ቃለመጠይቕ ምስ ኤርትራ ኣልኣዛር ሓላፊት ቤ/ጽ ጉዳይ ደ/ኣንስትዮ ሰደህኤ ብምኽንያት 8 መጋቢት
2016-03-07 07:17:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4221 timesሓርነት፡ ኣብዚ እዋንዚ ክብደት ወጽዓ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ትገልጽዮ?
ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ብመጀመርያ ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ መግለጺ ንኽህብ ንዝተዋህበኒ ዕድል ልባዊ ምስጋናይ የቕርብ። ነዚ እተካይድዎ ዘለኩም ዘይሕለል ቃልሲ ድማ የሞግስ። ናብቲ ጉዳየይ ክኣቱ።
ወጽዓ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ኩሉ እዋን ዝኸበደን ዝመረረን እዩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ እቲ ዘሎ ኩነታት ዝያዳ ንኣዴታት ስለዝሃሲ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራዊ ኣብ ዘይተጸበዮ ከርፋሕ ሃለዋት እዩ ዝነበር ዘሎ። ኣብ ዓዱ ቀሲኑ ብሰላምን ብፍቕርን ክነብር እናደለየ፡ ብሰንኪ ባርባራዊ መግዛእቲ ህግዲፍ ክስደድ ይግደድ ኣሎ። ንኣብነት ባርነት ሃገራዊ ኣገልግሎት መሪርዎም መንእሰያት ኣብ ዝስደድሉ፡ ወለዲ እዮም ዝእሰሩን ዝሳቐዩን። ውሉዳ መውደቒኡ ዘይፈለጠት ኤርትራዊት ኣደ ሻቕሎት ከይኣኽላ፡ ካልኦት ደቃ ዛሕዚሓ ትእሰር ወይ ድማ ኣቦ እንተሎ ንሱ ይእሰር’ሞ፡ ንሳ ፈቐዶ ኣብያተ-ማእሰርት በዓል ቤታ ክትደሊ ከርተት ትብል። ምሉእ ናብራ ገዛ ድማ ሓላፍነቱ ናብኣ ይወድቕ። ነዚ ክትጸሮ ከኣ ዓቕሚ ይሓጽራ። ኣብ ሓደ ጊዜ ናይ ሰለስተ ዝተፈላለየ ሽግራት ግዳይ ትኸውን። መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ እንተኾነት ኣብ ሳዋ ክብራ ይድፈርን ትዕመጽን። ናብራ እንተገበረት ኣብ ልዕሊ በዓልቤታ ብዝወርድ ተጽዕኖ፡ ካብቲ ጸገም ኣይትድሕንን። በዓል ቤታ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ ዘሎ። እንተ ሃደመ ኣቦ ዘይብሎም ህጻናት ሒዛ ናይ ናብራኣ ጸገም ከይኣኽላ፡ ነቲ ካብ ኢድ መንግስቲ ዝጠፍኤ ሰብኣያ፡ ገንዘብ ክትከፍል ትግደድ። ምስዚ ኹሉ ደቃ ተዕንግለሉ ዓቕሚ እውን የብላን። ስለዚ ዝኽፈል ሲኢና ንሳ’ውን ከምቶም ወለዲ ትእሰር። ብዘይካ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብያተ-ሕክምና ወይ ኣብያተ-ትምህርቲ ምስራሕ ዘይፈልጥ ስርዓት ኣስምራ፡ ደቂ ኣንስትዮ በይነን ኣብ ዝኾናሉ ጊዜ ሰሪሐን ደቀን ከየዕብያን እኹል ትምህርቲ ከይረኽባን ኣቛሪጹ ናብቲ መወዳእታ ዘየብሉ ባርነት የእትወን።
ስርዓት ኣስመራ ነተን ምእንቲ ናጽነት ተጋዲለን ዝመጻ ሓርበኛታት’ኳ ኣይኮነን። ሓርበኛታት ወዓሩ ተጋደልቲ ምእንቲ ናጽነት ህይወተን ከፊለን ኣካለን ጎዲለን ክነሰን፡ ጻምአን ገለን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቀያ ከለዋ፡ ገለ ድማ ብድኽነት ከርተት ይብላን ይዋረዳን ኣለዋ። ሓሚመን ሕክምና የለን፣ ክራይ ገዛ ኣይርከብን እንተተረኽበ ከኣ ዋጋኡ ኣይከኣልን። እዛ ብዋጋ ሓርብኛታት ዝመጸት፡ ኣስቤዛ፣ እኽሊ፣ ማይን ኤለትሪክን ዘይብላ ሃገር፣ ንዜጋታታ ድቕድቅ ጸልማትን ናይ ስቅያት ደሴትን ኮይናተን ኣላ። ስለዚ እዛ ትምህርቲ፡ ምዕባለ፡ ብልጽግና፡ ሰላምን ፍቕርን ዝጎደላ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ንደቂ ኣንስቶዮ ዝያዳ ዝኸፈአት ሃገር እያ ክትበሃል ትኽእል።
ሓርነት፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ብመንጽር ምቅላሱ፡ ፖሊሲ ሰደህኤ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ይግለጽ?
