ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ናጽነት ሓጐሱ ካብ ዝገለጸሉ ምስልታት
24 ጉንበት ቅድሚ 35 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ፡ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ግዝኣታ ነጻ ዝወጸላ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ሰዲህኤ ንኹሎም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ዮሃና ትብል።
መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ርግኣትን፡ ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሕገ-መንግስታዊት ሃገር ምውሓስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ ሓቢርካ ሃገር ንምህናጽ ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ፡ ከም ዝዕወት ኣይተጠራጠረን። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስልጣን ዝተወጥሐ ጉጅለ ዘይትግበር መብጸዓታት የስምዕን ይጽሕፍን ስለ ዝነበረ። ኣብ ተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ዘጋጠመ ዕንወትን ህልቂትን፡ ምእንቲ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዕቤት ከም እትበጽሕ ርግጸኛ ነይሩ።
እተንኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ባህጊ ህዝብና ሎሚ’ውን ኣብ ትጽቢትን ቃልስን እዩ ዘሎ። እቲ ጥልመት ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራን ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ፡ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታት መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ካልእ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዝፈጠሮ እምበር፡ ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዝሰዓበ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ንክቱር ጭቆና ህግደፍ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብሓባር ቃልስና ካብ ምቕጻል ካልእ መተካእታ ከም ዘየብልና ኣብዚ ታሪኻውን ተሃዋስን ኣጋጣሚ ከነረጋግጽ ይግበኣና።
ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ-መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና ነይሩ። ካብቲ ነዚ ትጽቢት ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ ክኾኑ እዮም ዝብል እምነት ከም ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ እዩ ዝብል ግምት ናይ ውሑዳት እዩ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ “ኤርትራ ናተይ ጥራሕ እያ” ዝብል ጉጅለ ክህሉ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። ምስዚ ግና፡ ሰማዒ ኣይረኸቡን እምበር፡ ካብ ቅድም እቲ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝጸውዑን ዝተቃለሱን ፖለቲካዊ ውድባት ነይሮም ኢዮም።
ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡ ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ኢሳያስ ካብ ትጽቢት ህዝብና ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ “ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ” ከም ዝበሃል፡ ኮይኑ። እቲ “እምበርከ፡ እቲ 2ይ ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ እነሆ 35 ዓመቱ መሊኡ። ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ ‘ውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ፡ ግና ከኣ ከምኡ ከጋጥም ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝመረረን ኮነ።
ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርግጋጽ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውዳበታት ኮይኑ ዘሎ እዩ። ምምስራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ተበግሶታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ፡ ስግረ-ዶባዊ ዓመጽ ህግደፍ ንምግጣምን ምቅላዕን፡ ተጀሚሩ ዘሎ ሓባራዊ ንጥፈት’ውን ክቕጽልን ክድንፍዕን ይግበኦ። እንተኾነ ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ህዝብና ናይ ለውጥን ሓቢርካ ምቅላስን ድሌት ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ደጋጊምካ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ይግበር ኣብ ዘሎ ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ናጽነት ደጊሙ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ’ውን ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ንድሕሪት ብዘይመልስ ኣመሓዲሩ ክቕጽሎ ትጽቢት ይግበረሉ።
እቲ ካልእ ንመበል 35 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጐሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ጐረባብትናን ዞባናን፡ ብሓፈሻ ከኣ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን ቅልጡፍ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ለውጥታትን እዩ። ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጊሙ ዝለዓል ዘሎ፡ ታሪኻዊ ኮነ ሕጋዊ መሰረት ዘየብሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተን፡ ህርፋን ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ዝደረኾ ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘስግእ ምትፍናን፡ ብኣተኩሮ እንከታተሎ ኣብ ዘለናሉ ኢና መበል 35 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ንዝክር ዘለና።
