ንብዙሓት ዘሰንበደ፡ መጥቃዕቲ ድሮን ፖርትሱዳን

2025-05-07 07:40:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 161 times

ጀነራል ኣልቡርሃን ነቲ ደብዳብ ግብረ መልሲ መግለጺ እናሃበሉ

ኣብ ፖርትሱዳን ብ6 ጉንበት 2025 ብዝተኻየደ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ብሰንኪ ኣብቲ ቀንዲ ትካል ብዝወረደ ጉድኣት ሓይሊ መብራህቲ ከምዘቋረጸ ቢቢሲ ሓቢራ። ናይ ሱዳን ትካል ሓይሊ መብራህቲ ብወገኑ  እቲ ምቁራጽ መብራህቲ ከም ዘጋጠም ኣረጋግጹ፡ ነቲ ተግባር ኣካልቲ ኣንጻር ሲቪላዊ ኣገልግሎታት ክካየድ ዝጸንሐ ኣዕናዊ ወፈራ እዩ ከም ዝበሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። ነቲ ኩነታት ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉ’ውን ሓቢሩ።

መንግስቲ ሱዳን በቲ ተግባር ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን (RSF) ኣትሪሩ ክኸስስ እንከሎ፡ ነቲ ናይ ድሮን ደብዳብ ብወገዒ ሓላፍነት ዝወደሉ ኣካል የለን። ኣብቲ ብዘይካ ኣብ ሓይሊ መብራህቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ መደበር መዋህለሊ ነዳዲ፡ ሆቴላትን ካለኦት ቦታትትን መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ እታ ወደባዊት ከተማ ብቀጻሊ ተኹሲ ከም ዝተናወጸት’ውን ተሓቢሩ።

ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ብወገኑ፡ ድሕሪቲ  መጥቃዕቲ በቲ ዝተፈጥረ ሓያል ትክን ነበልባል ተሰንዩ ኣብ ዘሃቦ ናይ ግብረ መልሲ መግለጺ፡ ህዝቢ ሱዳን ናይ ግድን ክዕወት እዩ ኢሉ። ቀጺሉ ከኣ ነቲ ብመተሃላልኽቱ መሓመድ ደጋሎ ሕመቲ ዝምራሕ ተወርዋሪ ሓይልን ደገፍቱን ክንስዕሮም ክብል ጠቒሱ። ንመግለጺ ጀነራል ኣልቡርሃን ተኸቲሉ ከኣ ሱዳን ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤመረትስ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ከም ዝቛረጸ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ሱዳን በቲ ቅድሚዚ ናይ ፖርት ሱዳንደብዳብ፡  ኣብ ከባቢ ከሰላን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘራኽብ ዶባትን፡ ሞረወ፡ ዳንጎላ፡ ኣል ዳባህን ኣትባራ ብዝተኻየደ ኣብ መደበራት ሓይሊ መብራህቲ ዘተኮረ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ክኸሶ  እንከሎ፡ ብዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ እውን ደገፍ ክረኽበሉ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት በቲ ሓደ ወገን፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ከም ዝተዓወተ ክጥቀስ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘሎ ኣሰላልፋ፡ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ግብጽን ኤርትራን ምስ ኣልቡርሃን፡ ሕቡራት ኤመረት፡ ኢትዮጵያን ቻድን ድማ ምስ ሕመቲ ምህላዎም እናነነጸረ ዝተራእየሉ  እዩ።

ኣብ ሱዳን ካብ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ብዘሎ ውግእ፡ ኣስታት 20 ሺሕ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ 15 ሚልዮን ዝኾኑ ከኣ ከም ዝተመዛበሉ ብዝተፈላለያ መዲያታት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

Last modified on Wednesday, 07 May 2025 09:57