Eritrea Liberty Magazine Issue No. 35
Written by EPDP Information OfficeEritrea Liberty Magazine Issue No. 35
Written by EPDP Information Officeርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ
ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሃገራት እስካንድኒቪያን ኖርወይን ሽወደንን ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዱ። ኣብዚ ዑደቱ ኣብ ነርወይ “ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕዉት ቃልስና ብሓድነትና ይዓኹዅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ ጉባአ ጨንፈር ኖርወይ ሰደህኤ ተሳቲፉ። ምስ ሓለፍቲ ሰልፊ ዕዮ ናይታ ሃገር እውን ተራኺቡ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኤርትራውያን ነበርቲ ኦስሎን ከባቢኣን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ሃገር ሽወደን እውን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ፓልቶክ ኣኼባ ኣካይዱ። ምስ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሽወደን’ውን ተራኺቡ። ኣብዚ ናይ ሽወደን ዑደቱ’ውን ከምቲ ናይ ኖርወይ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ክፉት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣብዚ ዝተጠቕሰ መድረኻት ክሳተፍ እንከሎ በቶም ኣብዘን ሃገራት ዝነብሩ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣናተስነየ እዩ ነይሩ።
እዚ ዑደት በቲ ሓደ ወገን ኣብ ጽባሕ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እንዳኸረረ ኣብ ዝመጸሉ፡ ደንበ ተቓውሞ ድማ ካብዚ ዘለናዮ መጻብቦ መዋጸኦ ንምርካብ ዝያዳ ካልእ ግዜ ኣብ ዝጽዕተሉ ዘሎ ኩነታት ስለ ዝኾነ ኣዝዩ እዋናዊ እዩ ነይሩ። ዕላማ ዑደቱን እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ መድረኻት ምኽፋቱን መልእኽቲ ምትሕልላፍ ጥራይ ዘይኮነስ ንናይ መጻኢ መደባት ምሕንጻጽ ዝጠቅም ሓሳባት ካብ ኣባላት ሰደህኤ ኮነ ዘይኣባላት ሰደህኤ ኤርትራውያን ምእካብ’ውን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ንክትስማዕ ክትሰምዕ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ።
ኣቶ መንግስተኣብ ነቲ ዝተሳተፈሉ መድረኻት ዝምጥን ግና ድማ ሰፊሕን ዝርዝራውን መግለጽታት ዝሃበ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ፡ ምድህሳስ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን፡ ክብደት ናይቲ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማት ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ኣስጋኢ ተርእዮ ስደትን ነዚ ናብ ራህዋ ንምቕያሩ ክግበር ዝግበኦ ቃልስን ግደ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብዚ መዳይ ገሊጽካ ንተሳትፎ ምምሕጻንን፡ ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ናይ ደንበ ተቓውሞ ተቐራሪብካ መፍትሒ ምርካብ ካብቶም ዘተኮረሎም ዛዕባታት እዮም። ብዓብይኡ ድማ ውጽኢት 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ናይ ሰልፊ መርገጻት ኣብ ዝተፈላለዩ መሰረታውን እዋናውን ዛዕባታት ብመሰረት ፖለቲካዊ ውሳነታት ጉባኤ ግቡእ ግዜ ሂቡ ኣብሪሁ። ኣብ ኩሉ መድረኻት ድማ ከምቲ መልእኽቱ ዘስመዖ፡ ናይ ተሳተፍቲ ሓሳባት ዝስመዓሉ ዕድላት ብምኽፋት፡ ንኣካይዳ ሰደህኤ ዘመጉስን ዝንእድን ጥራይ ዘይኮነስ ዝነቅፍ ሓሳባት’ውን ኣኪቡ። ብተሳተፍቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳባት ሃናጽን ፍናን ዝህብን ምንባሩ ከኣ ከሎ ጋና ንእወንታ ናይቲ ዑደት ዘመልከተ እዩ።
ከምዚ ዓይነት መሪሕነታዊ ዑደት ብሃንደበት ዝፍጸምን ሓንሳብ ተራእዩ ዝጠፍእን ዘይኮነስ ብመደብ ተታሒዙ፡ ዓቕሚ ብዘፍቅዶ ቀጻሊ ክኸውን እምነት ሰደህኤ እዩ። ከምዚ ዝኣመስለ ዑደት ናይቲ ሰልፊ ግሉጽ ኣሰራርሓ ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነ ናብ ኣባላቱን ህዝብን ዘለዎ ቅርበት ዘርኢ’ውን እዩ። እዚ ኣገባብ ክቕጽል ስለ ዝግበኦ ንቐጻልነቱን ኣድማዕነቱ ነናቶም ብጽሒት ዘለዎው ኣካላት ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእይዎ ይግበኦም። ኣብየኩርናዑ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ንከምዚ ዓይነት ዑደት ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ ግደ ኣለዎም። ኣበየ ከባቢኡ ዝርከቡ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘገድሶም ኤርትራውያን ኣብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ክጽውዑ እንከለዉ ክሳተፉ ይግበኦም። ምኽንያቱ ኣብዚ ብዙሓት ውድባት ዝዋሰኣሉ ዘለዋ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኻት ኣየናይ እዩ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ ግጉይ ንምውሳን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ምስታፍ ንጉዳያት ብስምዒት ጥራይ ካብ ምድጋፍ ወይ ምቅዋም ከድሕኖም ስለ ዝኽእል። ኣብዚ ኣገዳስነት ተራኺብካ ምዝታይ ኣድላይ ዝኾነሉ ኣዋን ዝጽዋዕ ኣኼባታት ብዋሕዲ ተሳተፍቲ ክጥቃዕ ኣይግበኦን። ነዚ መድረኻት ዝመርሕ ኣካል ብወገኑ ኣብቲ መድረኻት ዝሰምዖ ርኢቶታት ብግቡእ መምዩ፡ ምስ ሰልፋዊ መትከላቱ ኣሳንዩ፡ መደባት ክሕንጽጽ እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎ ይግበኦ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ብዝምልከት ኣብቲ መጻኢ ዘማዕደወ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ሰዲህኤ ኣብ ሓራ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዘለዎ ራእይ፡ ምንጪ ስልጣን ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ብዝብል ኣብሪህዎ ስለዘሎ። ኣቦመንበርሰደህኤ፡ ነዚ ኣብ ናይ ዑደቱ ‘’እንካን ሃባን’’ ዘዋህለሎ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣብ መዓላ ከም ዘውዕሎ ዘማትእ ኣይኮነን።