ኩለ-መዳያዊ ዝምድና ክልል ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ደረጃ ይርከባ’ሎ። ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር 3 ዓመታት’ኳ እንተሓለፎ፡ ናይ ሰላም መስርዕ ኣይሓዘን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ተወሳኺ ምትፍናን የርኢ’ሎ። እዚ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ዝተኣጐደ ህውከት ኢዱ ካብ ምእታው ዓዲ ዘይውዕል ምዃኑ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕድሮ ዘሎ ሰግኣት ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ስግኣታት ተደሚሩ ዝፈጠሮ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላውን ልምዓታዊ ብኩራት’ውን ዘሰክፍ’ዩ።
እዚ ዘይርጉእ ዘቤታውን ከባብያውን ምዕባለታት፡ ምስቲ ህግደፍ መልክዓቱ እንዳቐያየረ ክመጾ ዝጸንሐ፡ ሎሚ’ውን ጌና ዘይትላዊ ርክባትን ዝምድናታትን ክፈጥር ሃንደፍደፍ ይብል’ሎ። ድሮ ዝውሰድ ዘሎ ግፋ፡ ነጋሪቲ ውግእ ምድሳቕን ምእጋድ ምንቅስቓስን እኹል ምልክት ሰግኣት’ዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኣንጻር’ቲ ናይ ኩሉ መከራኻ ጠንቂ ዝኾነ ዓመጸኛ ጉጅለ ድምጽኻ ናይ ምስማዕን ቃልስኻ ናይ ምሕዳስን ሓላፍነት ከም ዘለካ ከነዘኻኽረካ እዋናዊ እዩ።
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ዲሞክርስን ልምዓትንንቃለስ
እቶም ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ሱዳን ኣብሪ ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ መንገዲ ክዓጽዉ ዝተሰለፉ።
ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ሱዳን ኣብሪ ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ፡ ሱዳናውያን ነበርቲ ብሰንኪ ተኸታታሊ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትርን ዋሕዲ ቀረብ መሰረታዊ ነገራትን ሓያል ተቓውሞ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ። እቶም ተቓወምቲ ደንጎላን ሓልፋን ዝተባህሉ ሱዳንን ግብጽን ዘራኽቡ ናይ ንግዲ መስመራት ከም ዝዓጸዉ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ሓደ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተሳተፈ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ንሱዳንን ግብጽን ብመሬታ ዝራኽብ ንግዳዊ መስመር ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝተሳተፉ ጠቒሱ። እዚ ብ17 ጉንበት 2026 ዝተራእየ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማዝያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ተመሳሳሊ ተበግሶ ምዃኑን ዕላምኡ ከኣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ምምሕዳር ሓይሊ ኤለክትሪክ ንከየቋርጹ ተጽዕኖ ንምሕዳር ምዃኑን ድማ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰላማዊ ዝነበረ ኮይኑ፡ ናይ ህዝቢ መጐዓዝያ ኣውተቡሳትን ናይ ግሊ ተሽከርከርትን ካብን ናብን ሱዳንን ግብጽን ክንቀሳቐሳ ክፈቅድ እንከሎ፡ ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ንግዳዊ ንብረት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ግና ምኽልካሉ ተሓቢሩ። እቶም ተሳተፍቲ ሓለፍቲ ነቲ መስመር ብሓይሊ ንምኽፋት ከይፍትኑ ኣጠንቂቖም፡ እቲ ብቐጻሊ ከጋጥም ዝጸንሐ ዘይርትዓዊ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከይቅጽል ከኣ ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ዜና ሱዳን ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ግዜ ሓጋይ ምቖቱ ክሳብ 44 ዲግሪ ሴንትግሬድ ዝበጽሕ ማእከላይን ምብራቓውን ከባብታት ተደጋጋሚ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ የጋጥማ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ግብጺ ኣብ ዝተወሰኑ ሰሜናዊ ሱዳን ሓይሊ ኤለክትሪ ተቕርብ ክትከውን እንከላ፡ እዚ ከባቢ ካብቲ ካልእ ክፋላት ሱዳን ዝሓሸ ዕድል ከም ዘለዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
ኣስታት 31 ዘይመንግስታዊ ማሕበራት፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ሱዳናዊ ዶር መሓመድ ዓብደልሰላም ባበከር መዝነቱ ክናወሓሉ፡ ብ12 ጉንበት 2026 ብዝጸሓፈኦ ደብዳበ ከም ዝጸወዓ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ መጸዋዕታ ናብ ቀወምቲ ኣባላትን ተዓዘብትን ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ኣብቲ ካብ 15 ሰነ ክሳብ 10 ሓምለ 2026 ዝካየድ መበል 62 ዓመታዊ ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ፍሉይ ጠመተ ንክወሃቦ ብዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ።
እቲ መጸዋዕታ ናይተን ዘይመንግስታዊ ትካላት እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንቕጽል ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መበል 62 ጉባአ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ተሪር ውሳነ ንክውሰን ዘተሓሳሰበ ምዃኑ እውን እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።
እተን ናይ ሓባር መጸዋዕታ ዘቕረባ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ኣቐዲመን ከተሓሳስባ ዝተገደዳ እቶም ነቲ ምንዋሕ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ዝድግፉ ወገናት ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ዘካይድሉ እኹል ግዜ ንክረኽቡ ብዝብል ምዃኑ ጠቒሰን። እዚ መበል 62 ዓመታዊ ኣኼባ፡ ድሕሪ 25 ዓመት ማእሰርቲ ጉጅለ 15ን 10ይ ዓመት ንኤርትራ ዝምልከት ሰብኣዊ ጸብጻባት ምቕራብ ዝጀመረሉን ስለ ዝኾነ ፍሉይ ተገዳስነት ከም ዘድልዮ እውን ጠቒሰን።
