ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ) ቅድሚ 10 ዓመታት ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት

2015-12-17 08:12:03 Written by  ደበሳይ በየነ Published in EPDP News Read 3054 times

16 ታሕሳስ 2005 ድሕሪ ቀትሪ ቅድሚ 10 ዓመታት ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ናይ ሽዑ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድቡ ነይሩ። ስዩም ኣቐዲሙ ብ27 ሕዳር 2005 ብውድባዊ ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ዮርዳኖስ ኣብ ዝተባህለ ሆቴል ኣብ ቁጽሪ 206 እዩ ኣዕሪፉ ነይሩ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ምስ ብጾቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ተመሲሑ ኣጋ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ከዕርፈሉ ዝተመደበ ሆቴል ከይዱ። ክኸይድ እንከሎ፡ ጸኒሐ እንተመጺአ ክንራኸብ ኢና፡ ተዘይመጺአ ድማ ጽባሕ ንግሆ የራኽበና ኢሉ ተፋንዩና ከይዱ። እንተኾነ ኣቐዲሙ’ውን ሰውነተይ ይኸብደኒ ኣሎ ይብል ስለ ዝነበረ፡ ምሸት ከምቲ ዝበሎ ኣይተመልሰናን። ንሕና እውን ኣቐዲሙ ሓቢሩና ስለ ዝነበረ ብዘይምምጻኡ ብዙሕ ኣይተሻቐልናን።

 

ንጽባሒቱ ቀዳም እዩ ነይሩ። ካብ ቤት ጽሕፈት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ናብቲ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ብሓባር ንሰርሓሉ ዝነበርና ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ንምኻድ እንዳተሰባሸብኩ፡ ስዩም ደዊሉ ናብቲ ሆቴሉ ንኽመጾ ሓቲቱኒ። ሰዓት 7 ናይ ንግሆ እዩ ነይሩ። ቤት ጽሕፈትና ናብቲ ንሱ ዝነበሮ ሆቴል ቀረባ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ሆቴል ቀልጢፈ በጺሐ። ምስኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኽንያት ስራሕ መጺኡ ምስ ዝነበረ ኣቶ መንግስተብ ኣስመሮም ድማ ኣብቲ ስዩም ዝነበሮ ክፍሊ ተራኺብና። ስዩም ካብቲ ዓራት ወሪዱ፡ ኮበርታ ደሪቡ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢሉ ጸኒሑና። ከም ዝሓመመ ድማ ነጊሩና። ከመይ ከም ዝገብሮ ክነግረና እንከሎ “ቁሪቁሪ የብለኒ፡ ኣብ ከባቢ ኣፍ-ልበይ’ውን ውግኣት ይስመዓኒ፡ ክሕሸኒ ኢለ ተተሓጸብኩ ድማ መሊሱ ገዲዱኒ” ኢሉና። ግዜ ከይወሰድና ናብ ሕክምና ክንከይድ ወሲና ድማ ኣነ ሒዘዮ፡ ኣብ ቦሌ ሳይ ኣብ ዝበሃል ህንጻ ናብ እትርከብ ኣቐዲምና ብማዕዶ ናብ እንፈልጣ ክሊኒክ ከይድና። እንተኾነ እዛ ክሊኒክ ተዓጽያ ጸኒሓትና። በታ ዝሓዝናያ ታክሲ ድማ ኣብ መስመር ቀንዲ ጐደና ቦሌ ኦለፒያ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ጥቓ ናይ ሽዑ ቤት ጽሕፈት ውድብና ናብ እትርከብ ክሊኒክ ቤተዛታ ከይድና። ንግሆ ብምዃኑ መካይን በዚሐን መንገዲ ስለ ዝይተዓጽወ ኣብቲ ክሊኒክ ቀልጢፍና በጻሕና። እንተኾነ ሰዓት 8 ስለ ዘይኣኸለ ምዱባት ሓካይም ክንረክብ ኣይከኣልናን። ክሳብ ሰዓት ኣኺሉ ሓካይም ዝመጹ ሓደ ኣብቲ ክሊኒክ ዝሓደረ ክኢላ ንግዜኡ ቃንዛ ዘዕግስ መርፍእ ካብቲ ናይታ ክሊኒክ ፋርማሲ ክገዝእ ኣዚዙኒ ምስ ኣምጻእኩ ንስዩም ወጊእዎ።

