3ይ ሰሩዕ ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት

2015-10-28 07:31:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2542 times

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ብ25 ጥቅምቲ 2015 ስልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብተለኮንፈረንስ ኣቃኒዑ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ብቀዳምነት ድሕሪ ዕዉት 2ይ ጉባኤ ሰልፍን፣ ዳግመ ውደባ ናይዚ ቤት ጽሕፈትዝን ክሳብ ሕጂ ዝተሰላሰለ ዕማማትን ዝተበጽሐ ደረጃን ድሕሪ ምግምጋብ፣ ኣገዳስነት ዘለዎ ሓበረታታት እውን ተለዋዊጦም። ብምቅጻል ተሳተፍቲ፣ ብመሰረት ቀሪቡ ዝነበረ ኣጀንዳ ኣኼባ፣ ኣብ ምሕያል ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣተኲሮም ነዊሕን ዓሚቁን ዘተ ኣካዪዶም። ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ ጠለብ መንእሰያት እውን ብርግጽ እንታይ ከም ዝኾነ ተመያዪጦም።

እቲ ኣኼባ፣ ንምምዕባል መንእሰያዊ ሰብኣዊ ዓቅሚ ኣመልኪቱ፣ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ብሓፈሻ ንመንእሰይ ሃገራዊ ሓላፍነት ለቢሱ ተሳታፋይን ወራስን ናይ ቃልሲ ክኸውን ካብ ምምናይን ምጽዋዕን ሓሊፉ፣ ነቲ መንእሰይ ብግቡእ ናይ ምምልማልን ብግብሪ ኣብ ስራሕ ናይ ምምካርን ጻዕርታት ብዙሕ ይረአ ከምዘይጸንሐ ኣብሪሁ። ኣብዝን ኣብትን ብዘይብሉ ኣገባብ ዳርጋ ኣብ ኩለን ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት፣ እቲ ወሳኒ ዝኾነ ናይ መሪሕነት ጽፍሕታትን ስረሓትን ብዓበይትን ገዳይምን ይካየድ ምጽንሑ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብቲሕቲ ናይዞም ዓባይትን ሰብ ተመኩሮን ተጎዝጒዞም፣ ግብራዊ ናይ ስራሕን ምምሕዳርን ተመኩሮ ዝቀስሙን፣ ጽባሕ ድማ መሪሕነታዊ ጽፍሕታት ብምሓዝ ነቲ ቃልሲ ብዘይ ዝኾነ ስኽፍታ ዝመርሕዎን ዘዕውትዎን መንእሰያት ናይ ምምልማልን ምምዛዝን ሜላታት ክስረሓሉ ዘይምጽንሑ፣ ብሓደ ወገን ንቐጻልነት ናይ ቃልሲ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅዎ ከምዝርከብ ብኻልእ ወገን ድማ ደምበ ተቃውሞ ካብቶም ካብ መሪሕነታት ዝምንጭዉ ናይ ነዊሕ ግዜ ሱር ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ቁርቁሳትን ዘይምቅዳዋትን ንኸይናገፍ ሓሊኹ ከምዝሓዞ ኣኼበኛታት ኣስሚሮምሉ። ካብዚ ተረድኦዚ ብምብጋስ ድማ ኩሉ ደምበ ተቃውሞ ብሓፈሻ፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ መንእሰያዊ ዓቕሚ ንምብራኽ ግብራውን ክለሰ ሓሳባውን ናይ ምልመላ ሜላታት ከተኣታቱ ከምዘለዎ ኣኼበኛታት ኣተሓሳሲቦም። እቲ ኣብ ባይታ ብመንእሰያት ዝሕተትን ዝጥለብን ዘሎ እዋናዊ ሕቶውን እዚ ከምዝኾነ ተሳተፍቲ ነናይ ከባቢኦም ትዕዝብቲ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣብሪሆም።

ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛታት፣ ቤትጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ምስቶም ካልኦት መዘና ዝኾኑ ኣብያተ ጽህፈታት ኮይኑ፣ ነዚ ጉዳይዚ ኣቃልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ተላብዮም። ናይ ዝመጽእ ኣዋን ናይ ስራሕ መደባቶም ድማ ሓንጺጾም ኣኼባኦም ብዓወት ዛዚሞም።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና!!

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን!!

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

Last modified on Wednesday, 28 October 2015 08:40