ኣብ ርእሲዚ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ዝካየድ ዘሎ “ስግረዶባዊ ጸቕጢ” እውን ኣብቲ መጻኢ ዓመታዊ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ክዝረበሉ በተን ማሕበራት መጸዋዕታ ምቕራቡ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝቐረበ መጸዋዕታ ኣብ ኤርትራ ይፍጸሙ ካብ ዘለዉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ነቶም ቀንዲቀንዲ ኣብቲ መጸዋዕታ ኣስፊሩ’ሎ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ9 ጉንበት 2026 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣብዚ ብጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባዊ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ዝሰርዖ መድረኽ፡ ብጻይ መንግስተኣብ “ዝምድና ሃገርን መንግስትን ኣመዓባብለኦም” ብዝብልን ተዛመድቲ ዛዕባታትን እዩ ኣስተምህሮ ሂቡ።
ኣብ ኣስተምህሮኡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ሃገርን መንግስትን ብታሪኻዊ ተረኽቦታት ኣሰንዩ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ብዛዕባ ቅድሚ ምምጻእ ደርባዊ ምፍልልያት ዝነበረ ኩነታት ሕብረተሰብ ዝገለጸ መንግስተኣብ፡ በብግዜኡ ሃገራት ኮነ መንግስታት እናማዕበሉ ዝመጽሎም ደረጃታት እውን ብኣብነታት ብምስናይ ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ናይ በርሊን ኮንፈረንስ 1884 ኣፍሪቃ ንምክፍፋል ወሲኖም ዝተንቀሳቐስዎን ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ ካብቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዘካየድኦ ቃልስን ጠቒሱ።
ሃይማኖታት እውን ኣብ ዕቤት ሃገርነትን መንግስትነትን ዝነበሮም ተጽዕኖታት ዝገለጸ መንግስተኣብ፡ ብዛዕባ ሃገራት ኣብዘሓ ብሄራትን እንኮ ብሄርን ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ዝተፈላለዩ ናይ ምምሕዳርን ምምራሕን ባህርያት ዝነበሮም ስርዓተ-መንግስታት ዘርዚሩ። ኣብዚ እዋንዚ ዓለምና ብኣህጉራዊ ሕግታት ናብ ዘይግዛእ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ዘኽብርን ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥን ሓደገኛ ናይ ሓያላትን ሃብታማትን ስርዓት ትወድቕ ከም ዘላ ዘርእዩ ምልክታት ብሰፊሑ ኣብሪሁ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ነቲ መግለጺ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ኣብ ምምላሶም ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ። ካብቶም ኣዛረብቲ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ “ዝወደቐ መንግስቲ” ዝብል ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብምዝማድ ዓሚቕ ምይይጥ ተኻይድሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ዝማእከለን ቅዋማዊ ትካላት የለዋን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መንግስቲ ንቀጻልነቱ ዝግልገለለን ትካላት’ውን ህይወት ከም ዘየብለን ዘረድእ መብርሂ ተዋሂቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንከድምዕ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ኮይኑ ለውጢ ዝብህግ ዘሎ ናይቲ ለውጢ በዓል ቤት ህዝቢ ኤርትራ ክተኣሳሰር ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ወሳኒ ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተዘሪብሉ።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ናይ ምምዕባል ኣስተምህሮ ክቕጽል፡ ኣብ ኣባላት ሰዲህኤ ጥራይ ከይተደረተ ናብ ዝሰፍሐ መድረኽ ንክብርኽ ለበዋ ኣቕሪቦም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ዘተኣማምን ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንምዃን ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንክፍጠር ቀጻሊ ጻዕሪ ንክካየድ ጸዊዖም።
ነጅዋ ሙሳ ካዩንዳ
ስትራተጅካዊ ተበግሶ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ሱዳናዊ ትካል፡ ውድብ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ሓርነት-ሰሜን፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንዝተኣሰራ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ነጣፊትን ንክፈትሓ መጸዋዕታ ምቕራቡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።
እታ ነጅዋ ሙሳ ካዩንዳ ዝተባህለት ሱዳናዊት ነጣፊት ኣብ ወርሒ ማዝያ 2026 ኣብ ግዝኣት ኑባ ኣቶራ ኣብ ዝተባህለ ብምንቅስቓስ ህዝባዊ ሓርነት ሰሜን ዝመሓደር ፍሉይ ቦታ እያ ተኣሲራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ናብ ማእከላይ ቦታ ናይቲ ምንቅስቓስ ካዩዳ ከም ዝተመሓላለፈት እቲ ተሓላቒ ኣካል ኣፍሊጡ።
እቲ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝጣበቕ ኣካል፡ እታ ግዳይ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ-ኩነትን ንክትፍታሕ፡ ነቲ ብዓብደል ዓዚዝ ኣል ሂሉ ዝምራሕ መሪሕነት ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣተሓሳሲቡ። ናይታ ግዳይ ቤተሰብ ብወገኖም ናይ ጥዕና ጸገም ከምዘለዋ ክጠቕሱ እንከለዉ፡ ከም ቤተ ክርስትያን ጎበታት ኑባ ዝኣመሰሉ ሃይማኖታዊ ትካላት ከኣ ብኣካል ክርእይዋ ፈቲኖም ከም ዝተኸልከሉ ምቅልዖም ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።
እቲ ነታ ሰራሕተኛ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ነጣፊትን ዝኣሰረ ምንቅስቓስ ንህዝባዊ ሓርነት ሰሜን ብስፍሓት ኣብ ደቡባዊ ኮርድፋንን ግዝኣት ብሉ ናይልን ዝንቀሳቐስ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋንዚ “ታእሲስ” ኣብ ዝበሃል መድረኽ ምስቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ኣብ ምሕዝነት ኣትዩ ኣንጻርቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ዝዋጋእ ዘሎ እዩ። እታ ግዳይ ዝተኣሰረትሉ ምኽንያት ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝተፈጥረ ጐንጺ ንምፍታሕ ዘኽእል ሽምግልና ስለ ዘካየደት ምዃና’ውን ተጠቒሱ።