ሓኪም እንዳተጸበና፡ ንስዩም እቲ ዝወሰዶ መርፍእ ጠቒምዎ እንተኾይኑ ሓቲተዮ። “እወ ደሓን እየ። ግና ሓኪምስ ደንጉዩና ጋና ድዩ ሰዓት” ኢሉ መሊሱለይ። ሰዓት 8፡15 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሓኪም መጺኡ። ኣብቲ ክሊኒክ ቀዲሞምና ዝበጽሑ ሕሙማት ስለ ዘይነበሩ ቅድሚ ኩሉ ስዩም ተራእዩ። ኣነ እውን ምስኡ ነይረ። እቲ ሓኪም ብኹነታት ስዩም ከም ዝሰንበደ ካብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። ኣነ እውን ወዮ ነቲ ሕማም ኣቕሊለ ዝርእዮ ዝነበኩ እንዳተቐየረ ብውሽጠይስ ክሰግእ ደኣ ጀመርኩ። እቲ ሓኪም መሳርሒታት እንዳቐያየረ ክርእዮ ምስ ጸነሐ፡ ካብቲ ዝነበሮ ክፍሊ ሸረር ብዝብል መንበር (wheelchair) ናብ ካልእ ክፍሊ ወሲድዎ። ካብዚ ጀሚረን እንተን ከይደን ዘይርብርባ ዝነበራ ኣእጋር ስዩም ስራሐን ኣቋረጻ። ስግኣተይ ድማ ማዕረ እቲ ቅልጡፍ ምቅይያር ኣብ ኩነታት ስዩም እንዳዓረገ መጸ። ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ድማ እቲ ሓኪም ንእሽቶ ወረቐት ጽሒፉ ሂቡ፡ ብኣንቡላንስ ካብ ክሊኒክ ቤተዛታ ኣብ ከባቢ ስታድየም ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ቤተዛታ ብህጹጽ ክንከይድ ምዃና ስግኣትን ፍርሕን ብዝጸለዎ ቃላት ነጊሩኒ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ጐረቤት ናይ ሽዑ ቤት ጽሕፈት ሰውራዊ ባይቶ እዩ ኢለ ኣለኹ። ኣነ ኣብዚ ሰዓትዚ ንግሆ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ገንዘብ ውሑድ ስለ ዝነበረ ይሓጽረኒ እሞ፡ ናብ ሆስፒታል ቤተዛታ ቅድሚ ምኻድና ብጉያ ናብ ቤት ጽሕፈት ከይደ ገንዘብ ሒዘ ተመሊሰ፡ ስዩም ኣብ ዓራት ደቂሱ ሳልሳይና መራሕ መኪና፡ ሓያል ናይ ኣሕልፉኒ ድምጺ ጥሩንባ ብእተስምዕ ጻዕዳ ዝሕብራ ኣንቡላንስ ናብቲ ሆስፒታል ጉዕዞ ጀሚርና።