3 ሕዳር 2015
ብዙሓት ሊቃውንቲ ዝስማምዑሉ ‘’ ብዘይህላወ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዲሞክራሲ ውሕስነት የብሉን’’ ዝብል ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዝሰፈረ ሓሳብ ኣሎ። ልክዕ እዩ ግደ ናይ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣብ ምህናጽ ሃገር ይኹን ንሕብረተሰብ ኣብ ዝግበር ጐስጓሳት ዓብይ ቦታ ኣለዎ። ህላወ ኣብዘሓ ሰልፍታት ኣድላይ ዝኾነሉ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ወይ መንግስቲ ህዝቢ ንዝኣምነሉ መንግድን ዝሓንጸጾ ቅዋምን ስሒቱ ንኸይጉዓዝ፥ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኮይኑ ዝከታተል ስለ ዝኾነ እዩ። በርጌሳውያን ማሕበራት እውን ካብ ጎኒ ሰልፍታት ከይተረፋን ናብ ናይ ስልጣን ምጭባጥ ከይተመጣጠራን ነቲ መንግስቲ ዝቆጻጸራን ነተን ዘለዋ ፖሊቲካውያን ሰልፍታት እውን ከይተረፈ ነቲ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ብከመይ ይፍጽመኦን ይትግብረኦን ከም ዘለዋ ዝከታተላ ኢየን።
ብዘይካዚ ህላወ ኣብዝሓ ሰልፍታት ቀንዲ ተደላይነቱ፡ እንኮ ሰልፋዊ ድሌትን ኣተሓሳስባን ከም ድላዩ ንኸይገብር ስለ ዝዕገት ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ እውን የወግድ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ከኣ ህዝቢ ኣይጭቆንን ኣይብደልን ፍትሒ እውን ኣይርገጽን፡ ስልጣንን ሃብቲ ሃገርን ናይ ምምቕራሕ መደባት እውን ብዘይተጒላባነት ይስልጥ። ብሳላዚ ኩለን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ካብቲ ናይ ዲሞክራሲያዊ ጐደና ፈልከት ከይበላ ነቲ ስልጣን ኣብ ዝጭብጣሉ፥ ህዝቢ ንኸይጭቆን ቀንዲ መምሪሒአን ገይረን እንተዘይተጓዒዘን ህዝቢ ከም ዘይቅበለን ርዱእ እዩ። ህዝቢ ከኣ ነቲ ንሱ ዘጽደቖ ቅዋም ክከላኸል ምስ ዝበቅዕ ምልክን ምልካዊ ኣተሓሳስባን ከይስዕርር ክዓግት ዝኽእል ብቕዓትን ዓቕምን ይውንን።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፥ ካብዚ ስነፍልጠታዊ ኣምር ተበጊሱ፡ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ከመይ ክትከውን እያ ኣብ ዝብል እምነቱ ክምዚ ዝስዕብ እዩ። መጀመርያ እዚ ሰልፊ እዚ፥ ንምልክን ንምልካዊ ኣተሓሳስባን ካብ ሱሩ ንኽመሓው እዩ ዝቃለስ። ነዚ ንምትግባር ከኣ ኣብ ክንዲ ብውግእ በታ ናይ ድሕሪ ውድቀት እቲ ዲክታቶር ሰላምን ህድኣትን እተረጋግጽ ኣገባብ ህዝብኻ ወዲብካን ኣሳቲፍካን ነቲ መላኺ ናይ ምውዳቕ ሓላፍነት ንህዝቢ ናቱ ምዃኑ ኣእሚንካ ምስኡ ሓቢርካ ምቅላስ እዩ። ንሱ ድማ ምጥርናፍ፥ ምትእምማን ምፍጣርን ብኡ ኣቢልካ ከኣ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፥ ህዝባዊ ናዕቢን፥ ህዝቢ ንፍርሓት ጥሒሱ እምቢ ንምልኪ ከም ዝብል ምኽኣልን እዩ። ጎኒ ጎኒ እዚ ከኣ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ነቲ እከይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ብምቅላዕ ቆላሕታ ህዝቢ ዓለም ኣብ ጐኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክስለፍን ምስ መላኺ ስርዓት ንኸይደጋገፍ ንምግባር ቀጻሊ ርክባት ምክያድ። ብሳልሳይ ድረጃ ከኣ ነቲ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝብና ከኣ ብዜናን ሓበረታን ኣቢሉ ክከታተል እሞ ነቲ ስርዓት ብሓባር ኮይና እንኣልየሉ ምድላዋት ምክያድ እዩ። ቀጺሉ ድሕሪ ምውዳቕ እዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ሕቶ ስልጣን ብመሰረቱ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ስልዝኣምን፥ ህዝቢ ንሓርነቱ ጥንቁቕን ድልውን ክኸውን ምጉስጓስ። ከምኡ እውን ስልጣን ምእንቲ ኣብ ኢድ ውሑዳት ከይኩመር ከምዝዝርጋሕ ምግባርን፥ ህዝቢ እውን ኣብ ምርግጋጽ ህድኣትን ሰላምን ግደዲኡ ከም ዝጻወት ምግባር። ነዚ ናይ ህዝቢ ስልጣን ከኣ ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ምቅብባል ብዝለዓለ ተሳትፎ ህዝቢ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝምስረት ስርዓተ-መንግስቲ ንቅሳነት፥ ብልጽግና፡ ሰላምን ምርግጋእን ዘውሕስ ይኸውን። እዚ ንምግባር ከኣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ተጨቊኑ ዝነበረ ህዝቢ ዝበራበረሉን ነቲ ስልጣን ዝከታተለሉ ኣፍልጦ ንክረክብ ኣስተምህሮታት ብምሃብ ከዳልዎ ክጽዕር እዩ።
እዚ ዝቐውም ስርዓተ-መንግስቲ እዚ ኣብ ሰለስተ ናጻ ዝኾነን ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተሓሳሰብን ዝቆጻጸርን ኣካላት ይኽፈል። እዞም ኣካላት ሓጋጊ፥ ፈጻምን ፈራድን ተባሂሎም፡ ንመሰል ዜጋታት ብዘኽብር፥ ስርዓተ-ሕጊ ብዘረጋግጽ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ረብሓታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዘዕቁብ፥ ቅዋማዊ መስርሕ ክሕዝ ከም ዘለዎ እዩ ዝጽዕር። እዚ ግን ህዝቢ ዝደልዮን ዝትግብሮን እምበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ አርትራ፡ ንህዝቢ ኣነ ዝበልኩኻ ግበር ኢሉ ከገድድ ወይ ከኣ በይኑ ስልጣን ንምብሓት ዝውጥኖ ዘይኮነስ ሕጊ ኣኽቢሩ ንድሌታትን ትርግታ ልብን ህዝቢ ኣብ ግምት ኣእትዩ፥ ዝቃለሰሉን መትከላዊ እምነቱን እዩ።
