ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኤርትራን ጅቡትን ክዕለሙ ዝዳለዉ ዝነበሩ የመናውያን

2016-08-31 20:01:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4317 times

ኣብ ኤርትራን ጅቡትን ወተሃደራዊ ትምህርቲ ክወስዱ ዝምዝገቡ ዝነበሩ የመናውያን ሓደስቲ ተዓለምቲ ብኣጥፊእካ ጥፋእ ዝብል ናይ ኣሸበርቲ ነብሰ-ቅትለታዊ ስጕምቲ ብዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ 54 ክመቱ ከለዉ፥ ልዕሊ 60 ድማ ቆሲሎም ክብል ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል ስልጣን የመን ከምዝገለጸ ኢንተርናሽናል ኒው ዮርክ ታይምስ እተባህለ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሰሉስ 30 ነሓሰ 2016 ሕታሙ ሓቢሩ። እቶም ተዓለምቲ፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ሰንዓ መንግስቲ መስሪቱ ዘሎ ናይ ሖትይን ሓይሊ ንምውጋእ ኢዮም ዝምዝገቡ ነይሮም።

 

እቲ ብነታጒ ዝተጻዕነት መኪና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብሰኑይ ዕለት 29 ነሓሰ 2016 ኣብ ወደብ ከተማ ዓደን ኢዩ ተኻይዱ። ደዓሽ፡ እቲ ስርሒት ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ ኣሎ። እቶም ጉድኣት ዝወረዶም ተዓለምቲ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኢዮም ነይሮም።


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Wednesday, 31 August 2016 22:46