ኤርትራ ኣልኣዛር ፡ ብመንጽር ናይዚ ዘሎ ኩነታት ክርአ እንተኾይኑ ንዓይ ፖሊሲ ሰ.ደ.ህ.ኤ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ መተካእታ ዘይብሉ እዩ። መሰል ደቂ ኣንስትዮ ይሕልው ጥራይ ዘይኮነስ ጓል ኣንስተይቲ ማለት መምህር ሕብረትሰብ ማለት ምዃኑ ይኣምን። ምዕብልትን ብልጽግትን ኤርትራ ንምህናጽ ግደ ጓል ኣንስተይቲ ዝለዓለ እጃም ከም ዘለዎ ዝርእን ብምሉእ ዓቕሙ ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጻዕርታት የካይድን። ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ሓላፍነት ድማ ቦታ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ሕልው ክኸውን፡ ናይ ትምህርትን ስራሕን ማዕረ ዕድል ዝህብ፡ ንማዕረ ስራሕ ማዕረ ደሞዝ ይኣምን። ኣብ ጊዜ ሕርስን ጥንስን ቦታ ስርሐን ዝተሓለወ ጥራይ ዘይኮነስ ደሞዘን እናተኽፍላ ኣብ ገዝኤን ምስ ውሉደን ክዕርፋ ዕድል ክወሃበን ይኣምን። ሰደህኤ ንደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ዘስፈሮ “ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ኢየን። መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከምዝህልወን ንምግባር፡ ሰዲህኤ ከይተሓለለ ክሰርሕ ኢዩ። ነዚ ክዉን ንምግባር፡ ኣንጻር ጓል-ኣንስተይቲ ዝውዕሉ ጐዳእቲ ባህልታት፡ ኣተሓሳስባታትን ልምድታትን፣ ከምኡ’ውን፡ ዓንቀፍቲ ፖለቲካዊ ማሕለኻታት ብሕጊ ንምውጋዱ ኣድላዪ ቃልሲ ክካይድ እዩ።” ዝብል ሓሳብ ይርከቦ። እዚ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዲክታተርነት ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ስቓይን ቤት ማእሰትን ጥራይ እዩ ማዕርነተ ድቂ ኣንስትዮ ዝሕልው። ተቓሊሰን ነጻነት ዘውሓሳ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝነብረኦ ዘለዋ ሃለዋት ከኣ ነዚ እዩ ዘመልክት።
ሓርነት፡ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዘሰክፉ ጉዳያት ሓደ ምዝሕታል ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ’ዩ። እዚ ስለምንታይ ኣጋጢሙ?