ነዚ ንምትግባር ከኣ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝምስረተሉ ባይታ ክምድመድ ኣድላዪ ቅድመ ኩነት እዩ። ነዚ ኣብ ዝምልከት’ውን ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቅዋም ዝምእዘዝ መንግስቲ ምትካል መሰረታዊ ዕላማኡ ምዃኑ ኣጥቢቑ ይኣምንን ንትግባረኡ ይቃለስን። ኣብዚ እቲ መስርሕ ብህዝቢ ብዝጸድቕን ንኹሉ ብማዕረ ዝገዝእን ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ዝምራሕ ምዃኑ ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ምስ ህዝቡ ኮይኑ ክረባረበሉ እዩ። እዚ ብህዝቢ ዝጸድቕ ቅዋም ከኣ ክመሓየሽ ክትካእ ይኹን ክውሰኽ ብውሳኔን ድሌትን ህዝቢ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ ናይ ህዝቢ ስልጣን ውሕስነት ረኺቡ ዝሕሎ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ንብዙሕነትና ዘንጸባርቕ ኣብ ኣብዝሓ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ዝተመርኰሰ ክኸውን ከሎ ጥራሕ እዩ ንዲሞክራሲ ዘዕዝዝን ንተሳትፎ ህዝቢ እውን ዝዕድ
EU Aid to Eritrean regime won't stop migrants Flow
Radio Demtsi Harnnet - ድምጺ ሓርነት 31 10 2015
Written by Radio Voice of Liberty SwedenMike Smith on Human Rights in Eritrea
ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝተቐትለ ኤርትራዊ ቤተሰብ ብመንግስቲ ክከሓሱ’ዮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤናይቲ ኣብ እስራኤል ምስ ምፍጣር ራዕዲ ብዝተተሓሓዘ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ቤተሰብ ካሕሳ ክወሃቡ ምዃኖም የሁዳ ወይንስተይን ዝተባህሉ ላዕለዋይ ዳኛ ሓቢሮም። እቲ ሃብቶም ዘርኦም ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ እስራኤል በርሸቫስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዝርከብ ማእከላይ መዋፈሪ ኣውቶቡስ፡ ሓደ ፈጣር ራዕዲ ኣጽዋር ሰሪቑ ተኹሲ ምስ ተኸፍተ፡ ብሓደ ፖሊስ ኣብ 6 ቦታታት ተወጊኡ እዩ ተቐቲሉ።
ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ናይ ሃብቶም ዘርኦም ዝኽሪ ዝምልከት ኣኼባ
ሃብቶም ብጥይት ከቢድ ቆሲሉ ኣብ ዝወደቐሉ ብዙሓት በቲ ኩነታት ዝሓረቑ መሊሶም ከም ዝወቖዎን፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ብፖሊስ መንነቱ ከም ዝተፈልጠን ዝዝከር እዩ። ናይታ ሃገር ሃገራዊ ኢንሹራንስ ንከምዚ ዓይነት ካሕሳ ከም ዘይወሃብ ወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ ሃብቶም ግዳይ ፈጠርቲ ራኦዲ ዝኾነ ውጹዕ ስለ ዝኾነ ቤተሰቡ ተመጣጣኒ ካሕሳ ንክወስዱ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።
ስነስርዓት ዝኽሪ ሃብቶም ኣብቲ ዝወደቐሉ መደበር ኣውቶቡስ
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መጀመርያ እዚ ሰሙን ነቲ ኣቀታትላ ዝምልከት ካብ ፖልሲ ሓበሬታ ምስ ቀረበሉ እዩ ኩሉ ዘድሊ መርትዖታት ንክቀርበሉ መምርሒ ሂቡ። ፖሊስ መንነት ናይቶም ንሃብቶም ዝቐተልዎ ንምፍላጥ ብናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንዝቀረቡ ስእልታትን ናይ ቪድዮ ምስልታትን ኣቐዲሙ መርሚሩ እዩ። ብመሰረት ናይ ፖሊስ መርመራ ኣብቲ ዓመጽ ዝተሳተፉ ኣባላት ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ እዮም። ድሕሪዚ ሓደ መኮነንን ሓደ ኣባል ሓለዋ ወተሃደርን ከምኡ እውን ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 2 ካሎት ሰባት ተኣሲሮም።
ኣቀዲሙ ናይ ሃብቶም ኣስከሬን ናብ ኤርትራን ንምላኽ ወጻኢኡ ብእስራኤል ተኸፊሉ እዩ። እቲ ሃገራዊ እንሹራን ቅድም ነዚ ገንዘብ ምውጻእ ነቲ ኩነታት ከም ናይ ራዕዲ ግዳይ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ ብዝብል ተቓዊምዎ ነይሩ። ደሓር ግና ሓሳቡ ቀይሩ፡ ነቲ ወጻኢ ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ተማቒሉ ከም ዝፈጸሞ ተፈሊጡ።
ጉዕዞ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ሓደ ተርኽቦ ኣፋኒኻ ካልእ ተረኽቦ ኣብ ምቕባልን፥ ብዛዕባኡ ምዝራብን ምጽሓፍን ቀጻሊ መስርሕ ንነብር ኣለና። ንሓንሳብ ንጉጅለ ህግደፍ ነቃልዕ፥ ንሓንሳብ ኣብ ውሽጥና ተመሊስና ብዛዕባ ድኽመት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንዝቲ። ናብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንመሰልካን ነጻነትካን ተቓለስ ዝብል ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ነቕርብ። በብኹርናዑ ዝውደቡ ኣኼባታት፡ ዓወደ-መጽናዕትታት፡ ፈስቲቫላት፡ ጉባኤታት ብዓብይኡ ድማ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ካብቶም ድልውነትና ንለውጢ ንምቅላሕ እንጥቀመሎም መድረኻት እዮም። እነሆ ከኣ ኣካል ናይዚ መስርሕ ዝኾነ ብ29 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝቐንዐ፡ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘቖማ መርማሪት ኣካል ዘውጸኣቶ ንጉጅለ ህግደፍ ዘቃልዕ ጸብጻብ ንምድጋፍ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ። እዚ ሰልፊ ብሓፈሻ ሓደ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ብተመሳሳሊ ዛዕባ ኣብ 26 ሰነ 2015 ኣብ ጀነቭ፡ እስራኤል፡ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ኩርነዓት ዓለምን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት መቐጸልታ እዩ።
እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ዝሃለናሉ ከም ዝተኻየደ ንኹላትና ንጹር እዩ። ኩነታትና ካባና ሓሊፉ ንኹሎም ደለይቲ ጽቡቕና ከይተረፈ ኣዝዩ ኣብ ዘሻቕለሉ እዩ እዚ ብዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ። ናይ ህዝብናን ሃገርናን ኩነታት፡ ብሰንኪ ክብደትን ዕምቆትን ኣሻቓልነቱ ብግቡእ ንገልጸሉ ቃላት ምርካብ እውን ኣብ እንጽገመሉ ደረጃ ኢና ዘለና። ኣሻቓሊ፡ ኣሰካፊ፡ ብቱን፡ ንብዙሕ ዘይቅርዑይ ምናልባታት ዝተቓለዐ ተበልናዮ’ውን ዝምጥኖ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ናትና ኣገጣጥማን ዘይሰማማዕ ምዃኑ ከኣ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ጸገም ከም ዘለና ዘረድእ እዩ። እቲ “ሕጂ’ውን ኩነታትና ወጊና መዋጸኦ ክንረክብ ኢና” ዝብል ኒሕናን ሓቦናን ህያው ምዃኑ ዘይነዓቕ ተስፋ ኮይኑ፡ ነቲ ክንገብሮ ኢና እንብሎ ክንገብር እንስጉሞ ስጉምቲ ኣዝዩ ትሕቲ ግምት ምዃኑ ከኣ ንጸገምና መሊሱ የዕርጎ። እንተኾነ ሕጂ እውን ቃልስና ምእንቲ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ብናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኮነ ብውሽጥን ብደገን ተወዳዲብካ ክሳብ ንዕወት ክንቅጽሎ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንጹር እዩ ካልእ መተካእታ ስለ ዘየብልና። ንቃልሲ ከም መተካእታ ዘየብሉ መንገዲ ዓወት ምቕባሉ፡ ብግብራዊ ስጉምቲ ተዘይተሰንዩ ግና በይኑ ዓወት ኣይኮነን።
ብዛዕባ’ቲ ንምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዘርዕድ ከምዚ ናይ ኒውዮርክ ስርሒት ክዝረብ እንከሎ፡ ክንደይ ተሳቲፈምዎ? ጭረሖታቱ እንታይ ነይሩ? ኣብቲ መድረኽ መን መዲሩ? … ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ክቐርቡ ልሙድ እዩ። ምናልባት ናይዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተሳተፍቲ፡ 3፡ 4 ወይ 5 ሺሕ ኤርትራውያን ይነብሩ። ብናትና እምንቶ ግና ብኣካልኳ ተዘይጠዓሞ፡ “ብኣተሓሳስባን እምነትን ኩሉ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ኤርትራዊ ኣካሉ’ዩ ነይሩ” ምባል ዝከኣል ይመስለና። ስለዚ ኩልና ናይዚ ሰልፊ ተሳተፍቲ ኢና ኔርና። እቲ ጽባሕ ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊዱ ብፍትሓዊ ምምሕዳር ዝትክእን እቲ ኣብቲ መድረኽ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ዝተሳተፈ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ናይዚ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ደጋፊ እዩ። ቃልሲ ምቅብባል ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ጀነቭ ዘይወዓለ ኒውዮርክ ይውዕል፡ ኣዲስ ኣበባ ዘይወዓለ ከኣ ኣብ እስራኤል ይውዕል። ብኸምኡ ድማ ይቕጽል። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ግዜን ቦታን ደኣ ይፈላለ’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ተሳታፊ እዩ ነይሩ።
እዚ ሕጂ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሕጂ ዝጀመረ ዘይኮነ፡ እንዳ ወደቐ እንዳ ተንሰአ፡ እንዳከሰበ እንዳከሰረ፡ እንዳደፈአ እንዳተደፍአ፡ እንዳድመየ እንዳደመየ፡ ከመጽእ ዝጸንሐ ንመጻኢ’ውን ዝቕጽል ሰንሰለታዊ ምትኽኻእ እዩ። ንድሕሪት ተመሊስና ነዚ ናይ ውረድ ደይብ መስርሕ ተመርሚርናዮ፡ እወንታ ከም ዝነበሮ ርዱእ ኮይኑ፡ ብውልቂ ይኹን ብትካል ዝግለጽ ኣሉታዊ ትሕዝቶ’ውን ከም እንረኽበሉ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ክንገብሮ ዝግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ እምበኣር፡ ካብቲ ዝሓለፈ ተማሂርካ ዝሓሸ መጻኢ ክንፈጥር ምቅላስ እዩ። እቲ ክንመሃረሉ ዝግበኣና እንተላይ እቲ ኣሉታዊ ጐኑ እዩ። እቲ ንመሃሮ ነቲ ዝሓለፈ ብምቁምማልን ነቲ ኣሉታ መዚዝካ ብምጉላሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህልዊ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣካይዳ እውን ኣካል እቲ መምሃሪ ተመኩሮ ምግባሩ ጽቡቕ እዩ። ናትካ ኣቐሚጥካ ነቲ ዝሓለፈ መስርሕ ክመርሑ ዝጸንሑ ኣካላትን ኣመራርሕኦምን ክትወቅስን ክትከስስን ምኒን ምባል ዘይኮነ ንስኻውን ጽባሕ በቲ ዝትክኣካ ወለዶ ከይትውቀስ ንህዝባዊ ጉዳያት ልዕሊ ውልቃውን ጉጅላውን ህርፋንካ ሰሪዕካ ምስራሕ ውሕልነት እዩ። ኣብዚ ሎሚ ዝፍጠር ዘሎ ዕንክሊል ጽባሕ ስመይ ብኸመይ ክለዓል እዩ? ኢልና ሎሚ ክንሓትት ይግበኣና። ምናልባት ነቲ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ናብዚ ዘብጸሓና ሰንሰለታዊ ቃልሲ በቲኽካ ደርቢኻ ሓድሽ ናይ ኣቋራጭ ተመኩሮ ክትጠፋጥፍ ምፍታን ግና ብዓንተቦ ገጽ ክንህቦ ዘይግበኣና ዓመጽ እዩ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ኒውዮርክ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምድጋፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ዝወጸሉ ኣገባብ ንክዕወት ኣብቲ ከባቢ ብዘለዉ ኣካላቱ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ከበርክተሉ ዝጸንሐ እዩ። ንሰደህኤ ነዚ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምድጋፉን ኣብ ምዕዋቱ ምስታፉን ከም ንእግረ-መንገድኻ ዝዕመም መመላእታ ስራሕ ዘይኮነ መሰረታዊ መግለጺ ናይቲ ዝኽተሎ፡ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ብመተከላዊ እምነት ሰደህኤ ከምዚ ዓይነት ሰፋሕቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ጸብጻብ መርማሪት ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ክመጹ እንከለዉ ንምድጋፍ ወይ ንምቅዋም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብዝነቕሉ ዛዕባታት ኣንቂድና’ውን ከነካይዶ ዝግበኣና እዩ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ በቲ ሓደ ወገን ህዝብና ነለዓዕለሉን ንሕናን ንሱን ኣብ ሓደ መስመር ኣንጻር ወጻዕቲ ምህላውና ንሕብረሉን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ማዕጾ ሕብረተሰብ ዓለም እንኩሕኩሓሉ ኣድማዒ መሳርሒ ስለ ዝኾነ ንመጻኢ’ውን ክቕጽል ዝግበኦ እዩ። ካብዚ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት እምበኣር፥ ሰልፊ ኣካይድና ጥራሕ ብምባል ክንሓልፎ ዘይኮነ ህዝብናን ሃገርናን ዝድሕነሉ መንገዲ ክንሓስብ ኣለና። ከምዚ ምስ ዝግበር ጥራሕ ከኣ እዩ ስራሓት ዘድምዕን ህዝቢ እውን ናይ ለውጢ መስርሕ ኢሉ ብምእማን ንጉዕዞና ሓንጎፋይ ዝብሎ።
1 ሕዳር 2015
More...
