ጻውዒት ንዓመታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሽወደን

2016-03-06 20:55:23 Written by  ኣካያዲት ሽማግለ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሽወደን Published in EPDP News Read 2315 times

ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ጨንፈር ሃገረ ሽወደን ን4ይ ጊዜኡ ዓመታዊ ጉባኤኡ ንዕለት 02 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ስቶኮልም( Grusås gränd160 ) ከካይድ ምኻኑ ኣካያዲ ሽማገለ ትሕብር። እዚ ናይ ገበርቲ ሰናይ ዝኾነ ማሕበር ናብ ከተማ ከሰላ ሱዳን ዝርከቡ ዉጉኣት ሓርነትን ብዝተፋላለዩ ምኽንያታት ኣካሎም ዝጎደሉ ኤርትራውያን ብግቡእ ዝሕግዝ ማሕበር እዩ።                            

እዚ ማሕበር እዚ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካውን ሃይማኖታውን ዝምባሌ ነጻ ዝኾነ ሰብኣዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ክሳብ ዝወግሕ ኩሉ ኤርትራዊ ርህሩህ ከይዝንግዕ ንጽዉዕ። ብዝመርጽኩሞ ኣገባብ ሓገዝኩም ክትልግሱ ንላቦ። 

ፖስት ጂሮ 650565-5 እንሆ።

 

Last modified on Sunday, 06 March 2016 22:16