኸውን’ዩ ዝብል መጠንቀቕታ እውን ኣቕሪባ።

ኣብቲ ናይ 2 መጋቢት ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሱዳን፡ መንግስቱ ነቲ ኩነታት ክትቆጻጸሮ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡  ኣብ ወርሒ ለካቲትን መጀመርታ መጋቢትን 2026 ምእታው ድሮናት ናብ ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝተረጋገጸ ኣፍሊጡ።

መንግስታዊ ማዕከን “ኣገልግሎት ዜና ሱዳን” ብወገና፡ እተን ድሮናት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዒላማታት ናይ ምውቃዕ መደብ ከም ዘለወን ኣረጋጊጸ ኢላ። እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ነቲ ተርእዮ “ህውከተኛ ባህሪ’ዩ” ኢሉ፡ ግጉይን ዘይቅቡልን ድሕሪ ምባል፡ ኮነ ኢልካ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሱዳን ንምግሃስ ዝተኣልመ እዩ  ከም ዝበሎ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ። ከምኡ’ውን መንግስቲ ሱዳን ግዝኣታ ንምሕላው ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰላ ሕልዊ እዩ ኢሉ።

እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብዚ ንሳልሳይ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንኢትዮጵያ ነቲ ብጀነራል ሕሚቲ ንምሕጋዝ ኢድ ምእታዋ ብኸምዚ ብወግዒ ክኸሳን ከጠንቅቓን ናይ መጀመርታኡ እዩ። ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርክብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ተኹሲ ጠጠው ምባል ዘይተኻእለሉ ምኽንያት ክልቲኦም ወገናት ብናይ ወጻኢ ሓይልታት እናተሓገዙ “ኣነ ክስዕር እየ፡ ኣነባ ክስዕር”  ዝብል ምትህልላኽ ስለ ዘለዎም’ዩ ክትብል ጠቒሳ ነይራ እያ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባቲ ክሲ ወግዓዊ መልሲ ዘይሃበ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ኩነታት ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዞባና ዘሎ ኣሰላልፋ ናብ ቅሉዕ ውግእ ከይምዕብል ናይ ብዙሓት ስግኣት ኮይኑ ዘሎ እዩ።

Last modified on Wednesday, 04 March 2026 10:19