ፕረሲደንት ዑመር ገለ ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝጸንሔ ዝምድና ርኢቶ ሂቡ
2025-06-12 21:15:49 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 504 timesፕረሲደንት ጅቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ፡ ብ11 ሰነ 2025 “ጁየነ ኣፍሪቃ (Juene Afrique) ምስ ዝተባህለት መጺሐት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ “ነቲ ኣብ 2024 ምስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝያዳ ኣጠቓቕማ ወደብ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድድዳእ ፈቲሕኩምዎዶ?” ንዝብል ሕቶ መልሲ ሂቡ። ኣብ መልሱ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብዚ ከባቢ ዝደለኻዮ ብሓይሊ ምርግጋጽ ከምዘይከኣል ዝተረደአ ይመስለኒ። ኢትዮጵያ ወደባት ዓሰብ፡ ጅቡቲ፡ በርበራ ወይ ሶማሊያ ክትጥቀም ትኽእል እያ።” ድሕሪ ምባሉ ድማ “እዚ ግና ንጐረባብትኻ ግቡእ ትርጉም ብዘይምሃብ ዝረጋገጽ ኣይኮነን” ኢሉ። ኣብዚ መዳይዚ ሽምግልና ሃገረ ቱርኪ ሓጋዚ እዩ ምስ በለ ከኣ፡ “ንሕና እንተኮይና ንኢትዮጵያውያን ጅቡቲ ክረሚያ ከምዘይኮነት ነጊርናዮም ኢና” ክብል ኣስዒቡ።
ነቲ “ኣብ ወደብ ታጁራ ናይ ሓባር ምምሕዳር (Joint Management) ክህልወኩም ዘቕረብኩምዎ ሓሳብከ ብወገን ኢትዮጵያ እንታይ መልሲ ተዋሂብኩም?” ንዝብል ሕቶ እውን መልሲ ሂቡ። ኣብቲ መልሱ፡ “ኢትዮጵያ ንሕና ዘይንቕበሎ እማመ ዝሓዘ ልኡኽ ሰዲዳ ነይራ። ምኽንያቱ ካብ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሓሊፎም ወተሃደራዊ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ዝምስርትሉ መተሓላለፊ ክንህቦም ስለ ዝሓተቱና። ስለዚ እማመኦም ስለ ዘይንቕበሎ እዚ ዛዕባዚ ድሕሪ ሕጂ ተዓጽዩ እዩ” ኢሉ።
“ብዛዕባቲ ንዓኻትኩም ሃሳይ ዝኾነ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ሱዳን ክሳብ ሶማሊያ ዝዝርጋሕ መደባት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከመይ ትርእይዎ?” ንዝብል ድማ “ንመደባት ዲፒ ዎልድ (DP world) ተቓዊምናዮ ኢና። ድሕሪ ሕጂ እውን ናብኡ ኣይክንንብርከኽን ኢና። ብዓብይኡ ፖሊሲ ኢማራት ኣብዚ ዞባ ኣፍራሲ እዩ። ኣብዚ ርኢቶዚ ከኣ በይንና ኣይኮናን” ኢሉ።
እምበኣር እዚ ዘመልክቶ፡ ኣብዚ ኣብ ዞባና ዝገለባበጥ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ጅቡቲ ምስ መን ከምዘላ ዘመላኽት ኮይኑ፡ ምስቲ ብጉዳይ ኣገልግሎት ወደብ ኣብ ጅቡቲ ዝተንጠጠለት ምዃ ንኢትዮጵያ ዘቕስና ኣይመስልን።