ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 5ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ኣቃኒዑ
2015-12-15 21:33:35 Written by ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2701 timesቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለት 13 ታሕሳስ 2015 5ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ። ቀንዲ ኣጀንዳ ናይዚ ኣኼባዚ፣ ምምዕባልን ምሕያልን ዝምድናን ርክብን ናይዚ ቤት ጽሕፈትዚ ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ናይ መንእሰያት ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን ዝብል ነበረ።
ተሳተፍቲ ኣብዚ ዛዕባዚ፣ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ኣብቲ ናይ ዝምድና ርክባትን መትከላት ሰልፊ ተመርኲሱ፣ ብዝከኣል መጠን ምስ ኩሎም ኣለዉ ዝበሃሉ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ማሕበራት ክራኸብ በርቲዑ ክሰሪሕ፣ ከከም ኣድላይነቱ ድማ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ዝምድናታት ክፈጥር ከምዘለዎ ተመያዪጦም። ኣኼበኛታት ብተወሳኺ ጠመተ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ንምዕዛዝን ንምሕያልን ኣብ ዝብል ጥራሕ ተሓጺሩ ከይተርፍ ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ክንድኡ መንእሰያት ድሕሪ ናይ ለውጢ ቃልሲውን እንተኾነ፣ ካብ መገልገልቲ ፖለቲካዊ ስርዓታት ናጻ ዝኾነ ኣብ ሃገራውነትን ሓድነትን ዝተስረተ ናጻን ሪእሱ ዝኸኣለን ሃገራዊ ማሕበር ብምምስራት፣ ዝውደቡሉን ዝንቀሳቀሱሉን ኣገባብ ካቢ ሕጂ ክሕሰበሉን ክስረሓሉን ኣለዎ ድሕሪ ምባል፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ቀንዲ መሳለጢ ናይዚ ሃገራዊ መደብዚ ኮይኒ ክዓዪ ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ።
ኣኼበኛታት እንደገና፣ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ መንእሰያት ማሕበራት ዝምስረትን ዝጅመርን ዝምድናታት ሰልፍና ኣብ ክንዲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ማዕበለን እንዳ ሓየለን ዝመጽእ፣ ንዜናን ፕሮፖጋንዳን ጥራሕ ዘገልግልን፣ ተቀልቂሉ ዝቅህምን ከይከውን ኣብ ኣተሓሕዛኡን ምክንኻኑን ሓያል ጻሕሪ ክግበር ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