ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ምስ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ሽወደን ኣኼባ ኣካይዱ
2015-10-26 19:18:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2252 timesሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ24 ጥቅምቲ 2015 ምስ ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ሽወደን ብፓልቶልክ ኣኼባ ኣካይዱ።
ሓው መንግስተኣብ፡ ብዛዕባ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤን ውጻኢቱን ኣመልኪቱ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ዝተኣታተዉ ለውጥታት፣ ምርጫ መሪሕነትን ኦዲተርን ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።
ኣስዒቡ ብፈጻሚ ሽማግለ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክዕመም ተመዲቡ ዘሎ ስርሓት ውን ገለገለ ኣብነታት ብምጥቃስ ኣባላት ኣብ ምዕዋቱ ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ጸዊዑ። እቲ ዕማማት፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምብዳህ፡ ንግደን ተራን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ምዕባይ፥ ንሰልፊ ምሕያል፡ ንተቓወምቲ ሓቢሮም ንኽሰርሑ ምጽዓር . . .ወዘተ ዘጠቓልል ኢዩ።
ኣብ ርእስ'ዚ፡ ሓው መንግስተኣብ ዝመርሖ ልኡኻት ኣብ ሽወደንን ኖርወይን ዘካየድዎ ርክባት ውን ሓቢሩ። ልኡኽ ሰልፍና ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ንምባል ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርኣእያን ኣሰራርሓን ለውጢ ከምዘድሊ ኣትሪሩ ጸቒጡሉ ኢሉ።
ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን ዘይብላ፣ ፍትሒ፡ ሰላምን ራህዋን ዝበዀረላ፣ ህዝባ ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንስደተን ዝተቃልዓላ ሃገር ምዃና ኣብሪሁ። ስርዓት ኢሳያስ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናተዳኸመን እናተሸምረረን ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ምዃኑን ውድቀቱ ርሑቕ ከምዘይኰነን ኣሚቱ። ንዕድመ ምልካዊ ስርዓት ዘናውሕ ዘሎ ምኽንያት ድማ ብኵራት ዝተጠርነፈን ሓያልን ተቓውሞ ምዃኑ ኣረዲኡ።