ካዩንዳ ኣብ ከባቢ ኑባ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐትን ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ስረሓት ዳግመ-ህንጻን ብዓብይ ከኣ ኣብ ምሕላቕ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዝጸንሓ ልሉይ ግደ ብብዙሓት እትፍለጥን ባእታ ምዃና እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ጉዳይ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ ብውሽጣዊ ሕድሕድ ውግእ ኮነ ግዳማዊ ተጽዕኖታትን ኢድ ኣእታውነትን ኣብ ኣዝዩ ንቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ዘስግእ ኩነታት ወዲቑ ዘሎ እዩ።
Concluding Statement of the 6th North American Regional Conference of EPDP
Written by North American EPDPThe North American Region of EPDP held its biennial regular conference on May 2, 2026. This conference was held at a sensitive stage where rapid political changes and alignment of forces are taking place in the region. The North American assembly in terms of its heavy responsibility, discussed various topical and important issues and passed resolutions and recommendations accordingly.
At the opening of the session, the Chairman of the EPDP, Mr. Gerezgiher Tewolde, delivered a brief welcome speech and a summary of the holistic prevalent situation. Following that, the Chairman of the Organizing Committee of the North American regional conference, Mr. Yemane Fitwi, presented the agendas for discussion ensuing approval by the participants.
The North American conference discussed in detail the draft report of the Regional Committee Offices, which had already been circulated to the foundations, as the first item. Likewise, the conference heard and discussed meeting activities and financial report of the branches presented by the Regional General Auditor of the EPDP. It then unanimously approved the reports as a party document with all amendments made. According to the report, it passed decisions on important points that it believes should be done in a foreseeable future. One of the issues that the conference paid attention to was strengthening the internal capacity of the party stressing that it should be fulfilled to its entire extent by the party membership to achieve success of the 5th Congress of the EPDP in the coming year.
After completing the reports, the meeting discussed the following important and topical issues under the guidance of the three-member secretariat appointed to chair the conference.
The North American Region of the EPDP conducted a necessary assessment based on the decisions of its previous regular and emergency meetings. In this assessment, it recalled the June 2017 EPDP official proposal for working in unison where the party has been engaged with all political forces the last three years. The Congress strongly called on all Eritrean forces of change to make their contribution in this regard.
The North American Region of the EPDP took extensive time to assess another issue that has been developing in the region and has an impact on the Eritrean cause. The Congress also noted that the Ethiopian government is engaged in occupational and expansionist fashion to stir up war on the one hand and the PFDJ regime is becoming the main destroyer of peace and stability by engaging in regional alliance and conspiracies to merely extend its grip in power by defying the inherent interest of the Eritrean people.
The conference discussed the plight of Eritrean refugees in all corners of the world. Particularly, it explored some of the problems faced by Eritrean refugees in the African and Middle Eastern regions.
As per the EPDP constitution the North American Region of EPDP conference democratically elected a seven-member Regional Committee, one reserve and one General Auditor to lead for the next two years.
At the conclusion, the conference commended members and supporters of the EPDP for their material and morale contributions. In the future, we will continue to work to have the principles of the EPDP realized in all aspects, especially for the success of the upcoming 5th Congress by calling on all members and supporters to increase their contribution. It also called on the people of Eritrea to continue its unwavering struggle for justice, freedom and stability.
Let’s fight for constitutional governance, democracy and development!
