ግብጺ ንትራምፕ ዝለዓለ መዳልያ ክትህብ ወሲና
2025-10-13 20:10:37 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 66 timesግብጺ “ብፈለግ ናይል ዝተሰየመ” ናይታ ሃገር ዝለዓለ መዳልያ ንፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ክትህብ ከም ዝወሰነት፡ መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ ንመዲያታት ግብጺ ብምጥቃስ ሓቢራ። ትራምፕ ነዚ ዝለዓለ መዳልያ ዝወሃብ ዘሎ ኣብ ፍልስጤም- ጋዛ ውግእ ጠጠው ኢሉ ሰላም ንክሰፍን ንዝገበሮ ኣበርክቶ ምዃኑ እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እዚ መዳልያ ንትራምፕ ንክወሃብ ዝተወሰነ፡ ፕረሲደንት ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ፡ ብመሰረት ዓብይ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ ናይ ማይ ድሕንነታ ንምሕላው “ግብጺ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክትወድ እያ” ዝብል ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተሰነየ መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፈ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ፕረሲዳንት ትራንፕ ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025፡ ዝለዓሉ ረፐብሊካን ሰኔተራት ኣብ ዝተዓደምሉ ናይ ድራር እንግዶት፡ ናይ ኢትዮጵያ ዓብይ ሓጽቢ መብዛሕትኡ ብገንዘብ ኣሚሪካ ዝተሃንጸ እዩ ኢሉ ነይሩ። እቲ ሓጽቢ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ብዝገበሮ ገንዘባዊ ኣስተዋጸኦ ዝተሃንጸ ከነሱ፡ ትራምፕ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ምሃቡ ከኣ ንብዙሓት ዘገረመ ኮይኑ ዝጸንሐን ኢትዮጵያ ተቓውሞ ዘስምዓትሉን እዩ።
ኣብ ለንደን ዝመደበራ ጋዜጣ፡ “ሓዳስ ዓረብ” ብወገና፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣሜሪካዊ በዓል መዚ ብምጥቃስ፡ ትራምፕ ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ዝሃበ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ምውጣጥ ንምሽምጋል ኢዱ ከእቱ ስለ ዝደለየ እዩ ዝብል ጸብጻብ ኣቕሪባ። ትራምፕ ኢዱ እንተኣ ኣእትዩ ናብ ግብጺ ከዳሉ እዩ ብዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ እዩ።
ግብጺ ንትራፕ ኣፍልጦ ሂባ ዝለዓለ ሽልማት ተበርክት ዘላ፡ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራትን ቀዳማይ ሚኒስተራትን ዝሳተፍሉን ኣልሲሲን ትራምፕን ብሓባር ዝመርሕዎ ናይ ሰላም መድረኽ ኣብ ዘዳለወትሉ ድሮ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፈታዊ ኣልሲሲ እናተባህለ’ኳ ዝጥቀስ እንተኾነ፡ ኣብ ዝርዝር ተሳተፍቲ ናይዚ ናይ ሰላም መድረኽ ግና ስሙ ኣይተጠቕሰን። ግብጺ ነቲ ንትራምፕ እትህቦ ዘላ ፍሉይ ሽልማት ብዝለዓለ ደረጃ ንእትርእዮም ባእታታት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያዊ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ንጉስ ሑሴን ጆርዳናዊ፡ ንንግስ ኤልሳበጥ 2ይትን ፕረሲደንት ጂሚ ካርተርን ዝሃበቶ እዩ።
ኢትዮጵያን ግብጽን ብፍላይ ድሕሪ ምምራቕ ናይቲ ሓጽቢ፡ ከም ሓድሽ ኣብ ምስሕሓብ ኣትየን ይዋጠጣ ከም ዘለዋ ኣብ መበል 80 ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወከልተን ተንጸባሪቑ እዩ።