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2015 ክፉት ናይ ህዝቢ ኣብ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን ኣኼባ ኣካይዱ። ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያትን፣ ሓውቲ ገርጊስ ነጋሽ: ሓውቲ ኣልጋነሽ ኢሳቕን ሓው ነጋሲ ሓምደን ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ኣብ'ቲ ኣኼባ ተኻፊሎም ነይሮም።
ሓው ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ስቶክሆልምን ከባቢኡን ናይ ምስጋናን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕር'ዚ፥ ኣጀንዳታት ኣኼባ ብዛዕባ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን፡ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንጥፈታት ሰዲህኤን ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰዲህኤ ገዲፍሉ።
ሓው መንግስተኣብ፡ ንውሽጣዊ ሃለዋት ሃገርና ኣመልኪቱ፡ ኤርትራ፡ ግዝኣት ሕጊ ይኹን ፍትሒ ዘይብላ፡ ዝሰርሑ መንግስታዊ ትካላት ዝበዀረላ፡ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ናይ ብሕታዊ ጽላት ፖሊሲ ዘይትኽተል፡ ምስ ጐረባብታ ሰላምን ስኒትን ዘይብላን ካብ ዓለም ተነጺላ ትነብር ሃገር ምዃናን ኣብሪሁ።
ኣስዒቡ፡ ከም ሳዕቤን ናይ'ዚ ሃለዋት'ዚ ቍጣባ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ሓቢሩ። ሕጽረት መግቢ፡ ማይ፡ ጽዓትን ናይ ወጻኢ ሸርፊን መግለጺ ቍጠባዊ ኵነታት ኢዩ ክብል ኣስሚርሉ። ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ተዋፊርሉ ዘሎ ስራሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህዝባዊ ምልሻ፡ ዑቝር ሰራዊትን ብዝብል ዝተፈላለየ ኣስማት ዝጽዋዕ ውትህድርናዊ ስራሕ ኢዩ ኢሉ።
ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት እውን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቈለ ይኸይድ ምህላዉ ጠቒሱ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብስእነት ብቕዓት ዘለዎ ትምህርትን ብስእነት ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ይሳቐ ኢዩ ዘሎ። እቲ ገንዘብ ወይ ከኣ ስልጣን ዘለዎ ኣብ ሱዳን ከይዱ ክሕከም ኢዩ ዝርአ ዘሎ።
ከም ወጽኢት ናይ'ዚ ሃለዋት'ዚ ኤርትራውያን ናይ መጻኢ ዕድሎም ጸልማት ኰይኑ ስለዝተሰምዖም ዝፈትውዋ ሃገሮምን ዝፈትዉዎ ህዝቦምን ገዲፎም ንስደት ከምርሑ ይግደዱ ኣለዉ ኢሉ።
ስርዓት ኢሳያስ፡ ነዚ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ንምኽዋል ጠንቂ ቍጣባዊ ቅልውላው ኤርትራ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንበሮ ማዕቀብ ምዃኑን ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ንመነባብራኦም ንምሕያሽ ኢሎም ይስደዱ ከምዘለዉን ኢዩ ከረድእ ዝፍትን ዘሎ። ባይቶ ጸጥታ ዘንበሮ ማዕቀብ ግን፡ ናይ ኣጽዋርን ናይ ምንቅስቓስ እገዳ እምበር፡ ኣብ ንግዳዊ መዳይ ዝገበሮ እገዳ ከምዘየለ ገሊጹ።
ንደምበ ተቓውሞ ኣመልኪቱ ብዓቐን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ኣብሪሁ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ግዳም ዝተኸየዱ ተቓውሞታት ውን ሓደ ብሓደ ዘኪሩ። ካብ ኤርትራ ናይ ምውጽእ ዕድል ዝረኸበ ስፖርተኛ፡ ተመሃራይ፡ በዓል ስልጣን በብዝኸዶ ምትራፍ ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ ምህላዉ ኣሚቱ።
ምስ'ዚ ኵሉ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ጥርኑፍ ስለዘይኰነ ኣድማዒ ተራ ክጻወት ኣይከኣለን ኢሉ። ደምበ ተቓውሞ ቀዳምነታቱ ኣብ ምንጻር ጸገም ከምዝጸንሖ፡ ኣብ መንጐኡ ናይ ሕድሕድ ምትእምማን እናበረኸ ምኻዱ ገለ ካብ'ቶም ሕጽረታቱ ምዃኖም ኣሚቱ።
ነዚ ንምስጋር፡ ኣብ ተግባራዊ ናይ ሓባር ስርሓት ምእታዉን በቶም ዝቀራረብ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት ምጅማሩ ኣድላዪነቱ እናዓዘዘ ይመጽእ ከምዘሎን ኣረዲኡ።
ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ድማ ኣብ ዘዘልዉዎ ከተማታት ብሓባር እናሰርሑ ነቲ ኣበየቦታኡ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝባዊ ምጥርናፋት ከተባብዑ ጸዊዑ። ከምኡ ምስ ዝገበሩ፡ ተጸበይቲ ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ኣብ ልዕሊ ውድባቶም ጸቕጥታት ብምግባር ንሓባራዊ ስራሕ ክድርኹ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንንጥፈታት ሰዲህኤ ብዝምልከት፡ ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ካዕባዊ ርኽክባት ከካይድ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኢዩ። ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ድማ ምስ ተሓኤ፡ መድረኽን ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ውን ርክባት ጀሚሩ ምህላዉ ሓቢሩ።
ሰዲህኤ፡ ኣባል ገስጋሲ ምሕዝነትን ተዓዛቢ ኣባል ሶሽያሊስት ኢንተርናሽልን ምዃኑ ንደምበ ተቓውሞ መኽሰብ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣስዒቡ፡ ሰዲህኤ ኣብ ጕዳይ ስደተኛታት ዝገብሮ ንጥፈታት ብዝርዝር ጠቒሱ።
ብድሕር'ዚ ኣኼበኛታት፡ ብዛዕባ ኣድላይነትን ህጹጽነት ሓባራዊ ስራሕ ብፍላይ ኣብ መንጐ'ቶም ዝመሳሰል መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት፤ ከምኡ'ውን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዝህቦ ናይ ልምዓት ሓገዝ ደው ንምባል ተቓወምቲ ውድባት ሓቢሮም ክሰርሑ ጻውዒቶምን ምሕጽንታኦምን ኣቕሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ናይ ሕቶ፡ ርእይቶ፡ ለበዋታትን መልስታት ምሃብን መድረኽ ተኸፊቱ ምውቕ ክትዓት ድሕሪ ምክያድ ኣኼባ ናይ ምርድዳእ ሃዋህው ብዝሰፈኖ ኣገባብን ብዝኽሪ ሰማእታትን ናብ መፈጻምታኡ በጺሑ።
Family of slain Eritrean to receive government compensation
Written by Tova ZimukiAttorney general overrules National Insurance Institute's decision in case of man killed when mistaken for terrorist, stating that he was a victim of terror and qualifies for benefits.