ሪፖርተራት ብዘይዶብ ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ብምኽንያት 3 ጉንበት 2026 ዓለምለኸ መዓልቲ “ናጻ ፕረስ” ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ኤርትራ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ። ኤርትራ ናብዚ ደረጃ ዝወደቐትሉ ምኽንያታት ብዙሕ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቶም ቀንዲ ከኣ ዘይመንግስታዊ መዲያ ዘይምህላው፡ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መዲያ ምእጋድን ጋዜጠኛታት ናብ ትካላት ፍትሒ ብዘይምቕራብ መወዳእታኡ ንዘይፍለጥ ነዊሕ ግዜ ምእሳርን ምስዋርን ቅድሚት ዝተስርዑ መዕቀንታት እዮም። ሱዳንን ኢትዮጵያን ከኣ ብቕደም ሰዓብ መበል 118ን 148ን ኮይነን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊረን።
3 ጉንበት መዓልቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1993 ብሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከተማ ዊንድሆክ ዝተወሰነ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ዓላማኡ ከኣ “ናጻነት ምግላጽ ሓሳብ” ንምትብባዕ ምንባሩ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ።
በቲ መግለጺ መሰረት፡ ብጠቕላላ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ደረጃ ናጻ ፕረስ ከንቆልቁል ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ኣብዚ ኩነታት 180 ሃገራት ዝተዳህሰሰሉ ናይዚ ዓመት ጸብጻብ፡ ኣዝዩ ብዘሰንብድ ኩነታት ከምዘንቆቆለ ተገሊጹ። በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ ዓለም ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ኣብቲ “ ኣዝዩ ዝሓመቐ ኩነታት ፕረስ” ዝበሃል ደረጃ ይነብር ከምዘሎ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ናጽነት ፕረስ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ደረጃ ንክወድቕ ቁጠባዊ፡ ጸጥታውን ደረኽቲ ረቛሕታት’ኳ እንተለዉዎ ግቡእ መስርሕ ፍትሒ ዘይምህላ ድማ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ኣብቲ መግለጺ፡ ሉግዘምበርግ፡ ስዊዘርላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ፊንላንድ፡ ሽወደን፡ ደንማርክ፡ ኢስቶኒያ፡ ኔዘርላንድን ነርወይን፡ ዓሰርተ ናይ ጽቡቕ ኣብነት ኮይነን ተቒሰን። ኤርትራ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ቻይና፡ ኢራን፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ቬትናም፡ ቱርከሚስታን፡ ሩሲያን ኣዘርባጃንን ከኣ 10 ኣብ ሕማቕ ኩነታት ናይ ዘለዋ ሃገራት ኣብነት ተባሂለን ተገሊጸን።
ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ2 ጉንበት 2026 ጉባአ ኣካይዳ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባአ ኣቦመንበር ኣሰናዲት ሽማግለ ብጻይ የማነ ፍትዊ መስርሕ ምስንዳእ ከመይ ከም ዝነበረ በብደረጃኡ ዘርዚሩ ብምግላጽ፡ ተሳትፎ ኣባላት ዞባ ኣብቲ መስርሕ ዝነኣድ ከም ዝነበረ ከኣ ኣብሪሁ። ኣቦመንበር ሓጻይት ሽማገል ብጻይ ፍሰሃየ ፍትዊ ብወገኑ፡ ነቲ ዞባ ኣብ መጻኢ ንምምራሕ ሕጹያት ኮይኖም ናብ ጉባአ ዝቐርቡ ኣባላት ንምምልማል ዝተገብረ ጻዕሪ ከመይ ከም ዝነበረን ውጽኢቱን ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣብቲ ጉባአ ኣብ ዘስመዖ ናይ ደገፍን ምትብባዕን ቃል፡ እዚ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዝካየድ ዘሎ ጉባአ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተሳተፍቲ ናይ ዝሓለፍዎ መስርሕ ድልዱልን ድኹምን ጐድንታት ገምጊሞም መጻኢ ዝትልምሉ ክኸውን ተስፋይ ልዑል እዩ ኢሉ። እዚ ንከበሉ ዘለና እዋን ወሳንን ናይ ሓይልታት ለውጢ ብሓባር ምቅላስ ከም ዘድሊ ኣብሪሁ። ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ ግደኡ ከወፊ ቅሩብ ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ ኣተባቢዑ።
ነቲ ዞባ ክመርሖ ዝጸንሐ ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ብወገኑ፡ እታ ዞባ ክትሰርሖ ዝጸንሐት ኩለ መዳያዊ ዝርዝር ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣብቲ ዝሓለፈ ጉዕዞ ኣባላት ዞባ ከርእይዎ ንዝጸንሑ ተወፋይነት ድማ ኣመስጊኑ። ኣብ መጻኢ ክእረሙ ብዛዕባ ዝበሎም ድኽመታት ድማ ኣሚቱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይቲ ዞባ ገንዘባዊ፡ ዜናዊ፡ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ምቁጽጻርን ዝምልከቱ ጸብጻባት ቀሪቦም፡ ካብኡ ብምቕጻል፡ ጉባአ ኣብቲ ጸብጻባት ሰፊሕ ምይይጥ ብምክያድ ከም ሰነድ ዞባ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ።
