ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ዝመርሖ ልኡኽ ሰዲህኤ ምስ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ሽወደን ተራኺቡ

2015-10-21 20:10:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2965 times

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፥ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያት ዝርከቦ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ21 ጥቅምቲ 2015 ምስ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ሽወደን ኣብ ስቶክህልም ርክብ ኣካይዱ። ነቲ ርክብ ኣብ ምውዳብ ዓቢ ግደ ዝተጻወተ መሓዛ ሰዲህኤ ዝዀነ ሓው ካርል ሊንድበርግ ኣብ'ቲ ርክብ ተኻፊሉ ነይሩ።

ልኡኽ ሰዲህኤ፥ ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ፥ ቍጠባውን ማሕበራውን ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ኣቕሪቡ። ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ኵሉ መዳያዊ ቅልውላው ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እተኸተሎ ግጉይ ፖሊሲታት ምዃኑ ድማ ኣብሪሁ።

ኤርትራ፥ ካብ'ዚ ቅልውላው እዚ ክትገላገል እንተደኣኰይና ናይ ኣርኣእያን ኣትሓሳስባን ለውጢ ከተቐድም ከምዝግባኣ ድማ ኣሚቱ። ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ንብሕታዊ ጽላት ዘተባብዕ ፖሊሲ ከይተበጋገሰ፥ ሰብኣዊ መሰላት ከይተኸብሩ፥ ግዝኣተ-ሕጊ ከይሰፈነ፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ርእይቶታት ብናጽነት ዝናፈስሉ ሃዋህው ከይተፈጥረ ዘላቒ ምዕባለን ሰላምን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ልኡኽ ሰልፍና ኣስሚርሉ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት ናይ'ቲ ኣብ ኤርትራ፥ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣፍሪቃን ሰፊኑ ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ሃለዋት ስለዝዀኑ፡ ኣህጕራዊ መንግስታትን ኣህጕራውያን ሰብኣውያን ማሕበራትን፥ ነዚ ሃለዋት'ዚ ኣብ ምቕያር ኵሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ተማሕጺኑ። ኣብ ምብራቕ ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕክምናውን ትምህርታውን ኣገልግ፡ኦት ክግበረሎም፡ ሰሪሖም ዝነብርሉ ኵነታት ክጣጣሓሎምን ድሕነቶም ዝሕለወሉ ኵነታት ክፍጠረሎምን ጸዊዑ። ንኣጻምእ ምድረበዳታት፥ ውቅያኖሳትን ኣረመናዊ ተግባራት ነጋዶ ደቂ ሰባትን ሰጊሮም ናብ እስራኤልን ሃገራት ኣውሮጳን ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ድማ ዑቝባ ክውሃቦምን ዘድሊ ሕክምናውን ስነኣእሙራውን ክንክን ክግበረሎምን ልኡኽ ሰልፍና ኣተሓሳሲቡ።

ልኡኽ ሰዲህኤ ብምቕጻል፥ ሰልፍና ዝቖመሎም ዕልማታትን ዘካየዶም ንጥፈታትን ብዝርዝር ገሊጹ። ሰዲህኤ ኣባል ገስጋሲ ምሕዝነትን ተዓዛቢ ኣባልነት ሶሽያሊስት ኢንተርናሽናል ኰይኑ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ ከምጽእ ዝቃለስ ሰልፊ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ወከልቲ ወጻኢ ጕዳያት ሽወደን ብወገኖም ንዝተዋህቦም መብርሂታት ኣመስጊኖም ንህዝቢ ኤርትራ ንምድጋፍ ኵሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም፡ ፍትሕን ብ፡ልጽግናን ክነብር ዘለዎም ድሌት ድማ ገሊጾም።

Last modified on Wednesday, 21 October 2015 22:20