ጨንፈር ማእከል ሰ.ዲ.ህ.ኤ.( E.P.D.P )ፍራንክፎርትን ክባቢኣን ብዕለት 13-12-2015 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ፡፡
2015-12-15 22:43:02 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2860 timesጨንፈር ማእከል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ኣበቲ ልሙድ ቦታ ኣኼባኡ ኪርች ፕላትዝ ብዕለት 13-12-2015 ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ፡፡ እቲ ኣኼባ ካብ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ጅሚሩ ሰዓት 5፡00 ድ.ቀ. ድማ ወዲኡ። ኣኼባ ብሓው ታድሰ ኣስመላሽ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ብእንቋዕ ደሓን መጻእኩም እዩ ተኸፊቱ። ካብኡ ብምቕጻል፡ ኣብቲ ኣጀንዳታት ኣኼባ ብምእታው ብዛዕባ ኣገደስቲ ጉዳያት ተመያይጡ።
ኣጀንዳታትና (1) ኩነታት ጨንፈርና፡ ማለት ኣተሃላልዉኡን፡ ኣሰራርሑኡን፡ ከመሓይሾን ክእርሞን ዘለዎ ነገራትን፡ ከምኡ‘ውን ኣገዳስነት ዲሲፕሊን ኣብ ጨንፈርናን፤ (2) ብዛዕባ ኩነታት ሰልፊ ይኹን ሓፈሻዊ ኩነታት ሓበሬታታት ምልውዋጥን ኔሮም።
ብፍላይ ኣብቲ ካልኣይ ኣጀንዳ ስፍሕ ዝበለ ምርድዳእ ኔሩ። ኣብዚ ዓመት 2015፡ ጉዳይ ሃገርና ዓለማዊ ኣቓልቦ እናተገብረሉ ክኸይድ ከም ዝጸንሐን፡ ሓይልታት ተቓውሞ‘ውን ክምስገን ዝግብኦ ምጥርናፋት ከርኢ ከም ዝጸንሐን ርኢና።
ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን፡ ብ9/11/2015 ፓርላማ ኤውሮጳን፡ ቀጺሉ ከኣ ብዕለት 11-12/11/2015 ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፡ ብጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ማልታ (ፋለጣ) ዘካየድዎ ኣኼባታት፤ ከምኡ‘ውን ተቓወምቲ ውድባት ብዕለት 13-14/11/2015 ኣብ ፍራንክፎርትን፡ ቀጺሉ ድሕሪ 2 ሰሙን‘ውን ብዕለት 27-29/11/2015 ኣብ ናይሮቢ (ከንያ) ብመድረኽ ንሃገራዊ ልዝብ ዘዳለዉዎ ናይ ምርድዳእን ምምኽኻርን ኣኼባታት፡ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ምዃኑን ክተባባዕ ዝግብኦ ንጥፈታት ምዝኾነ‘ውን ኣስሚርናሉ፡፡
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምምኽኻራትን ልዝብን‘ውን ሰልፍና ዕላምኡን ክቃለሰሉ ዝጸንሐን ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ኣበርቲዑ ክደፍኣሉን ጨንፈርና ተላብዩ። ብድሕር‘ዚ ሰዓት 5፡00 ድ.ቀ. ኣኼባ ብዝኽረ ሰማእታት ተዛዚሙ፡፡
ሽማግለ ጨንፈር ማእከል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን