ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ 7ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ
2016-03-08 22:02:38 Written by ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2700 timesቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ ብ6 መጋቢት 2016 ንመበል 7ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ኣቃኒዑ። ኣብቲ ንሊዕሊ 2 ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ተጋባእቲ ብመሰረት እቲ ኣቀዲሙ ተሓቢሩ ዝነበረ ኣብ ጸብጻብ ናይ 2ይ ርብዒ ዓመት ናይ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ብሓፈሻ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ዕማም ድማ ብፍላይ ብምትኳር ሰፊሕ ክትዕ ኣካይዶም። ኣብ ጸብጻብን ግምገማን ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለን ቤት ጽሕፈትን ድማ ዘይነበረ ምዕባለታትኳ ተመዝጊቡኳ እንተተረኽበ፣ንምሕያሉ ግን ዝያዳ ጻዕሪን ተወፋይነትን ከምዝሓትት ኣኼበኛታት ኣስሚሮምሉ።
ብምቅጻል መንእሰያት ምስቲ ናይ ርሑቅን ቀረባን ናይ ቃልሲ መደባቶም፣ ንፈስቲቫል 2016 እውን ብድምቀት ንምብዓል፣ ካብሒጂ ኩልንተነኣዊ ምድላዋት ክገብሩ ከምዘለዎም ወሲኖም። ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ብፍላይ፣ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሰልፍን ኩሎም ጨናፍርን ድማ ኣብ ጎኖም ደው ክብሉን፣ ንሞራላውን ንዋታውን ደገፎም ከዐዝዙን ተማሕጺኖም።
ዓወት ንህዝባዊ ደሞራስያዊ ቃልሲ!!!
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰደህኤ
Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290