Tova Zimuki
Published: 10.28.15, 18:39 / Israel News
The family of the Eritrean man who was killed after being mistaken as an assailant during a terror attack will receive compensation, Attorney General Yehuda Weinstein announced on Wednesday.
Follow Ynetnews on Facebook and Twitter
Habtom Zerhom was shot six times by a policeman in Be'er Sheva's central bus station after a terrorist stole a soldier's weapon and opened fire, and as rumors spread during the chaotic moments of the attack that there was a second gunman.
Memorial service for Zerhom at Tel Aviv's Levinsky Park (Photo: Motti Kimchi)
Zerhom sustained a fatal wound from the gunfire. A few angry civilians kicked and hit him as he lay dying, whom police said were being identified.
The National Insurance Institute had decided that compensation for the incident would not be provided, but Weinstein ruled that Zerhom was a victim of terror and thus his family should receive the associated benefits.
Memorial service at the bus station where Zerhom was killed (Photo: Herzl Yosef)
The attorney general was briefed on the details of the investigation earlier this week and instructed that findings be prepared as soon as possible.
Police examined security camera footage and video taken by witnesses in order to identify individuals who attacked Zerhom. According to investigators, members of the Israel Prison Service (IPS) were among those participating in the violence. An officer and warden from the IPS were arrested along with two other people suspected of involvement.
Habtom Zerhom
Israel paid for the flight bringing Zerhom's body to Eritrea. The National Insurance Institute initially opposed the funding out of concern that it would be interpreted as recognition of his status as a terror victim, but ultimately changed its position and split the costs with the Foreign Ministry.
Source=http://www.ynetnews.com/articles/0,7340,L-4717696,00.html
ኣብ ዓለምና ቁጽሪ መንእሰይ ናይ ክልቲኡ ጾታ፡ ማለት ካብ 15-30 ዝዕድሚኡ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ድማ መንእሰይ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሰለስተ ርብዒ ከም ዝሕዝ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ። ክልቲኡ ጾታ ብዘይ ኣካላዊ ተፈጥሮኣዊ ፍልልይ ብኣተሓሳስባ ኮነ ብመሃዝነት ሓደ እዮም። እዚ ማለት ኩሉ ከከም ዓቕሙ ክምዕብል ዝኽእልን ክምዕብል ዘይክእልን ክኸውን ይኽእል እዩ።
መንእሰይ ዓይኒ ሃገር፥ እምነ-መሰረት ብልጽግናን ምዕብልናን ሃገርን ምንጪ መሃዝነትን እዩ። ብዘይካዚ ሃገር ኣብ ጐደና ዕቤትን ገስጋስን ክትቅጽል ዘኽእላ ህላዌ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ክበሃል ከሎ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ እቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 15-30 ዓመት ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ እዩ። እዚ ከበሃል ከሎ መንአሰይ ይዓቢ ይሽምግል ይኣርግ ዝትክእዎ ከኣ ይፍጠሩ። ስለዚ መንእሰይ ብቐጻሊ እናተተኻኸአ ዝመጽእን ዝሓልፍን እምበር ደው ኢሉ ዝነብር ኣይኮነን።
መንእሰይ ከም ውልቀ ኣብቲ እኩብ ማሕበረሰብ ክረአ ከሎ፥ ፈሊኻ ዝረኣየሉ ጠባያት ኣለዎ። ንሱ ድማ ብባህሪ፡ ብምህዞ፡ ብሓልዮት፡ ብህርኩትነት፡ ከምኡ’ውን ዕሸልነትን፥ ንኹሉ ክፈልጥን በሃልነትን ዝኣመሰሉ፡ ዝልለየሎም መዕቀንታት ይህልውዎ። ይኹን እምበር ውልቀሰብ ካብ ሕብረተሰብ ተፈልዩ ንበይኑ ክነብር ከምዘይክእል ርዱእ እዩ። በዚ ዝኣክል ውልቀ ሰብ ብዘይሕብረተሰብ፥ ሕብረተሰብ ከኣ ብዘይውልቀሰብ ክህሉ ዘይግመት እዩ። በዚ ከኣ እዩ እቲ ንሕብረተሰብ በቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ውልቀሰብ ተኣሳሲሩ ንረብሓ ኩሉ ዝፍጸም ሓሳባትን ተግባራትን ዝርከብ። ዋላ እውን ውልቀሰባት ነናይ ውልቆም ረብሓን፥ ዝናን፥ ኣነ ብሃልነትን ስምዒት እንተሃለዎም፡ ኩሉ እዚ ባህሪ እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓባራዊ ዝኾነ ሕብረተሰብ እንተስ ብእወንታ እንተስ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ።
መንእስይ ነቲ ናይ ኣሉታ ጎደና ገዲፉ፥ መመንጨዊ ሃናጺ ሓሳብ ኮይኑ፥ ነቲ እውንታዊ ዝኾነ ሓሳብ ምስ ዝኽተል ንናይ መላእ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ረብሓ ዝውዕል ከም ዝኸውን ርጉጽ እዩ። መንእሰይ ውዑይ ሓይሊ ከም ምዃኑ መጠን ምናዳ ምናዳ ብትምህርቲ እናዓኾዀ ምስ ዝመጽእን ዝዂስኰስን እታ ሃገር ውሕስነት ናይ ኣፍራዪን ቁጠባኣ ዘዕብን ሓይሊ ክህልዋ ይኽእል። ብፍላይ ድማ ኣብ ምሕደራዊ ሸነኽ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክምኮርን፥ ክመሃርን ከሎ ነቲ ዲሞክርሲያዊ መስርሕ ከቀላጥፎን ንፍትሒ ክጣበቕን ይበቅዕ።
