ክልተ ብልሒ ማሕበራዊ መራኸቢታት

2025-06-09 19:20:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 434 times

ናይዚ ዘለናዮ እዋን ዘመናውነት ካብ ዝግለጸሉ ሓደ፡ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸብታት (social medias) እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዕቤት ብዝፈጠሮ ቅልጡፍ ዝርገሐ ሓበሬታ፡ ዓለምና “ናብ ንእሽቶ ቁሸት ተቐይራ” እናተባህለት ትግለጽ ኣላ። ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብግቡእ ንከድምዕ  ነቲ ተሃዋስነቱ ዝምጥን ጥንቁቑን ሓላፍነታውን ኣተሓሕዛን ምምሕዳርን ወሳኒ እዩ።

ኣብዚ ዕቤት ማሕበራዊ መራኸቢ ዓብይ ግደ ካብ ዘለዎም ኣገልግሎታት፡ ኢ-መይል፡ መርበብ ሓበሬታ፡ ዋትስኣፕ፡ ዩቱብ፡ ዙም፡ ቲክቶክ፡ ቴለግራምን ፌስቡክን ንኣብነት ካብ ዝጥቀሱ እዮም። እዚኣቶም ምስቶም ነዊሕ ዝዕድሚኦም መራኸብታት ደብዳበ፡ ተለፎን፡ ጋዚጣን ሬድዮን ክወዳደሩ እንከለዉ፡ ኣብ ቅልጣፈን ተኣማንነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ዝርጋሐ ስፍሓት  እውን ብልጫ ኣለዎም። ዝህብዎ ኣገልግሎት ዝተፈላለየ መልከዓት ዘለዎም ኮይኑ፡ ኣጣቓሊልካ ክረአ እንከሎ፡ ሓባሪ፡ መሃሪ፡ ኣገልግሎት መውሃብን መዘናግዕን ኢልካ ምቕራቦም ይከኣል። ነፍሲ ወከፍ  መልክዕ ኣገልግሎት ማሕበራዊ መዲያ፡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ሰፋሕቲ ዝርዝራት ኣተገባብራ ኣለዉዎም። ብፍላይ በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ጽፍሕን ትካላት ትምህርቲ፡ ምስ ኮምፒተርን ተንቀሳቓሲ ተለፎንን ብምንባብ ኣገደስቲ መወከሲ ሰነዳት ንምርካብ ዘኽእሉ ምዃኖም ርኡይ እዩ።

ሎሚ ብኣንጻር’ቲ ቅድም ብመልክዕ ጽሑፍ ዝካየድ ዝነበረ ዘይቅልጡፍ ኣገባብ ምልውዋጥ መልእኽቲ፡ ሳላ እዞም ዘመናዊ ምህዞታት ማሕበራዊ መራኸብታት፡ ብምስልን ድምጽን ብዝተፈላለዩ መልክዓት ብቕጽበት  ምትሕልላፍ  ኣብ ዝከኣለሉ ደረጃ  ተበጺሑ ኣሎ። ካብኡ ሓሊፉ ተረሓሒቕካ ክነስኻ፡ እናተረኣኣኻን እናተሰማማዕካን ክሳብ ሰፋሕቲ ጉባአታት፡ ኮንፈረንሳት፡ ኣስተምህሮታትን ቃለመጠይቓትን ኣብ ዝካየድሉ ደረጃ ተበጺሑ  ስለ ዘሎ፡ በዚ ዕቤት ዘይጽለው፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መነባብሮ ወዲ ሰብ የለን።

ብዘመናዊ መራኸቢ ብግቡእ ንምጥቃም፡ ዝሓቶ ወጻኢ ርትዓዊ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ንክጥቀምሉ ዘተባብዕ እዩ። ብመንጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ ዓለም 5.56 ቢልዮን ማለት 67,9%  ተጠቀምቲ  ኢንተርኔት ክኾኑ እነከለዉ፡ ካብኣቶም እቶም 5.24 ቢልዮን ማለት 63.9% ተጠቀምቲ  ማሕበራዊ መዲያ እዮም። እቲ ዝገርም ከኣ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥቀም 0.4% ጥራይ እዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ 2024፡ 1.58 ሚልዮን ኤርትራውያን ወነንቲ ተንቀሳቓሲ ተሌፎን ምንባሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ዝተኻየደ’ሞ ኣብ ጉግል ዝሰፈረ መጽናዕቲ  ይምስክር።

ኣብዚ እዋንዚ ሰባት ብደረጃ ዓለም ንማሕበራዊ መራኸቢ ከከም ዝንባለኦም፡ ንሓበሬታ፡ ንንግዳዊ ምንቅስቓስ፡ ንትምህርቲ፡ ንምርምርን ንመዘናግዒ፡ ደሃይ ንምፍልላጥ፡ ብዓብይኡ ድማ ንፖለቲካዊ ተልእኮ ዝጥቀሙ ዘለዉ ሳላ ዘመናዊ ዕቤት ዝተረኽበ ስልጡን ህያብ እዩ። በዚ መሰረት መንግስታት ኣብ ምሕላቕ ንዲሞክራስን ምኽባር መሰረታዊ መሰላት ወዲ ሰብን  ዘለዎም ቅሩብነት ንምምዛን ከም ናይ ፖለቲካዊ ባህሪ መዕቀኒ ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ እዩ። እዚ ዘመናዊ መራኽቢ ናብ ኩሉ ዜጋ ከም ዝባጻሕን ብዘይመንግስታዊ ኣካላት’ውን  ክውነንን ዝፈቕዱን ንዕቤቶም ዝጽዕሩን ምምሕዳራት ዝነኣዱ እዮም።   እቶም ህዝቢ ናይዚ ዘመናዊ ዕቤት ተጠቃምን ወናንን ከይከውን ዝዕንቅፉን ዝእግዱን ድማ ኣብ ምምሕዳሮም ናይ ዝሰግኡን ጸረ ህዝብነቶምን መርኣያ ኮይኑ ኣብ ዝቐርበሉ ዘበን ኢና ንርከብ ዘለና።

