ሓካይም ብዘይዶብ፡ ኣማውታ ኣባላቱ ዝምልከት ከም ዘጻረየ ሓቢሩ
2025-07-15 21:46:03 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 169 timesማርያ ሄማንደዝ ስፐይናዊት ክትከውን እንከላ ቴድሮስ ገብረማርያምን ዮሃንስ ሓለፎምን ከኣ ተጋሩ’ዮም
ሓካይም ብዘይዶብ (MSF) ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ ኣብ ትግራይ ብ24 ሰነ 2021 ዝተቐትሉ ሰለስተ ኣባላቱ ዝምልከት መጽናዕቲ ዛዚሙ ከም ዝዘርግሐ ብዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። እቶም ግዳይ ዝኾኑ ናይቲ ትካል ኣባላት፡ ማርያ ሄማንደዝ ጋል 35 ዓመት፡ ቴድሮስ ገብረማርያም ወዲ 32 ዓመትን ዮሃንስ ሓለፎም ወዲ 31 ዓመትን ዝተባህሉ ምዃኖም እውን ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ቅትለት እቶም ግዳያት ሰራሕተኛታት ግብረሰናይ ምዃኖም እናተፈለጠ፡ ኣብ ማእከል መንገዲ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ምዃኑ እቲ መግለጺ ጠቒሱ፡ በቲ ቅትለት ዝሕተት ከኣ ሓይልታት ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።
እቶም 3 ግዳያት ኣብቲ ዝተቐትልሉ እዋን ናይቲ ትካል ወግዓዊ ምልከት ብዝነበራ መኪና እናተጓዕዙ ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ኣብ ከባቢ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብውግእ ንዝተጐድኡ ሰባት ሕክምናዊ ረዲአት ክህቡ እናተጓዕዙ እንከለዉ፡ መኪናኦም ተዓጊታ ጠጠው ምስ በለት ከም ዝተቀትሉ እቲ ትካል በቲ መምርመራዊ መጽናዕቱ ኣቃሊዑ። ትካል ሓካይም ብዘይዶብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣብቲ ምጽራይ ክሳተፉ’ኳ ብቐጻሊ ክጽዕር እንተጸንሐ ቃል ካብ ምእታው ሓሊፉ ዘዕግብ መልሲ ከምዘይረኸበ ኣስፊሩ።
ፓውላ ጊል ሊይቫ ፕረሲደንት ትካል ሓካይም ብዘይዶም፡ ዋላኳ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ውጽኢት መርመራ ንክወሃቦም ብተደጋጋሚ ቓል እንተ ተኣትዎሎም፡ ፖለቲካዊ ቅሩብነት ስለ ዘየለ እቲ ዝተጽበይዎ ከምዘይተረኸብዎ ጠቒሳ። ብሰንክዚ ምድንጓይ ንቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ኮነ ንኣባላት ናይቲ ትካል ብቑዕን ወግዓውን መልሲ ምሃብ ከምዘይተኻእለ እውን ኣስፊራ። በዚ መሰረት እቲ ትካል ባዕሉ ዘካየዶ መጽናዕቲ ንክገልጽ ከም ዝተገደደ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ እቶም ግዳያታ ናይቲ ትካል ኣርማ ዘለዎ ጻዕዳ ክዳን ሰብ ሞያ ሕክምና ለቢሶም ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ እዚ እናረኣኻ ዝተኻየደ ቅትለት ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ዘይሰብኣዊ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ከምዘብጸሖም እውን ተሓቢሩ። ደጋጊምካ ብምትኳስ ምቕታሎም ድማ ብገርሂ ዘይኮነ ኮነ ኢልካ ዘተፈጸመ ምዃኑ ዝያዳ ከም ዘረድእ በቲ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ ተባሂሉ።