ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ፖሓኤ ኣኼባ ኣካይዱ

2025-12-19 14:13:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ Published in EPDP News Read 378 times

ብዕለት 17 ታሕሳስ 2025 ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ፖሓኤ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ምምሕዳር ድሕርቲ ብዕለት 23 ሕዳር 2025 ዝተሰላሰለ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ዝጸደቐ ዓመታዊ ትልሚ መደብ ስራሕ ንመጀመርታ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ።

ኣኼባ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ዝተመርሔ ኮይኑ፡ ሓው ተስፋይ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ብዘስምዖ ሰናይ ትምኒትን ትስፉው መጻኢ ናይ ስራሕ ግዜ ክኸውን ብዘለዎ ባህጊ ኢዩ ተጀሚሩ። ምምሕዳር ሽማግለ ኣብ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ዝተሰረተ ክዕመሙ ዘለዎም ስራሓት፡ ህልዊ ኲነታት ዞባታት ፖሓኤ፡ ምስንዳእ መጻኢ ጉባኤ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ግዜ ዝወሰደ ኣኼባ እዩ ኣካይዱ።

ንዝተጠቕሱ  መደባት ንምስልሳል፡ ብመጀመርታ ዝጸንሔ ምምሕዳርን ነፍሲ ወከፍ ዘለዎ ናይ ስራሕ ምቅሊትን ክቕጽል፡ ብደረጃ ዞባታት ዘሎ ስርርዕ ኣባላት ፖሓኤ ክሕይልን ክሰፍን ዓብዪ ተደላይነት ስለዘለዎ፡ ነዚ ንምትግባር ከሉ ዘድሊ ናይ ኣሰራርሓ ምውህሃድን፡ ክህሉ ሕጽረታት ኣጽኒዕካ ንምውጋድ ክንሰርሕ ከምዝግባእ ርእዩ። ብዘይካዚ ኣባላት ፖሓኤ ዝላል ዘካይዶም ዘሎ ዕማማትን ምስ ካልኦት ኣካላት ብሓባር ንምስራሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕርታትን ብማዕረ ንምግንዛብ፣ ብደረጃ ዞባታትን ሓፈሻዊ ኣኼባታትን ምክያድ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ርእዩ፡ ንምትግባሩ ዘኽእል መደባት ድማ ሰሪዑ።

ሓደ ካብ መለለይታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብቕዋም ደረጃ ኣብ ክልተ ዓመት ጉባኤ ምክያድ ዝብል ኮይኑ፡ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ኣተገባብርኡ ንፈጻሚ ኣካል ዘድሊ ምስንዳኣት ክገብር ሓላፍነት ሂቡ ኣብ ምብጋስ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣኼባ ምምሕዳር ስርዒታዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣባላት ጽላል ኣብ ምስንዳኡ ዝላዓለ እጃም ስለዘለዎም ዘድሊ ጻዕርታት ክገብሩ፡ ጉባኤ ኣብ ኣባላት ጥራሕ ከይተደረተ  ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብሓሳብ ኮነ ብንዋት ምትሕብባሮም ንኸበርክቱ፡ ምምሕዳር ዘድሊ ጻዕርታትን ጎስጓስን ንምክያድ ተሊሙ።

ኣኼባ ምምሕዳር፡ ክሳብ መጠረስታ ወርሒ ጥሪ 2026 ክፍጸሙ ብዛዕባ ዘለዎም ዕማማት ናይ ግዜ ሰሌዳ ሰሪዑ ደምዲሙ። ዝስዕብ ናይ ኣኼባ ቆጸራታት ኣጽዲቁ ኣኼባኡ ደምዲሙ።

ንሓርነት ብሓድነት!!!

Last modified on Friday, 19 December 2025 15:18