ድሕሪዚ ጉባአ ብብጸይቲ ኤርትራ ኣልኣዛር እትምራሕ ሰክረታርያ መዚዙ እናተመርሐ፡ ዝቐረበ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ናይቲ ዞባ ተመያይጡ ኣጽዲቕዎ።
እዚ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰዲህኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ንመጻኢ 2ተ ዓመታት እትመርሕ 7 ዝኣባላታ ኣካልን ተቖጻጻርን መሪጹን ዝተፈላለዩ ለበዋታት ብምቕራብን ዕማሙ ዛዚሙ።
ህንጻ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ካርቱም
ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን፡ ብደረጃ ዓለም ብዩኒስኩ (UNESCO) ዝወሃብ ሽልማት ዓለም ለኸ ናጻ ፕረስ 2026 ከም ዝተዓወተ ካብ ካርቱም ተሓቢሩ። እቲ ሽልማት ነቲ ማሕበር ብዩኒስኮ ዝተዋህበ ኣብ ውግእ ናይቲ ማሕበር ኣባላቱ ብዘርኣይዎ፡ ኣንጻር ጥሕሰ መሰል መዲያ ብቑዕ ስነዳ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ።
እቲ ሽልማት እቲ ማሕበር ኣብ ግዜ ውግእ ዘጋጠሙ ጥሕሰታት ብምቅዋም ንዘርኣዮ ትግሃት ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ንግህሰት መሰል መዲያ ዝምልከቱ፡ ብሰንክቲ ውግእ ናይ ዝሞቱ 14 ሰራሕተኛታት መዲያ ወሲኽካ ብዛዕብ 67 ፍጻመታት ከም ዝሰነደ ተሓቢሩ።
ዳይረተር ዩኔስኮ ካለድ ኢል-ኣናኒ፡ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ፍሉይ ትብዓትን ተወፋይነትን ከም ዘርኢ’ዩ ገሊጹ። እቲ ትብዓት ናይቶም ጋዜጠኛታት ንካለኦት ክኢላታት እውን ናይ ውፉይነት ምእንቲ ሓቂ ኣብነት ኮይኑ ከም ዝጥቀስ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ዝተዋህበ ሽልማት ኣብ መዳይ ናጻ ፕረስ፡ ድምጺ ንዘይብሎም ድምጺ ብምዃንን ንዲሞክራሲያዊ መሰል ምጥባቕን ናይ ትብዓት መርኣያ እዩ ኢልዎ።
ኣቦመንበር ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ዓብደልመንዑም ኣቡ እድሪስ ብወገኑ፡ እዚ ሽልማት ኣብ ሱዳን መድያታት ኣብ ዝተዳኸማሉ ግዜ ዝተዋህበ ብምዃኑ እዋናዊ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ እቲ ሽልማት ፕረስ ንክዓቢ ግደኡ ንክጻወት ናብ ሕብረተሰብ ሱዳን መልእኽቲ ከም ዘመሓላልፍ ኣመልኪቱ። እቲ ሽልማት ንኹሎም ምስቲ ጽንኩር ኩነታት ግቡኦም ንዝፈጸሙ ጋዜጠኛታት ሱዳን ዓብይ መዘከርታ እዩ ክብል ጠቒስዎ። ነቶም ጸኒዖም ዝተቓለስ ጋዜጠኛታት ክብሪ ምዃኑ እውን ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣስፊሩ።
እዚ ሽልማት ካብ 1997 ክወሃብ ዝጀመረ፡ ዓመታዊ ኮይኑ፡ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ብሉጽ ስራሕ ንዘርኣዩ ክወሃብ ዝጸንሐ፡ ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዝወሃቡ እዩ።
More...
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ትግራይ ይምዕብል ብዛዕባ ዘሎ ኣስጋኢ ኩነታት ህጹጽ መጸዋዕታ ከም ዘቕረበ ኣዲስ ስታንዳርድ ፖስት ሓቢራ። እቲ ሕብረት ኣብ መጸዋዕታኡ “ዓሚቕ ስኽፍታ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ብህጹጽ፡ ነቲ ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ዘይርጉእን ነቲ ናይ 2022 ስምምዕ ንድሕሪት ዝመልስን ኩነታት ዝዓግት ሓላፍነታዊ ስጉምቲ ክወስዱ ኣትሪሩ ጸዊዑ።
ኣብዚ ብ30 ማዝያ 2026 ብናይቲ ሕብረት ወጻኢ ጉዳያት ወሃቢ ቃል ዝወጸ መጸዋዕታ፡ እቲ ሕብረት ኩሎም ወገናት ካብ ዝኾነ ይኹን ተኹታዂ ስጉምቲ ክቑጠቡ ኣዘኻኺሩ፡ ነቲ ህውከት ጠጠው ምባል ብቐጻልነት ከውሕስ ብ2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንከየፍርስዎ ኣትሪሩ ኣጠንቂቑ። ኣተሓሒዙ ድማ ክልቲኦም ወገናት ናብ ሓድሽ ግጭት ካብ ዘእቱ ተግብራት ክቁጠቡ’ውን ኣዘኻኺር።
መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብሓይሊ ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ዘተ ንክፍታሕ ኣመልኪቱ። ካብዚ ሓሊፉ ክፍጠር ዝኽእል ግጭት ኣዕናዊ ከም ዝኸውን ኣሚቱ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ንክልተ ዓመታት ኣብ ውግእ ጸኒሑ፡ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዕረፍቲ ረኺቡ ዝጸንሐ ከባቢ ብምጥቃስ፡ ሳዕቤኑ ብደረጃ ዞባ እውን ዝልክም ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽል ኣዘኻኺሩ። እዚ መግለጺ መጠንቀቕታ ዝወጸ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝያዳ ዝዓርግ ዘሎ ናይ ውግእ ሓደጋ ተኸቲሉ ምዃኑ ከኣ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልኡኽ ኤምባሲ ኣሚሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝርዝሩ’ኳ እንተዘይተገለ፡ ክልተ ናብ መቐለ ከም ዝተመላለሰ ጠፍሊጡ
