ጨንፈር ማእከል ንኡስ ዞባ ጀርመን (ፍራንክፎርትን ከባቢኡን) ስሩዕ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼባኡ ብዕለት 25-10-2015 ኣካይዱ፡፡

2015-10-27 22:51:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2541 times

ጨንፈር ማእከል ብዕለት 25-10-2015 እቲ ልሙድ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ካብ ሰዓት 14፡00 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 17፡00 ድ.ቀ. እዩ ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ብዋና ጸሓፊት ጨንፈር ሓብትና ፌቨን ጊዴዎን ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን፤ ብናይ ሓውና ኤርትራዊ ዜጋ ሃብቶም ዘርአ ኣብዚ ቅንያት‘ዚ ኣብ እስራኤል ብካብ እሰብኣዊ ርህራሃ ዝረሓቐ ዓሌታውነት ዝመበገሲኡ ብናይ ወተሃደር እስራኤል ጥይትን ብእኩባት እስራኤላውያን ተቐጥቂጡ ዝተቐትለን፤ ከምኡ‘ውን ካልኦት ኤርትራውያን ፈቐዶኡ ዝጠፍኡ ዘለዉን ንምዝካር፡ ብናይ ሓደ ደቒቕ ስቕታ ናይ ዝክረ-ሰማእታት‘ዩ ተኸፊቱ።

ካብኡ ብምቕጻል መግለጺ ውሽጣዊ ጨንፈራዊ ኣሰራርሓን መሪሕነታዊ ዳግመ-ስርርዕን ድሕሪ ምክያዱ፡ ብዛዕባ ራእን ዕላማን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብፍላይ፡ ብኲነታት ደምበ ተቓውሞን ህዝብናን ከኣ ብሓፈሻን፡ ከምኡ‘ውን ህልዊ ኲነታት መንእሰያትናን ዝገልጽ ስፍሕ ዝበለ መግለጽታትን ናይ ሓበሬታታት ምልውዋጥን ተኻይዱ።

ቀጺሉ ብኣባላት መሪሕነት ጨንፈር ከመይ ጌርና ንፍርሒ ስዒርና ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምክቶን፡ ገለ ካብቲ ናይ ሰልፍና ናይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልስታትን፡ ከምኡ‘ውን ብዕለት 27-09-2015 ብኣቦ መንበር ሰልፊ ብፓል ዝተዋህበ መግለጽን ዝኣመሰሉ ጽሑፋት ብምንባብን፡ ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂቡ። ካብኡ ብምብጋስ ከኣ ኣብ ሕቶን መልስን ተኣትዩ። ሰፊሕን ጠቓምን ምረድዳኣት ከኣ ተኻይዱ።

FFTBranchmeeting251015 2

ነዚ ኣኼባ‘ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንተኔሩ ከኣ፡ ንመንእያት ኣብ ጉዳይ ሰልፎም ብፍላይ፡ ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞን ሃገርናን ከኣ ብሓፈሻ፡ ብግሉጽን ብሰፊሑን ክካትዑሉ ዝኽእሉ መድረኽ ተኸፊቱ ምንባሩ‘ዩ።

እዚ ዘሎናዮ መድረኽ፡ መንእሰያት ተቐበልቲ ሕድርን ተካእቲ ቃልስን ስለ ዝኾኑ፤ ብግሉጽ ዝካትዑሉን ዝረዳድኡሉን ዝጠራነፉሉን ኣኼባታት ክገብሩን፡ ፍሉይ ኣስተምህሮታትን ምልመላታትን ክካየደሎምን ኣለዎም ዝብሉ ለበዋታት ካብ ብዙሓት መንእሰያት ቀሪቦም። ነዚ ንምትግባር‘ውን መደባት ወጺኡ።

FFTBranchmeeting251015 3

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ስቕ ኢልካ ኢድካ ኣጣሚርካ ጥራይ ዝርአ ዘይኮነስ፤ ንገበነኛታት ሕጋዊ ኣገባባት ብምጥቃም፡ ኣራሚ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ክንገብር ኣሎና ዝብሉ ለበዋታት‘ውን ብመንእሰያት ቀሪቦም‘ዮም። ከምኡ‘ውን ካልእ ንውሽጣዊ ጽፈትን ምዕቡል ኣሰራርሓን ዝምልከቱ ለበዋታት ቀሪቦም። በዚ ከኣ ኣኼባ ሰዓት 17፡00 ድ.ቀ. ብዝክረ-ሰማእታት ተደምዲሙ።

ዓወትንፍትሓዊቃልስና! ዘለኣለማዊዝኽርንመጎስንንሰማእታትና!

ሽማግለ ጨንፈር ማእከል ፍራንክፎርትን ከባቢኡን 26 ጥቅምቲ 2015

Last modified on Tuesday, 27 October 2015 23:57