ጋዜጣዊ መግለጺ ሰዲህኤ
2015-10-21 20:07:51 Written by ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 2729 timesሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥ ነፍስሄር ሃብቶም ዘርኦም ብወተሃደራት እስራኤል ብዝተተኰሰሉ ጥይት ምሟቱ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናግለጸ፥ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ ንቤተሰቡ ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።
ሰዲህኤ፥ ነዚ ብወተሃደራት እስራኤልን ብዓሌታውያን እስራኤላውያን ኣብ ልዕሊኡ እተፈጸመ ገበናት እናዀነነ፥ መንግስቲ እስራኤል ንገበርቲ እከይ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርቦምን ግቡእ ፍርዶም ክህቦምን፤ ንቤተሰቡ ድማ ይቕሬታ ክሓትዎምን ዝግባእ ካሕሳ ክኸፍልዎምን ይጽውዕ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