መንእሰይ ናይ ለውጢ ሃዋርያ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ናይ ለውጢ ሃዋርያ እዩ ከበሃል ከሎ ግና ንሱ ንበይኑ ጥራሕ ቅኑዕን ዘይጋገን ገይሩ ንነፍሱ ክርእያ ኣይግባእን። እቲ ብቕድሚኡ ዝነበረ ወለዶ እውን መንእሰይ ከም ዝነበረን ኣብ ጉዕዞ ጌጋታት ይኹን ብዙሕ ቅኑዕ ተግባራት እናፈጸመ ከም ዝመጸ ርዱእ እዩ። እቲ ተካኢ መንእሰይ እምበኣር ነቲ ጌጋታት ኣብ ክንዲ ዝጽብጽብ ንሱ እውን ባዕሉ ናብቲ ጸገም እቲ ንኸይኣቱ ካብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ክመሃር ናይ ግድን እዩ። ነዚ ተረዲኡ ድማ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ክኸሶም ኣይግባእን። ኣብ ክንድኡ ነቲ ሃብታም ተመክሮኦም ክመሃረሉን ንሳቶም ተጋግየሞ ንዝበሎ ከእርምን ሓላፍነት ክርከብ ይግበኦ።
‘’መንእሰያት መራሕቲ ናይ ጽባሕ’ዮም” እናተባህለ ብዙሕ ግዜ ይዝረብ እዩ። ሓቂ እዩ መንእሰይ መራሕን ተካእን ናይ ጽባሕ ምዃኑ ዝኽሕዶ የለን። እንተኾነ መንእሰያት ናይ ብሓቂ ናይ ለውጢ ሃዋርያትን መራሕትን ክኾኑሉ ዝኽእሉ፡ ኣብ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝግበር መስርሕ ብዘበርክትዎን ብዝዋስእዎን እዩ ዝውሰን። ምኽንያቱ፡ መንእሰያት ተካእትን መራሕትን ኢዮም ካብ ተባህለ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ተሳቲፎም ክነጥፉን ክዋስኡን እዩ ዝግበኦም። ኣብዚ እዋንዚ ብሓደሓደ ተበለጽቲ ባእታታት ብዝካየድ ጐስጓሳት፥ ነቲ መንእሰያት ንፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘጽልእን፥ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንኽሳተፉ ዘይዕድምን ዓንቃጺ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ። እዚ ከኣ ነቲ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ መስኖኡ ከም ዝስሕት ይገብሩ ምህላዎምን፥ መንእሰያት ነቲ ሓላፍነት ክርከቡ ኣብ ክንዲ ምስትምሃር፥ ንበይኖም ተገሊሎም እምበር ምስ ዘለዋ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተጸንቢሮም ንከይዋሳኡን “ነዘን ውድባት ይኹን ሰልፍታት ኣይትጸግዕወን” ብምባል፡ ክመሃርሉን ተመኩሮ ክቐስምሉን ካብ ዝግበኦም መድረኻት ከብኩርዎም ኣይግባእን።
ሎሚ፡ ብሰንኪ እዚ እኩይ ጐስጓስ ይኹን ካልእ ምኽንያታት ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ዝኾነ ሰልፊ እናተሸምረረ ወይ እናጎደለ ከኸይድ ከሎ፡ ዘስዕቦ ጉድኣት ሓደገኛ እዩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ናይ ሕድሕድ ጽልኢ ይዓቢ። መንእሰያት እውን ኣብቲ ክዓምዎ ዝግበኦም ፖለቲካዊ ሓላፍነትን ደሞክራሲያዊ መስርሕን ጽልኢ ይሓድሮም። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ መንእሰያት ኣብቲ ተደኲኑ ዘሎ ተካላዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣትዮም ብዘይምውስኦም እዩ። እቲ ቀንዲ መንቀሊ ድማ መንእሰያት “ብሰልፍታት ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ የለን” ኣብ ዝብል ግጉይ ተረድኦ ይኣምኑ እሞ ነቲ ‘’ብዘይህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዲሞክራሲ ውሕስነት የብሉን’’ ዝብል ስነፍልጠታዊ ኣምር ዘንጊዖም እቲ ዝደልይዎ ለውጢ ብቃልሲ ኣይመጽእን እዩ ናብ ዝብል ተረድኦ የምርሑ። እዚ ከኣ ካብቲ ቅድሚኦም ዝነበረ ክመሃሩ ካብ ዘይከኣሉ፥ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ስልጠና ወይ ትምህርቲ ክረኽቡ ካብ ዘይከኣሉ፥ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ተረድኦ ናይ ዲሞክራሲ እዮም ክኣትዉ። ብሰንኪዚ ብስለትን ብልህነትን ክጎድሎም ስለ ዝኽእል ነቲ ክውንነት ጓስዮም ክጎዓዙ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ስለዚ እቲ መንእሰያት ዝደልይዎ ለውጥን፥ ዲሞክራሲን ንበይኖም ተወዲቦም ጥራይ ዘይኮነስ ብዝያዳ ኣብቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብምስታፍን ብምውሳእን መንእሰያዊ ሓላፍነቶም ከበርክቱ ከለዉ እዩ ውሕስነት ዓወት ክህሉ ዝኽእል። ናይ ሎሚ ተካኢ መንእሰይ ናይ ጽባሕ ተተካኢ ነባር እዩ። ካብዚ ብምብጋስ እያ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንድሞክራሲ ምእማኑን ምቕባሉን ጥራይ ዘይኮነስ ምትግባሩ እዩ እቲ ቀንዲ ቁምነገር ብዝብል ተረድኦ “መንእሰያት ንዑ ነዚ ሰልፊ ውረስዎ” እናበለት ደጋጊማ መጸዋዕታኣ እተቕርብ። ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ኣብ መስርሕ ካብቲ ዝነበረ ተማሂሩ ምስ ህልዊ ብምውህሃድን ንቕድሚት ብምምዕዳውን፡ ዓቕሚ ከጥሪ’ሞ እቲ ሰልፊ ብሓድሽ ብቕዓትን እተሓሳስባን ንክህብትም ስለ ዘኽእሎ።
ድራር መንታይ
30/10/2015
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፈደራል ፖሊስ ስዊዘርላንድ ኣብ ሃገሩ ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ንዝፍጽሞ ነውራም ተግባራት ተኸታቲሉ ናብ ሕጋዊ ኣካል ከቕርቦ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ዝሕብር፡ ብናይታ ሃገር ማዕከናት ዝተቃልሐ ዜና ተኸታቲልና ኣለና። እቲ ፈደራል ፖሊስ መዝጊቡ ናብ ናይታ ሃገር ፍትሓዊ ኣካል ካብ ዘቕረቦ ገበናዊ ክስታት ሓደ ካብ ሓተትቲ ፖለቲካዊ ዑቑባን ካለኦትን ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ጉልባባት ሂብካ ካብ ኣታዊኦም 2% ክኸፍሉ ምግዳድ እዩ። እዚ ተግባራት እቲ ጉጅለ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ባዕልና ክነውግዞን ሕብረተሰብ ዓለም ንክኹንኖ ክንጽውዓሉን ከም ዝጸናሕና ዝፍለጥ እዩ። መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ንመጸዋዕታና ብምስማዕን መረረ እቲ ግዳይ ክኸውን ዝጸንሐ ኤርትራዊ ኣብ ዓድን ወጻእን ብምርዳእን ጥራይ ዘይኮነ ናይታ ሃገር ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኣብታ ሃገር ዝነብር ዜጋ ከምዚ ዓይነት ከትርን ሽፍትነትን ክፍጸም ስለ ዘየፍቅድ እንተላይ እዩ።