ኣብቲ ጉዕዞና “ስዩም ከመይ ኣለኻ” ኢለ ሓቲተዮ። በቲ ምዑዝ ኣዘራርባኡ ድማ “እዋእ ደሓን እየ፡ እንተኾነ እታ ሸቕሸቕ ተብለንስ ኣየቋረጸትን” ኢሉኒ። ኣስዒቡ ድማ “እስከ ንኣቶ ገብራይ ደውለሉ እሞ መኪና ሒዙ ናብቲ ሆስፒታል ይምጸኣና” ኢሉኒ። ከምኡ ምስ ገበርኩ ድማ ምስ ኣቶ ገብራይ ኣብቲ ሆስፒታል ተራኺብና። ድሕሪኡ ካልእ ዘረባ ወሲኸ ከየድክሞ ዘረባ ኣይወሰኽኩን። ኣነ ብውሽጠይ በይነይ ይዛረብ ነይረ። ስዩም እውን ከምኡ። እቲ ንኸዶ ርሑቕ ስለ ዘይነበረ ከኣ ቀልጢፍና ኣቲና። ነቲ ድምጺ ጥሩንባ ዝሰምዑ ናይቲ ሆስፒታል ሰረሕተኛታት ዝተወጸዐ ሰብ ከም ዝመጸ ተረዲኦም፡ እንዳተጓየዩ መጺኦም ሓጊዘሙኒ፡ ንስዩም ካብታ ኣንቡላስን ኣውሪድና ኣብቲ ናይ ህጹጽ ረዲአት ክፍሊ ኣብ ዓራት ብጐቦ ኣደቂስናዮቅድሚ ሓኪም ምምጻኡ ስዩም “እዚ ሆስፒታል ናይ መንግስቲ ድዩ ናይ ብሕቲ?” ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ “ናይ ግሊ እዩ” ኢለ መሊሰሉ። ቀጺሉ “ እሞ ወጻኢ ደኣ ክበዝሓና እንድዩ፡ ናብ ሕስር ዝበለ መንግስታዊ ሆስፒታል ዘይንኸይድ” ኢሉኒ። ኣነ ድማ “እዚ ናይ ሕጂ ኩነታትካ ንርኣዮ’ሞ እዚ ትብሎ ዘለኻ ደሓር ቀስ ኢልና ተረኣናዮ እዩ ዝሓይሽ” ኢለ ምስ መለስኩሉ፡ ድሕሪኡ ዘረባ ኣይቀጸልናን። ምኽንያቱ እታ ካብ ክሊኒክ ዝተዋህበትኒ ወረቐት ምስ በጽሓቶ ቀልጢፉ ናብ ስዩም ዝመጸ መንእሰይ ዶ/ር ዮናስ ስለ ዘቋረጸና። ዶ/ር ዮናስ ቅድሚ ስራሕ ምጅማሩ ካብቲ ክፍሊ ክወጽእ ኣዚዙኒ ወጺአ። ድሕሪ እዚ ንስዩም ብጐቦ ዓይነይ እንዳረኹዎ ምስ ተፈላለና፡ እነሆ እቲ ምፍልላይ ንሓዋሩ ኮይኑ።

ዶ/ር ዮናስ ንስዩም ምስ ረኣዮ ብዝሃቦም ምልክት ብቕጽበት ብዙሓት ናይቲ ሆስፒታል ሓካይም እንዳጐየዩ ናብታ ስዩም ዝነበራ ናይ ህጹጽ ረድኤት ክፍሊ (emergency room) ክኣትዉ ተዓዚበ። ወዮ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐ ፍርሐይ ድማ ናብ ስንባደ ተቐይሩ። ንሕማም ሰጊረስ ብዛዕባ ካልእ ከቢድ ጉዳይ ክሓስብ ጀሚረ። በቲ ኣጸቢቖም ዘይዓጸውዎ ናይቲ ስዩም ዝነበሮ ክፍሊ መስኮት መጋረጃ ኩሎም ኣቶም ሓካይም ክኸብዎ ተዓዚበ። ካብቲ ምንቅስቓሳቶም ብውሕዱ ስዩም ትንፋስ ከም ዝሓጸሮ ተገንዘብኩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ፡ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሕጂ ስሞም ዘይዝክሮ ናይቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ዳይረክቶር “ቤተሰብ ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካኤል” ኢሎም ጸውዑ። ኣነን ናይ ስዩም ናይ ነዊሕ ግዜ ዓርክን መቓልስትን ኣቶ ገብራይ ገብረ እየሱስን ኮይና ኮን ደኾን ተስፋ ንረክብ ብዝብል ትጽቢት ቀልጢፍና ቀረብናዮም። ዝሃቡና ሓበሬታ ግና “ኣቶ ስዩም ልቦም ስረሓ ኣቋሪጻ እያ። ናይ እግዚኣብሄር ደገፍ ተተወሲኽዎ ሓካይም ህይወቶም ንምድሓን ይቃለሱ ኣለዉ” ዝብል ቀዳማይ ደረጃ መርድእ ነይሩ። ኣቶ ገብራይ ነቶም ሓኪም “ናብ ዝሓሸ ሕክምና ዋላ ናብ ወጻኢ ምውሳድከ ኣይትተሓባበሩናን?” ኢሉ ሓቲትዎም። እቶም ሓኪም ድማ ወዮ ኩነታት ኣበይ በጺሑ ከምዘሎ ስለ ዝፈልጡ “ንሱ ሕጂ ዝግበር ኣይኮነን” ኢሎም መሊሰሙልና፡ ናብቲ ስዩም ዝጸዓረሉ ዝነበረ ክፍሊ ተመልሱ። ድሕሪዚ በብውሽጥና ስዩምን ሞትን ኣዝዮም ተቐራሪቦም ከም ዝነበሩ ገመትና። ደፊርና ግና ስዩም ክመውት እዩ ኢልና ክንዘራረብ ኣይከኣልናን።

