ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራውያን ኣብ ዘይኣምንሉ ቀጥዒ ክፍርሙ የገድዶም ኣሎ
2016-01-03 22:27:12 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2426 timesኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ኤርትራውያን ናይ ቁጠባ እምበር ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ኣይኮናን ኢሎም ንክፍርሙ የገድዶም ከምዘሎ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታትና ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት እዚ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ቅድሚ ሳልስቲ፡ ኣብ ካርቱም ንዝርከቡ መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያ ነቲ መፈረሚ ቀጥዒ ከም ዝዓደሎም ጠቒሶም። በዚ መሰረት ነዚ “ኣነ ካብ ሃገረይ ዝወጻእኩ ብቑጠባዊ ጸገም እምበር ካልእ ሽግር የብለይን” ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ ቀጥዒ ንክፍርሙሉ ንኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብቲ ቦታ ከም ዝተዓደለን፡ እንተኾነ እዞም ተመሃሮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይክውንነታዊ ቀጥዒ ኣይንፍርምን ከም ዝበሉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብሪሁ። እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ኣካላት ህግደፍ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ ኤርትራውያን ወገናት እውን ኣብዚ ዝተጠቕሰ መደናገሪ ቅጥዒ ንክፍርሙ የገድድዎም ኣለዉ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ ኤርትራውያን ዝርከብሉ ኩርነዓት ናይ ዓለም እውን ተመሳሳሊ ፍሹል ፈተናታት የካይድ ስለ ዘሎ፡ በዚ ኣጋጣሚ ኤርትራውያን ኣብዚ እቲ ጉጅለ ሓቀኛ ምስሉ ንምሕባእ ዘርጊሕዎ ዘሎ መጻወድያ ከይኣትዉ ነዘኻኾም።