መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ
2025-07-16 19:15:10 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 153 timesመራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ብ16 ሓምለ 2025 ካብ ኣዲስ ኣበባ መቐለ ኣትዩ። ናይቲ ብፕረሲደንት እስላማዊ ጉባአ ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ዝተመርሐ ልኡኽ ተልእኮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ (ፓርላማ) ቅድሚቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ናብ ውግእ ቅድሚ ምዕራጉ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን ዲፕሎማትን ምእንቲ ሰላም ጻዕሪ ንከካይዱ ብዘቕረብዎ መጸዋዕታ መሰረት፡ ሰላማዊ መፍትሒ ናይ ምርካብ ጻዕሪ ምክያድ እዩ።
እዚ ልኡኽ ነቲ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ንምህዳእ እዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ መቐለ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ኣብ ሆቴል ፕላነት ምስ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣባላት ካቢነኡን፡፡ ምስ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ከምኡ ከኣ ምስ መራሕቲ ናይታ ሕጋውነታ ብናይ ምርጫ ኮምሽን ተሰሪዙ ዘሎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህወሓትን ተራኺቡ ተመያይጡ።
እቲ ልኡኽ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክብገስ እንከሎ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ጀሚሩ ክሳብ ኩሉ ኣኼባቱ ዝፍጽም ምንቅስቓሳቱ ንመዲያ ዕጽዊ ክኾነሉ ስለ ዝተኻየደን ብኩሎም ወገናት መግለጺ ስለ ዘይተዋህበን ዝርዝር ውጽኢት ናይቲ ዘካየዶ ርክባት ኣይተሓበረን።
ውሑዳት ወገናት’ኳ ካብቲ ርክባት ኣውንታዊ ውጽኢት ዝጽበዩ እንተኾኑ፡ ናይ ብዙሓት ግምት ግና፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየደ ዘሎ ናይ ቃላት ዝለዓለ ምስሕሓብ፡ እዚ ናይዞም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ጻዕሪ ካብ ዳግማይ ውግእ ከድሕንዩ ዝብል ተስፋ የብሎም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይን ጽላል ዝተባህለ ብጉዳይ ተመዛበልቲ እትሕለቕ ሲቪላዊ ማሕበርን በብወገኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክራኸቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።