ኤርትራ ኣብ ልብና !!! ዘርእስቱ ሰሚናር ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሽወደን ብዘደንቅ ኣገባብ ብዓወት ተዛዚሙ።

2015-10-23 19:58:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2518 times

ብምምሕዳር ከተማ ዮተቦርግ ቤት ጽሕፈት ሕብረተሰብኣዊ ሌላ ዝተዳለወ፡ ኩሎም ምስ ስደተኛታት ዝሰርሑ መማህራን ናይ ቋንቋ ሽወደንን መባእታን፥ ከምኡ'ውን፥ ፖለቲከኛታት ዝተሳተፍዎ ኣገዳሲ ሰሚናር ብመራሕ መደብ ኣቶ ቶማስ ማንግሶን ሰዓት 8:30 ተኸፊቱ።

SeminarEritreaInGuthenberg 2 ቀጺሉ፥ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፥ ኣባል ባይቶ ሃገር ሽወደን ነበርን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያት ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእትን ድሕሪ ናጽነትን ብሩህን ሰፊሕን መግለጺ ኣቕሪቡ።

SeminarEritreaInGuthenberg 4

ሲዒቡ ናይ ክልተ መንእያት ግዳይ ናይቲ መሪር ሃለዋት ዝኾኑ ሓጸርቲ መብርሂ ሂቦም።

SeminarEritreaInGuthenberg 3

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት እትነጥፍ ሓውትና መሮን እስቲፋኖስ ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ክሳብ ሎሚ ዘሕለፈቶ ተመኵሮን ጌና እውን እትነጥፈሉ ዘላ ብፍላይ ንጸገማት ስደተኛታት ንምቅላል ዝግበር ጻዕርታት ንኽፈል ወይ ሞት ዝብል !!! ኣርእስቲ ኣልዒላ ብስእሊ ዝተሰነየ ገለጻን ሓጺር ፊልምን ኣቕሪባ። ዕዱማት ኣጋይሽ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ብግቡእ መልሲ ድሕሪ ምሃብ ብክብ ዝበለ ምስጋና ኣኼባ ተዛዚሙ።                                                                           

Last modified on Friday, 23 October 2015 22:57