ህግደፍ ብመንጽር ኣጠቓቕማ ኮነ ዋንነት ማሕበራዊ መራኸብታት ክምዘን እንከሎ፡ ካብቶም ጸረ ህዝቢ ባህሪኦም ንምሕባእ፡ ህዝብን ማሕበራዊ መራኸብን ከምዘይራኸቡ ብምግባር፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም  ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝኾነ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ምጥቃም ዕድል ዘየብሎም።

እዚ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዕቤትን ዘመናውነትን ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ስልጡን መሳርሒ  ርክብ፡ ዝያዳ ኩሉ ሓላፍነታዊ ምምሕዳርን ተሓታትነትን ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ ክንድቲ ብሓላፍነትን ልቦናን ክተሓዝ እንከሎ ዘለዎ ሃናጺ ብልሒ፡ ኣብ ኢድ ዘይሓላፍነታውያንን ዘይርትዓውያንን ክወድቕ እንከሎ፡ ናብ ኣፍራስን መጻልእን ብልሒ ስለ ዝቕየር። ሎሚ ከምቲ በቲ ሃናጺ ብልሑ እንሕበኖ፡ በቲ ኣዕናዊ ብልሑ ዘሰክፍ ሓደገኛ ተርእዮ ከየስዕብን ዝሰግኡ ክስተታት ብዙሓት እዮም። ስለዚ ነዚ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓድሩን ብእኡ ዝግልገሉን ወገናት ነቲ ዝብልዎን ዝሰምዕዎን ኣዕሚቖም ኣመሳኺሮም ጥራይ ክርድእዎ ይገበኦም።

ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝንጸባረቐሉ ሜዳ ዝዋስኡ ወነንቲ ዘመናዊ መራኸቢ፡ ኣዝዮም ጥንቁቓትን ናይቲ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታ ዝቕበል ወገን ኩለ-መዳያዊ ስምዒት ኣብ ግምት ኣእትዮምን ክዝርግሑ ግድን እዩ። “ንሃንጽ ኣለና” ኢሎም፡ ነቲ ኣፍራሲ ብልሒ ናይቲ መራኸቢ ከይመዙ ክጥንቀቑ ይግበኦም። ሰማዕትን ተዓዘብትን ናይቲ ዝዝርጋሕ መልእኽቲ’ውን፡ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ኢሎም ብቲ ተሃዋሲ በዓል ክልተ ብልሒ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ ቅድሚ ከምዘለዎ  ምውሳዶም ተጠንቂቖም ክመምዩን ከጻርዩን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጐኒ ሓቂ ዝስለፉ ፍትሓውያንን ዘይሻራውያንን ክኾኑ ከኣ ኣድላይ እዩ። ነዚ በዓል ክልተ ብልሒ መሳርሒ ተጠቒሞም፡ ግጉይ መንገዲ  እንተ ሒዞም ግና፡  ብዘይካቲ ዘይጥሉል ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ተሓተቲ ዝኾንዎ፡ ኣብ ሕልናኦም ዘሕድሮ ተጣዒስካ ዘይወጽእ ሃስያ ከም ዘለዎ’ውን ክግንዘቡ ይግበኦም።

ኣብዚ መድያ 4ይ ኣካል መንግስቲ እዩ ዝበሃለሉ ዘሎ ዘመን፡ ማሕበራዊ መራኽብታት ኣዝዮም ጸለውቲ ኮይኖም ከም ዘለዉ ካብ ናይ ገዛእ ርእስና ተጠቃምነትን ተመኩሮን እንርደኦ እዩ። ወነንቲ መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስታትን ፖለቲካዊ ውዳበታትን ተላኢኾም ናብ ጐስጓስ  ክዋፈሩ ልሙድ ምዃኑ ንዕዘቦ ዘለና ተመኩሮ እዩ። በዚ መሰረት ከምቲ “ዝሃበ ይልእኽ” ዝበሃል፡ ስምዒት ናይቶም  መስነቕቶምን ለኣኽቶምን ንምምላእ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ዝበልናኩም ግበሩ” ክብሉ ዝደናደኑ ዘወርቲ ማሕበራዊ መዲያታት ከም ዘለዉ’ውን ጸሓይ ዝወቐዖ ኣቂ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢና ከኣ፡ ወነንቲ፡ ኣመሓደርትን ተኸተልትን መዲያታት፡ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም፡ ብናይ ስምዒት ውሕጅ ተወሲዶም ኣፍረስቲ ካብ ምዃን ክዕቀቡ  እነዘኻኽሮም ዘለና።

Last modified on Monday, 09 June 2025 21:26