ኣብዚ እዋንዚ፡ ናይቲ ኩነታት ህጹጽነት ዝሓበርኩዎም ኣሕዋት መንግስተኣብ ኣስመሮም ( ናይ ሎሚ ኣቦመንበር ሰደህኤ)፡ ገብሪህይወት ጸጋይ፡ ጅምዕ ኣሕመድን ተኽላይ ተስፋጋብርን ናብቲ ሆስፒታል መጺኦም ኩነታት ይከታተሉ ኣለዉ። እንደጋና ከባቢ ሰዓት 11፡30 ረፋድ እቶም ናይቲ ሆስፒታል ላዕለዋይ ሓላፊ ዶክተር ጸውዑና’ሞ ከምቲ ናይ ቅድም መዓንጣና ሓቚፍና ቀረብናዮም። “እዚኣ ኣብ ክፍሊ ገንዘብ ከፊልካ ምጻእ’ሞ ቅብሊት ሒዝኩም ተመለሱ” ኢሎም ናይ 194 ብር መእዘዚ ሰነድ ሃቡኒ። ከፊለ ቅብሊት ሒዘሎም ምስ ተመለስኩ እቶም ዶክቶር፡ በቲ ጭንቅና እንዳተጨነቑን እናሕዘኑን “እምበኣር ጻዕርና ኣይሰመረን ሓውኩም ኣቶ ስዩም ዓሪፎም ፡ ጽንዓት ከኣ ይሃብኩም” ኢሎም ኣርዲኦሙና ናብ ካልእ ስረሖም ከዱ። በዚ ድማ እነሆ ናይ መወዳእታ ናይ ስዩም ቃላትን ናይ ስዩም ዕረፍትን ቀዳማይ ሰማዒ ክኸውን ክኢለ። ብኡንብኡ ድማ ነቶም ኣብኡ ብስግኣት ተዋሒጦም ዝነበሩ ኣቐዲመ ኣስማቶም ዝዘርዘርኩዎ ኣሕዋት’ውን ኣርዳእናዮም። ጸሓይ እቲ ባህርያዊ ብርሃን ናይ ምልጋስ ተግባራ ኣይቀየረት። ንዓና ግና ንዝተወሰነ ግዜ ብቐትሩ ጸልሚቱና። ንደገን ንውሽጥን ድማ ከም ሕሱም ነቢዕና። ን17 ታሕሳስ 2005 ድማ ረገምናያ።