ኤርትራ ኣልኣዛር ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎአን ከምቲ ዝደለ ወይ ዝግባእ ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎዎ።
ቀዳማይ ንናጽነት ኣብ ዝተረብረ ቃልሲ ንምዕዋት ኣብ ሜዳ ብረት ዓጢቐን ብምቅላስ ህይወተን ዝኸፈላሉ ስለ ዝኾነ፡ ታሪኸን ዝድምስሳ ዘልዋ ስለ ዝመስለንን እቲ ስርዓት ልቢ ገይሩ ባዕሉ ክዕረ ብተስፋ ስለዝጽበያን። ካልኣይ ኣብ ስደት ዘለዋ ኣደታት ነቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ናይ ጉልበት ስራሕ ሰሪሐን ብኹሉ ዓቕመንን ክእለተንን ዘበርከታሉን ዕድመአን ብሙሉእ ዋጋ ዝኸፈላሉን ስለ ዝኾነ፡ ዋንነት ይስምዐን እዩ። ስለዚ ነቲ ዝገበርኦ ጻዕርታት ስለዝዝክራ ንምቅዋሙ ኣይጭከነለንን። ሳልሳይ ደቂ ኣንስትዮ ንሓደ ዝኣመናሉ ዕላማ ጸኒዐን እየን ዝሕዝኦ። እሙናት እየን። ዋላ ነቲ ዝርኤኦ ጌጋ ከምቲ ደቀን ኣብ ጊዜ ቁልዕነት ንዝገብርዎ ጌጋታት ሸለል ኢለን ዝርእይኦ፡ ነዚ ናይ ሎሚ ጸገም’ውን ከምኡ ስለዝርእይኦ። “ኣደስ ትሓብእ’ሞ ሓበላ ዓይንስ ኣይትሓብእን” እኳ ዝበሃል እንተኾነን፡ ንሳተን ግና፡ ነቲ ስርዓት ኩሉ ኣበሳኡ እናረኣያ ከምዘይርኣያ ይኮነን ክሓብኣሉ ይፍትና። ነዚ ዘስዓቦ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሸፋጢ ጭርሖ ኢሰይያስ ኣፈወርቂ እዩ። “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” ዝብል። ንስርዓት ምቅዋም ከም ንሃገር ምቅዋም ኮይኑ ስለ ዘረርአ። እዚ ድማ ንሱ ዝፈጠሮ ዘይኮነ ካብ ከምኡ ዓይነት መለኽቲ ዝተማህሮ እዩ።
እቲ ካልእ ጉዳይ ውልቃዊ ረብሓ እዩ። ኣብ ዓዲ ንዘሎ ከም ገዛ ዝኣመሰለ ንብረት ክትብል ንህግደፍ ምንሓፍ። ኣብ ዓዲ ዘለዉ ወለድን ቤተሰብን ክሳብ ብህይወት ዘለዉ ምእንቲ ተመላሊስካ ክትበጽሖም፡ ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ ምዃንን ምጽቃን እውን ኣሎ። እዚ ግን ውሕስነት ዘለዎ ኣይኮነን። ብኢድ እዚ ስርዓት ሓደስቲ ገዛውቲ ክፈርስን ክዓኑን ናይ ዓሚ ታሪኽ እዩ። ሎሚ ዓመት ዘይድገመለኡ ምኽንያት’ውን የለን።
ሕማቕ ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ እውን ኣብዚ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ልዕሊ’ቲ ንስርዓት ኢሰይያስ ክቃወሙ ዘጥፍእዎ ሓይልን ግዜን ኣብ ሓድሕድ ጸለመ ዝጠፍእ ይበዝሕ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ እቲ ተቓውሞ ነቲ ስርዓት ጠንጢኖም ንዝመጹ ሃገራውያን ብግቡእ ዝሓቁፍ ዘይምዃኑ እዩ። እዚ ከኣ ካልኦት ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ንክመጹ ዘተባብዕ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ ዘየብልኩምን ዘይትከባበሩን፡ ንዝመጸኩም ኣይትቕበሉን ስለዚ ተስፋ ንዘይብሉ እንታይ ኢልና ንመጸኩም ዝብል ዕግበት ኣለወን።
ሓርነት፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ዝሕተላ ወጺአን ተሳትፎአን ኣብ ንቡር ቦታኡ ክምለስ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብሊ።
