ልሉያት ጋዜጠኛታት፡ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ረኺቦም
2025-10-11 10:56:09 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 103 timesካብ ኢትዮጵያ ተስፈኣለም ወልደየስ፡ ካብ ጆርጅያ ምዚኣ ኣማግሎበሊ፡ ካብ ኣሜሪካ ማርቲን ባሮን፡ ካብ ፍልስጥኤም ማሪያም ኣቡ ዳጋ፡ ካብ ፔሩ ካስትቮ፡ ካብ ሆን ኮንግ ጂሚ ሊያ፡ ካብ ዩክረይን ቪክቶሪያ ሮሽቺና ዝተባህሉ ሸውዓተ ልሉያት ጋዜጠኛታት፡ ናይ 2025 “ዓለም ለኻዊ ጀጋኑ ናጽነት ፕረስ”፡ ዝብል ኣፍልጦ ረኺቦም ከም ዝተሸለሙ ዓለምለኸ ትካል ፕረስ (IPI) ሓቢሩ። እቶም ጋዜጠኛታት ናብቲ ናይ ክብሪ ኣፍልጦ ዝበቕዑ፡ ምእንቲ ናጻ ፕረስ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንዘርኣይዎ ብቕዓትን ትብዓትን ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ካብዞም ጋዜጠኛታት መብዛሕትኦም ካብ ሞያኦም ንምቁራጽን ድምጾም ንምዕፋንን ማእሰርትን ዝተፈላለዩ ተጽዕኖታትን ክበጽሖም ዝጸንሐ ኮይኖም፡ እንተኾነ ምእንቲ ጋዜጣዊ ሙያኦም ንኹሉ ተጻዊሮም ዝቐጸሉ እዮም። ካብቶም እቲ ክብሪ ዝረኸቡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ካብ ማእከል ፍልስጥኤም ጋዛ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ዜናዊ ሓበሬታ ክዝርገሓ እናተቓለሳ ብደብዳብ እስራኤል ዝተቐትላ ምዃነን ተፈሊጡ። ናይዞም ጋዜጠኛታት ናብዚ ፍልጦ ምብጻሕ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ምእንቲ ናጽነት ፕረስ ንክቃለስ ንምትብብዑን ንምብርባርን ምዃኑ እውን ተገሊጹ። ካብዞም ኣፍልጦ ዝረኸቡ 2 ድማ ሕጂ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ይርከብዎም።
እዚ ነዞም 7 ጋዜጠኛታት ዝተዋህበ “ዓለም ለኻዊ ሽልማት ነጻ ፕረስ” ዓመታዊ ኮይኑ ብምቕጻል ኣብ መበል 75 ዓመት ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ዓለም ለኻዊ ትካል ፕረስ፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ደገፍ ንመዲያ ብሓባር ከካይድዎ ከም ዝጸንሑ ናይቲ ትካል ፈጻሚ ዲረክተር ስኮት ግሪፈን ምሕባሩ እቲ ዜና ጠቒሱ።
እቲ ነዚ ኣፍልጦ ዝበቐዐ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ወልደየስ፡ ወናንን ኣመሓዳርን መርበብ ሓበሬታ፡ “ኢትዮጵያ ኢንሳይደር (Ethiopia Insider)” ኮይኑ፡ ናጻ ጋዜጠኝነት ከሕይልን ኣገዳሲ ሓበሬት ክዝርግሕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ተደጋጋሚ ማእሰርቲ ክፍጸም ከም ዝጸንሐን ብኣኡ ከይተዓንቀፈ ብሞያኡ ዝቕጽል ዘሎን’ውን እዩ። ተስፈኣለም ድሕሪቲ ኣፍልጦ ምርካቡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ኣፍልጦ ንዓኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ወጻኢን ኮይኖም ሙያዊ ግቡኦም ይፍጽሙ ንዘለዉ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት እውን ዝተባብዕ ምዃኑ ኣስሚርሉ።