ድሕሪ እዚ ብጉዳይ ህይወት ናይቲ ሰሪሑ ዘይደክም፡ ኩነታት ተጸበብ’ውን ዘይሽበር ሓርበኛ ስዩም ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ኣስከሬኑ ክንሓስብ ተገዲድና። ስዩም ድማ ድሮ ብዛዕብኡ እንዳተዛረብና ናብ ዘይዛረብ ፍጡር ተቐይሩ። ንሕና ከኣ ብሃንደበታዊ መስዋእቲ ብጻይ ስዩም ዝተገዝኤ ነናትና ሓድሽ ስረሓት ክንዓምም ተቐሲብና። ገሌና ንላዕለዎት ሓለፍቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ኤምባሲ ሆላንድን ዝምልከቶም ኣብ ምሕባር ተዋፊርና። ገሌና ድማ ኣብ ምውጋን ኣስከሬን ናይቲ ሽዑ ዝተፈልየና ሓርበኛ ተጸመድና። በዚ መሰረት ቅድሚ ኣበይን ብኸመይ ይቕበር ዝምልከት ውሳነ ምፍላጥና ኣስከሬኑ ክምርመር ናይ ግድን ስለ ዝነበረ፡ “ገብረ እግዚኣብሄር” ካብ ዝበሃል ትካል ኣስከሬን ኣትጸውር መኪናን ሳጹንን ኣምጺእና “ናይ ኣስከሬን ይመርመረልና” ጥርዓን ኣቕሪብና ናብ መንግስታዊ ሆስፒታል ሚነሊክ ወሲድናዮ። ዕለቱ ቀዳም ስለ ዝነበረ ከኣ ሰኑይ ክንምልስ ቆጸራ ወሲድና። ንስዩም ምስ ከዛርብዎን ከዛርቦምን ዘይክእል ኣስከሬናት ገዲፍናዮ ተመሊስና። እዚ ኩሉ ወዲእና ከባቢ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ብመሪሕነት ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ቤት ጽሕፈትና ተኣኪብና። ኣብዚ ኣኼባና ሓዘንና ክኢልና፡ ኣብቲ ኣኼባ ዘይነበሩ ኣባላት ውድብና’ውን ኣብ ግምት ኣእቲና፡ ነብስና ከፋፊልና ክንዓሞ ብዛዕባ ዝግበኣና ስረሓት ወሲና። ሰኑይ ንግሆ፡ ገሌና ጉዳይ መርመራ ኣስከሬን ክንከታተል፡ ገሌና ብዛዕባ ኣስከሬን ናብ ሆላንድ ዝጐዓዘሉ ኣገባብ፡ ምስ ናይታ ሃገር ኤምባሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትርን ርክባት ክንገብር ዝተረፍና ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይና ሓዘኖም ክገልጹ ንዝመጹ ኣጋይሽ ክንቅበል ናይ ስራሕ ምክፍፋል ገበርና።

ሰኑይ 19 ታሕሳስ 2005 ምስ ኮነ እቶም ጉዳይ ኣስከሬን ንከታተል፡ ንጉዕዞ ብዘኽእል ኣገባብ ብኩባዊት ክኢላ ኣመርሚርና፡ ንናይ ርሑቕ ጉዕዞ ዝምጥን ሳጹን ገዚእና ነቲ ኣስከሬን መዝሓሊ ናብ ዘለዎ ዘይመንግስታዊ ሆስፒታል ሓያት ወሲድና ዓቀብናዮ። እቶም ኣብ ካልእ ስረሓት ዝተዋፈሩ ኣሕዋት እውን ብተመሳሳሊ ስረሓቶም ኣሰላሲሎም። ኣስከሬን ሰሉስ 20 ታሕሳስ 2005 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሆላንድ ክጉዓዝ ከም ዝኽል ርግጸኛታት ምስ ኮና ድማ ኣብ ነፋሪት መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦታ ኣትሒዝና።

ብ20 ታሕሳስ 2005 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ቅድሚ ኣስከሬን ጉዕዞ ናብ ሆላንድ ምጅማሩ፡ ሆስፒታል ሓያት ኣዳራሽ ፈቒዱልና ናይ መፋነዊ ፕሮግራም ሰሪዕና። ኣብዚ ናይ ፈነወ መደብ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤልን ንሓርበኝነቱ ዝገልጽ ግጥምታት ተነቢቡ። እዚ ናይ ፈነወ ስነ-ስርዓት ንሓርበኝነት ስዩም ዝበቅዕ እኳ ተዘይነበረ፡ ሓያሎ፡ ቤተሰቡ፡ ፈተውቱን፡ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ካብ ኢህወደግ፡ ኣንበሳድር ሱሌማን ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ኣንበሳደር ሃይለ ኪሮስ ገሰሰ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና፡ ኣቶ ሕቡር ገብረኪዳን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ፎረም ሰንዓን ካለኦትን ይርከብዎም።

ድሕሪ እዚ ምሸት በዚ ዕለት እዚ ክሳብ ሰዓት 10 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስከሬን ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካእል ናብ ሆላንድ ብኣድራሻ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣዝመራ ሃይለ ኣፋኒና። ሓው ጅምዕ ኣሕመድ ድማ ኣስከሬን ኣሰንዩ ተጓዒዙ። ድሕሪ’ዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሓዘንና ዓጺና።

ደበሳይ በየነ

17 ታሕሳስ 2015

Last modified on Thursday, 17 December 2015 09:30