ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ 14 ኤምባሲታት ብዛዕባ ነጻነት ፕረስ ኣጠንቂቐን

2025-05-05 06:07:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 275 times

ናይ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝርከብአን 14 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበረን ኤምባሲታት፡ ብዛዕባ  ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ነጻነት ፕረስ ብዝሓደረን ስኽፍታ፡ “ኣገዳሲ ተጽዕኖ ምሕዳር” ዝበልኦ ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዘውጸኣ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። እተን ኤምባሲታት ኣተሓሒዘን ነጻነት ጋዜጠኛታት  ንክሕሎ ኣብቲ መጸዋዕታ ከም ዝጠቐሳ እውን ተሓቢሩ።

እተን ብ3 ጉንበት 2025 ዝተዘርገሐ ናይ ሓባር መግለጺ ዘውጽኣ ኤምባሲታት፡ ናይ በልጅም፡ ደንማርክ፡ ኣየርለንድ፡ ስፐይን፡ ፈረንሳ፡ ሉግዘምበርግ፡ ኔዘርላንድስ፡ ኦስትርያ፡ ስሎቨንያ፡ ፊንላንድ፡ ሽወደን፡ ነርወይ፡ ነውዘላንድን እንግሊዝን ምዃነን ተፈሊጡ። እተን ኤምባሲታት ኣብቲ መግለጺአን ነጻን ውሑስን ጋዜጠኝነት ንምዕባይ ንከበርክታ፡ ዳግማይ ቅሩብነተን ከም ዘረጋገጻ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።  

እተን እምባሲታት ኣብቲ መግለጺአን፡ ነጻ ማሕበረሰብ ንምህናጽ ኣድላይነት ውሑስ ጋዜጠኝነትን ነጻ ፕረስን ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ጠቒሰን። ሕብረት ኤውሮጳ እውን ብወገኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብግቡእ ዝተሓበረ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ዲሞክራስን ሓቛፊ ሕብረተሰብን ኣድማዒ ምዃኑ ን3 ጉንበት መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ኣመልኪቱ ከም ዝገለጸ ተሓቢሩ። ነጻነት ፕረስ ኣብ ዝበኾረሉ፡ እኹል ሓበሬታ ምስናድን ምሕሳብን ክረጋገጽ ከምዘይክእል መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ምጥቃሱ ተፈሊጡ።

እተን ኢምባሲታት መግለጺ ከውጸኣ ዝተገደዳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ነጻ ፕረስ የንቆልቁል ብምህላዉ ምዃኑ  ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ትካል “ሪፖርተራት ብዘይዶብ” ብዘውጸኦ ጸብጻብ መሰረት ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበረቶ ደረጃ ኣንቆልቊላ ካብ 180 ሃገራት ናብ መበል 145 ምውራዳ ምጥቃሱ እዩ።  ኣብ ነጻ ፕረስ ኢትዮጵያ ናብዚ ደረጃ ዝወረደት ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ምትእትታው፡ ቁጠባዊ ምንቁልቋልን ድሩትነት ኣብ ርእሰ-ዓንቀጽ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።

Last modified on Monday, 05 May 2025 08:19