ኤርትራ ኣልኣዛር፡ እቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ቃልሲ ዝካየደሉ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ሕድሕድ ምክብባርን ጻዕሪ ክቕጽልን ክዓብን ኣለዎ። ናብ ቃልሲ ንዝመጽእ ሃገራዊ ድማ ሓንጐፋይ ኢልካ ምቕባልን ምሕብሓብን የድሊ። ንዓኻ ነጻ ዘውጸኣካ ዘየለ ክንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ሓውካን ሓብትኻን ምፍራድ ቅኑዕ ኣይኮነን። ፍርዲ ንዝመጽእ ህዝባዊ ፍርዲ ሓዲግካ ሎሚ ንናይ ሓባር ረብሓ ሓቢርካ ምቅላስ የድሊ። ከምዚ ተዘይገርካ ግና እቲ ክፈርሃካ ዝግበኦ ይተባባዕ። ምሳኻ ክስለፍ ዝግበኦ ድማ ኣይኣምነካን እሞ ይፈርሓካ። ከይደኸምካን ከይሰልከኻን ድማ እቲ ዘይፈልጠካ ከም ዝፈልጠካ ምግባር። ንኹሉ ኣብ ቅድሚ ዝፈርድ ህዝቢ ዕላማኻ ብግቡእ ምልላይ። ፈሊጡካ ክነሱ እንተ ዘይሰዓበካ ውሳነኡ ስለ ዝኾነ ድሓን። ብግቡእ ከይፈለጠ ንኹልኻ ብሓደ ክፈርደካ ግና ቅኑዕ ኣይኮነን። ስለዚ ነቲ ዘሎካ ዕላማን ራእን ኣብ ህዝቢ ኣቕሪብካ ምልላይን ኣባኻ ከም ዝዓስል ምግባሩን ድማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተቓላሳይ ሓላፍነት እዩ።
ሓርነት ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተመሓላልፍዮ መልእኽቲ እንታይ ኣሎ?
ኤርትራ ኣልኣዛር ፡ ንኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ንኤርትራዊያን ኣደታትን ኣሓትን ዮሃና እንኳዕ ናብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብጸሓና እብለን። ሎሚ ንመበል 106 ዓመት እነኽብሮ ዘሎና ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ በቲ ሓደ ወገን ነተን ምእንቲ ናጽነት ሃገርና ዝተዋደቓ፡ ዝተሰዋኣን ዝሰንከላን ጀጋኑ ሓርበኛታት፡ ብኽብሪ እንዝክረላ መዓልቲ እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እተን ኣብ በረኻታት ሳሕራን ፈቀዶ ባሕርታትን ዝወደቓን ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝሳቐያ ዘለዋን ኣሓትና ብሓዘን እንዝክራላ መዓልቲ እያ። ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ 8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እነቕርቦ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ጻውዒት ናብ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘልዋ ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ሓርበኛታት ወዓሩ ኤርትራዊያን ሎሚ እውን ከም ትማሊ፡ ታሪኽ ጽንዓትክን ክድገም ከምቲ ኣብ መድረኽ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ንጸላኢ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዝጸረግክነኦ፡ ሕጂ እውን ብዋጋ ህይወትክን ይጣላዕ ንዘሎ ዓማጺ ስርዓት ኢሰይያስ ንሓዋሩ ካብ ሱሩ ንክመሖ ግደኽን ዓብይ ምዃኑ ዘክራ። ታሪኽ ጅግንነትክን ከይቋረጽ ናብ ናኣሽቱ ኣሓትክንን ደቅኽንን ናይ ምትሕልላፍ ሓላፍነትክን ኣይትዘንግዓ። ብሰላምን ፍቕርን እትነብራላ ብልጽግትን ምዕብልትን ሃገር ክትህነጽ ድማ ካባኻትክን ዝድለ ዋጋ ክፈላ። እተን ኣብ ዝሓልፈ ታሪኽ ገደ ዘይነበረክን ድማ ሃየ ሎሚ ሓደራ ኣሰር ስውኣትን ሓርበኛታትን ተኸተላ። እብለን።
ሓርነት፡ ስለቲ ነዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ብዝምልከት ዝሃብክዮ መብርሂ ብስም ኣንበብቲ ነመስግን
ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ኣነ እውን ነዚ መልእኽቲ ንከተሓላልፍ ንዝኸፈትኩምለይ ዕድል አመስገን።
ሓድነትና ዓወትና ምክብባርና ድማ ጽንዓትና!!!
ዝኽሪንመዓልቲደቂኣንስትዮ
ዘልኣለማዊዝኽርንክብርንንስውኣትና!!!