ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ቀጻሊ’ዩ
2025-06-18 15:43:54 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 151 timesዶክተር መሓመድ ዓብዳልሰላም ባብከርን ናይቲ ባይቶ ፕረሲደንትን (ቢቢሲ)ለመብት,UN TV
ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወዲቕ ኣብ ዘላ ኤርትራ ዘሎ ክቱር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ሎሚ’ውን ቀጻሊ ኣሎ ተባሂሉ። እዚ ዝተገለጸ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመዙ ሱዳናዊ ፍሉይ ራፖርተር ዶክተር መሓመድ ዓብዳልሰላም ባብከር ብዘቕረቦ እዋናዊ ጸብጻብ ምዃኑ ቢቢሲ ሓቢራ።
ናይ ዶክተር ጸብጻብ፡ ናይታ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ዝህዝባ ኤርትራ ጸብጻብ ሰብኣዊ መስል ሎሚ’ውን ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝርከብ ዘቃለዐ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ትባሃል ከም ዘላ ጠቒሱ። ከም ናይዚ ኣብነት ከኣ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ብዝቐርቡ ቀጸልቲ ጸብጻባት፡ ብመንጽር ነጻ ፕረስ ኣብ መጠረስታ ትስራዕ ከምዘላ ሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፍጸሞም መዳያት፡ ብሕጊ መፈጸምታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋርን፡ ብኩራት ነጻነት እምነት፡ ምንፋግ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ግህሰት መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉዳይ ሰደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ከምኡ ከኣ ተግባራት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኖም ኣብ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቦም ይርከቡ።