እዚ ስጉምቲ ኣብ ጽባሕ እቲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣቐዲሙ ብቤት ምኽሪ ጽጥታ ውድብ ሕቡራት ዝተነብረ እገዳ ንክናዋሕ ኣብ ዝተወሰነሉ ምዃኑ፡ ኣውያት ህዝብና በብኹርናዑ ሰማዒ እዝኒ እንዳረኸበ ከም ዝመጸ ዘመልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ተረኽቦ ምስቲ ኤርትራውያን ድምጾም ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ንምስማዕ ዝገብርዎ ዘለዉ ቀጻሊ ዘይሕለል ጻዕሪ ርክብ ዘየብሉ’ውን ኣይኮነን። ከምቲ ኣብቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ናይ ስዊዘርላንድ ሚዲያ ተገሊጹ ዘሎ፡ እዚ ንህግደፍ ዘሰንብዶ ተበግሶ ኣብ ፍረ ንክበጽሕ ብፖሊስን ፍትሓዊ ኣካላትን ናይታ ሃገር ዝግበር ቀጻሊ ናይቲ ጉጅለ ገበናት ዘነጽር ሓበሬታ ናይ ምእካብ ጻዕሪ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣንጻር ሰላም፡ ህድኣትን ሰብኣውነትን ስለ ዝኾነ ሰብ ነገሩ ንሕና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮና ኩሉ ምእንቲ ሰብኣውነት፡ ሰላምን ፍትሕን ዝግደስ ኣካል እውን በዓል ጉዳይ እዩ። ግና ኣይከማና ከም ኤርትራውያንን። ምኽንያቱ እቲ ንካለኦት ዘጉህን ዘተሓሳስብን ጸይቂ ተግባራት ህግደፍ ካባና መሊኡ ዝፈሰሰ ስለ ዝኾነ። እቲ ረዚን ክብደት ናይ ወጽዓኡ ድማ ኣብ እንግደዓና እዩ ዘሎ። ብመንጽር እዚ እቶም ቀንዲ ንገበናት እቲ ጉጅለ ዘቃልዕ መርትዖታት ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ ኢልና ጸብጺብና ከነቕርብ ዝግበኣና ንሕና ኢና። ምናልባት ካባና ድፍረትን ትብዓትን ተዘይበዂሩ፡ ብወገን ህግደፍ ዘይተነግረ ተዘይኮይኑ ዘይተፈጸመ ገበን የለን። ሎሚ ገበናቱ ኣዝዩ ፍሩይን ቅሉዕን እምበር ስዉር ኣይኮነን። ፖሊስ ስዊዘርላንድ ምናልባት ንሕና ኤርትራውያን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዘኽቲሞም ዝርከቡ ስድራቤተና ሕነ ከይፈዲ ፈሪሕና ሓበሬታ ካብ ምሃብ ከይንቑጠብ እሞ እቲ ክወሃብ ዝግበኦ ፍርዲ ከይፈኩስ ስግኣት ከም ዘለዎ ተገንዚብና ኣለና። ከምዚ እንተጋጢሙ ከኣ ከምቲ “ … ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል ንዓና ዘውቅስ ክኸውን እዩ። እዚ ምስ 2% ኣገዳዲ ምኽፋል ግብሪ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበጋጊሱስ ክንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ ፍረ ከይሃበ ክኹለፍ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ። እቲ ምኽንያታት ብዙሕ ኮይኑ ናትና ተባዕ ምትሕብባር ምጉዳል ከኣ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።
እቲ ጉጅለ ሰባት ዝኣምንዎ ናይ ምባል መሰልን ነጻነትን ስለ ዘየኽብር፡ ንሓደ ኣካል ክቐጽዕ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ኣብ ልዕሊ ዘየብሎም ወገናት ስጉምቲ ኣይወስድን እዩ ኢልና ኣይንከራኸርን ኢና። ንዓቕመ-ሄዋንን ኣዳምን ዝበጽሑ ኤርትራውያን ዜጋታት ብሰንኪ ኣግላልን ነጻግን ምምሕዳሩ ክስደዱ እንከለዉ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ክስለዖ ዝጸንሐ ሓፍ ዘይብል ዕዳ ስለ እንፈልጥ። በዚ ኮነ በቲ ህዝብና ካብ በደል ናይቲ ጉጅለ ዓዲ ውዒሉ ስለ ዘይፈልጥ፡ ካብ ምፍዳይ ሕነ ፈሪሕና ነቲ ጉጅለ ዘቃልዕ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ንድሕሪት ክንብል ኣይግበኣናን። ክልተ ዓይኒ ርኢኻ ከኣ ኣይከውንን እዩ።ጉጅለ ህግደፍ እቲ ገበናቱ ንምሕባእ ክወስዶ ዝኽእል ቀጻዒ ስጉምቲ ተመሊሱ ንዓኡ ዝቐጽዕ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እቲ ጉጅለ ሓንሳብ ኣብ ገበናት ኣንጻር ህዝቢ ጥሒሉ ብኣኡ ስኺሩ ስለ ዘሎ ተቃላዕካዮ ኮነ ተሓባእካሉ፡ ከም ዝቖሰለ ኣራዊት ካብ ምንኻስ ዝምለስ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ዓለም-ለኻዊ ኩነኔ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ብምሕላፍ ንሓንሳብ እገዳ ክለዓለሉ፡ ንሓንሳብ ድማ ዶላራት ክወሃቦ’ሞ ስደተኛታት ተመሊሰምሉስ ከጣይሶም ይማጣጠር ምህላዉ ዘገርም ጥራይ ዘይኮነ ብጥንቃቐ ክንከታተሎ ዝግበኣና እዩ። ከምቲ “ንመን ኣለዋ፡ መን ኣላቶ ኣለዋ” ዝበሃል፡ ገበነኛነቱ ጠፊእዎም ዘይኮነስ ከካብ ናታቶም ሚዛናት እንዳነቐሉ፡ እዚ ጉጅለ መሳርሒ ክኾነና ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ሕሳብ ከምቲ ናቱ መዝሙር ዝዝምሩ፡ ቁንጣሮ እንዳተኾቡ ክነብረሎም ዝጽልይሉ ቃንዛ ህዝብና ዘየቐንዝዎም ውሱናት ኣካላት ክህልዎ ከም ዝኽእሉ ኣይንዘንግዕ። ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም’ኳ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተጋብአ ዓውደ-መጽናዕቲ ንምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዳርጋ “ተባዕን ደሞክራስያውን” ኢለምዎ። “ዒራ ዘይኢድካስ ናብ ተመነ-ዕንቅርቢት” ማለት ከምዚ እዩ። እዞም ወገናት ብናትና ድኽመትን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዘይምጭካናን ከም ዝዕንገሉ ከኣ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ምስዚ ሓላፊ ጉጅለ ብምውድኽዳኽ ጽባሕ ክንዲ ምጥዓስ፡ ናይቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ስቓይ ቃንዛና ጌርና ክንወስድ ጽባሕ ከኣ ክንሕበንን ይግበኣና። ናይቶም ፍትሒ ንብህግ ድኽመት ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽ እዩ። እቲ ቀንድን ናይቲ ካልእ ድኽመታትና መንቀልን ከኣ ድሌትናን ትምኒትናን ሓደ፡ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ክነሱ፡ ብሓደ ከነድምጽን ክንወፍርን ዘይምኽኣልና እዩ።
30 ጥቅምቲ 2015