ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ ሓደጋ ካብ ዘለዋ ቀዳሞት 10 ሃገራት ተመዲባ

2025-12-19 09:53:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 77 times

ኣብ መዕቆቢ ምስ ዝወለደታ፡ ሎሚ’ውን ኣብኡ ትነብር ትግራወይቲ ኣደ፡ (ካብቲ ኮሚተ ዝተወስደ ስእሊ)

ዓለም ለኻዊ ኮሚቲ ሓደጋ (international rescue committee)፡ ዝተባህለ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ኩለመዳያዊ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣለዋ ካብ ዝበለን 10 ቀዳሞት ሃገራት ንኢትዮጵያ ኣብ 4ይ ደረጃ ሰሪዕዋ። ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዘቤታውን ዞባውን ምዕብልናታት ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ’ታ ሃገር ውግእ ከም ዘልዓለ ዝጠቐሰ እቲ ትካል፡ እቲ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኣካላት ዝሳተፍዎ ዘለው ውግኣት ሰፊሕ ናይ ሰባት ምምዝባል የስዕብ ከም ዘሎ ጠቒሱ።

 ውሕጅ፡ ደርቅን ዝኣመሰሉን ምቅይያር ኩነታት ኣየር ዘኸተሎም ሓደጋታት እውን ኣብቲ ምምዝባል ግደ ከም ዘለዎም ኣስፊሩ። ብሓፈሻ ብገበርቲ ሰናይ ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ምንካይ፡ ብፍላይ ድማ ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ካብቲ ንኢትዮጵያ ክህቦ ዝጸንሐ በጀት 387 ሚልዮን ዶርላ ምንካዩ ንመነባብሮ ናይቶም ረዲአት ዝጽበዩ ኢትዮጵያውያን ኣጋዲድዎ  ኢሉ።

ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ሓደጋ ምምዝባል ከየጋጥም ስግኣት ኣሎ ዝበለ እቲ ኮሚተ፡ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ሓይልታት ትግራን ኣምሓራን ዝፈጥሮ ዘሎ ውጥሪ ነቲ ካብ 2020 ዝጀመረ ቅልውላው ከጋድዶ ከም ዝጸንሐ’ውን ኣስፊሩ። ኣብ ትግራይ ዝተወሰነ ናይ ዳግመ-ህንጻ ምልክታት’ኳ እንተሎ ኣብታ ክልል ኣስታት 800 ሺሕ ተመዛበልቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ  ኣለዉ ኢሉ።  

ኣብ ክልል ኦሮሞ ከኣ ብሰንክቲ ኣብኡ ዝካየድ ዘሎ ውግእ 288 ሺሕ ተመዛበልቲ ምህላዎም ሓቢሩ። ብሰንኪዚ ውግኣት ስድራቤታት ተበታቲነን ብዙሓት ሰባት ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጽናት ሒዞም ከካብ ከባቢኦም ክሃድሙ ይግደዱ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ። ዘይምርግጋእ ክልል ኦሮሞ ንጠቕላላ ቁጣባ ናይታ ሃገር ብኣሉታ ዝጸልው ምዃኑ ከኣ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣብ መጻኢ ዓመተ 2026 ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ደቡብ ከኣ ደርቂ ክፍጠር እዩ ዝብል ዘለዎ ናይ ስግኣት ግምቱ ኣመልኪቱ። እዞም ሓደጋታት ዋሕዲ እቶት እኽልን ከም ኮሌራ ዝኣመሰሉ ሕማማትን ከኸትሉ ይኽእሉ እዮም ክብል ድማ ገሚቱ።

እቲ ኮሚተ ምንቅስቓሱ ኣብ ኢትዮጵያ ብ2000 ከም ዝጀመረ ሓቢሩ፡ ካብኡ ንነጀው፡ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ብደሆታት ከጋጥሙ ከም ዝጸንዝሑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ጥዕናን ካልእ ማሕበራዊ ዕማማትን ክሳተፍ ከም ዝጸንሐ ከኣ ሓቢሩ። ቅድሚ ኢትዮጵያ ዝተሰርዓ ሰለስተ ኣብ ዝገደደ ቅልውላው ይርከባ ዝበለን ሃገራት፡ ደቡብ ሱዳን፡ ፍልስጥኤምን ሱዳንን እየን።

Last modified on Friday, 19 December 2025 11:09