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ እቲ 6 ዓመታት ዝሓለፎ እሞ ዝተመርጸሉ መስርሕ ኣብ ፕሪቶርያ ዘይሕጋዊ ዝተባለ ባይቶ ክልል ትግራይ ናብ መድረኽ መጺኡ ንሌተናል ጀነራል ታደስ ወረደ ዝትክእ ፕረሲደንት ንምምራጽ ይሸባሸቡ ኣብ ዘለውሉ ናይ ወጥሪ ግዜ እዩ። ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ እቲ ፕረሲደንትነት ክወስድዎ ከም ዝኽእሉ፡ እንተኾነ ነቲ መስርሕ ስለ ዘይድግፎ ሰላማዊ ምርኽኻብ ስልጣን ከም ዘይገብር ይገልጽ ኣብ ዘለወሉ እዩ።
ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዓባይ ብሪጣንያ ዜጋታቱ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሽሉ ጥንቀቓ ንክገብሩ ዘተሓሳብ መልእኽቲ ብ27 ማዝያ 2026 ከም ዘውጸአ፡ በርሚንግሃም ላይቭ (Birmingham Live) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። እቲ መጠንቀቕታ ኣብዚ እዋንዚ ንክሕደስ ዘድለየ፡ ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ ናይ ሓደሽ ግፋን ናይ ዕቑር ሰራዊት ምብርባርን ይረአ ብምህላዉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ናይዚ ጥንቂ ከኣ እቲ ኤርትራ ኣብ እትርከበሉ ዞባ ዝረአ ዘሎ ሓፈሻዊ ዘይምርግጋእ ምዃኑ ኣስፊሩ።
ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ጸጥታዊ ስጉምትታት ከም ዝውሰዱ ዝጠቐሰ እቲ መጠንቀቕጣ፡ ገያሾ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ንዝኾነ ምዕባለ ምስቲ ዝዕቆብሉ ኣካልን ዘንቀሶም ትካልንብቐጻሊ ክወኻኸሱ ከም ዝግበኦም ምዒዱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ። ዜጋታቱ ካብ ጸጥታውን ወተሃዳራውን ትካላት ክርሕቑ ድሕሪ ምምካር ከኣ ብዛዕባ ክፍጠር ዝኽእል ምዕባለ ኣፍልጦ ምስ ዘለዎም ወገናት ምውኽኻስን ሓበሬታ ምልውዋጥን ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ መጠንቀቕታ ብፍላይ 25 ኪሎሜተር ብኹሉ መሬታዊ ዶብ ኤርትራ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ፍሉይ ጥንቃቐ ንክገብሩ ጠቒሱ፡ ሃንደበት ለውጢ እንተደኣ ተፈጢሩ እቶም ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ኮነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ ዝጽገሞም ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ሓቢሩ፡
ጸገም እንተደኣ ኣጋጢሙ፡ ናይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ብኣካል ሓገዝ ምግባር ኮነ ካብ ኤርትራ ከም ዝወጹ ምግባር ዘይከኣል ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕባር፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ ገዛ ክወጹን ከም መግብን ማይን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ነገራት ክሕዙን መኺሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብዛዕ ከም ሰዓታት እቶቶን ዝኣመሰሉን ብመንግስቲ ዝወጹ መምርሕታት ከኽብሩን ከባብያዊ መዲያትታት ክከታተሉን ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።
ማእከላይ ኮሚተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ካብ 15 ክሳብ 16 ማዝያ 2026 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ ብ2020 ብፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣብ ዘይነበሮ ምርጫ ዝተመርጸ፡ ደሓር ድማ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረሰ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ናብ ቦታኡ ክምለስ ወሲኑ። እቲ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ ብዘይካዚ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ወገናትን ህዝቢ ጐረባብቲ ሃገራትን ዝምድናኡ ንምድልዳል ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ብዝሓየለ ንክቕጽል ምውሳኑ ብ19 ማዝያ 2026 ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣረጋጊጹ።
ድሕሪቲ ኣኼባ ምድምዳሙ ድማ እቲ ማእከላይ ኮሚተ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ብኣባልነት ዝርከብዎን “ኮንስል ኣመራርሓ ዓቕምታት መኸተ ትግራይ” ብዝብል ዝፍለጥ ኣካል፡ ብ17ን 18ን ማዝያ 2026 ርክብ ብምግባር እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ዝተዘራርበሎም ኣጀንዳታትን ዝወሰኖም ውሳነታት መግለጺ ከም ዝሃበ እውን ኣብቲ ዝወጸኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ህወሓት ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምቲ ዝወሰድ ዘሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንቐጻሊ ሓደ ዓመት ፕረሲደንት ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኑ ንክቕጽል ምስ ኣናወሓሉ እዩ። ህወሓት ነቲ ግዜኡ ዝሓለፈ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ናብ ሓላፍነት ዝመልስ ዘሎ፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ ንምትካኡ ብምሕሳብ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣቐዲሙ በቲ ዝተናወሓሉ ናይ ሓደ ዓመት መስረት ኣብ ኣስልጣኑ ከም ዝቕጽል ዘረጋገጸ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ድሕሪቲ ንፕረሲደንትነቱ ዝነጽግ ውሳነ ማእከላይ ኮሚተ ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ነዚ ውሳነ ዝምልከት ርኢቶ ተጋሩ ዝተኸፋፈለ ኮይኑ፡ ከምቲ ደገፍቲ ዘለዉዎ፡ ብኣንጻሩ እቲ ቤት ምኽሪ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረሰ ኣብ ርኢስ ምዃኑ፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ክልል ትግራይ ከኣ ሓሙሽተ ዓመቱ ኣሕሊፉስ 6 ዓመት ስለ ዝገበረ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቅቡልነት የብሉን ዝብል ርኢቶ የቃልሑ ኣለዉ። ኣብ ርእሲኡ ምፍራስ ውዕል ፕሪቶርያ ዘመልክት ብምዃኑ ውግእ ከም ምዕዳም ስለ ዝውሰድ ዝቃወምዎ ኣለዉ።
ናይ ቅድም ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ውሳነ ብዝምልከት ሰፊሕ ዝርዝር ዝሓዘ ተጻራሪ ግብረ መልሲ ከውጽእ እንከሉ፡ ብሓጺሩ “ኣዝዩ ዘስግእን ዘሰክፍን ግጉይ ስጉምቲ እዩ” ኢልዎ። ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተል፡ ጋዜጠኛ፡ ደራስን ተመራማርን ማርቲ ፕላውት ብወገኑ፡ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ “ነቲ ዝጸንሐ ወጥሪ መሊሱ ዘጋድድኩ እዩ” ኢልዎ። ኣብዚ እዋንዚ እዚ ወጥሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ናብ ኣዕናዊ ውግእ ከይምዕብል ኣብ ተጋሩ ከቢድ ስግኣት ተፈጢሩ’ሎ።
እስራኤል ሚካኤል ሎትርም ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣምበሳደር ኣብ ሶማሊላንድ ገይራ ከም ዝመዘዘት ኣልጀዚራ ሓቢራ። እስራኤል ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2026 ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ እዩ። እስራኤል ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደት ናብ ቀይሕ ባሕርን መጻብቦ ባብኤልመንደብን ዝህልዋ ናይ ምቁጽጻር ድሌት ንምርግጋጽ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ህርፋና ንብዙሓት ወገናት ዘሰክፍ ኮይኑ ዘሎ ምዕባለ እዩ።
ፕረሲደንት ሶማሊላንድ ዓብደራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ድሕሪ ምምዛዝ እቲ እስራኤላዊ ኣምበሳደር፡ ንናይ ሃገሩ ሓባራዊ ኣኼባ ፓርላማ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እስራኤል ነቲ ዝኣተወትሎም ቃል ብግብሪ ከም ዘረጋገጸቶ ኣፍሊጡ ሓጐሱ ገሊጹ።
ብካልእ ወገን ድማ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንተግባር እስራኤል ኣትሪሩ ኮኒኑ፡ ነቲ ተግባር ብግህዶ ናይ ሶማሊያ መቃድሾ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ምግሃሳ ዘርኢ እዩ ኢልዎ።
እስራኤል ነታ ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣፍልጦ ክትረክብ ትጽበ ዘላ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝተፈላለየ ኩርነዓት ዝለዓለ ተቓውሞ ዘጋጠማ ኮይኑ፡ ብፍላይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ውድብ ምትሕግጋዝ ሃገራት ኣስላምን ሕብረት ኤውሮጳን ካብቶም ነቲ ተግባር ብትሪ ዝተቓወምዎ እዮም።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ እስራኤል ጌደዎን ሳኣር ብወገኑ ኣቐድም ኣቢሉ ሃግርጌሳ ኣብ ርእሲ ምብጽሑ፡ ብሚኒስተር ማይ ዝምራሕ ሽማግለ ልኢኹ ንክኢላታት ሶማሊላንድ ብክኢላታት እስራኤል ብዛዕባ ምምሕዳር ማይ ኣስተምህሮ ከም ዝወሃብ ገይሩ ከም ዝነበረ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢማራትን ዘሎ ዝምድና መዝሚዙ ነቲ ዘለዎ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ ክጥቀመሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝብል ናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን “ቀይሕ ባሕሪ ካባና ሓሊፉ ንመን” ብዝብል ቅኒት መልክዕ ቀይሩ፡ ኣድላይነት ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንቑጠባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንጸጥታን ምርግጋእን ናይቲ ዞባ ወሳኒ ኣምሲሉ ከቕርቦ ዝፍትኖ ዘሎ ሓደገኛ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።