ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ቁጽሪ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ከምዝነከየ ናይ ስዊስ ጋዜጣ ሓቢራ

2015-12-18 18:46:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2295 times

እታ ጋዜጣ ከም ዝሓበረቶ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ስዊዘርላንድ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዝደተኛታት ካብቶም ኣብተን ዝሓለፋ ናይ 2015 ዓሰርተ ኣዋርሕ ዝወሓደ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ቁጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዋላ ካብቶም ብውግእ ይሕመሳ ካብ ዘለዋ ሱርያን ኣፍጋኒስታንን ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዝለዓለ ቁጽሪ ዝሓዙ ኤርትራውያን እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናብ ዝዊዘርላንድ ዝኣተዉ ኤርትራውያን 591 ክኾኑ እንከለዉ እዚ ኣሃዝ ካብቶም ቅድሚኣ ኣብ ዝነበረት ወርሒ ዝኣተዉ ብ 941 ከም ዝንኪ እዩ።

 

ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ 2015 ዓሰርተ ሓደ ኣዋርሕ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ክይኖም ናብ ስዊዘርላንድ 34, 653 ስደተኛታት ኣትዮም። ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስቶም ናይ ካለኦት ሃገራት ዜጋታት ክወዳድር እንከሎ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ኣብ 2014 ጥራይ 6,640 ኤርትራውያን ናይ ስደተኛነት ደረጃ ተረጋጊጽሎም። ኣብ 2014 ካብ ዝዊዘርላንድ ንላዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተቐበላ ክልተ ሃገራት ኤውሮጳ እየን። በዚ መሰረት ጀርመን 13, 200 ሽወደን ድማ 11,500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቢለን።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ናይ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ቁጽሪ ካብ 25, 000 ንላዕሊ ከም ዝበጽሕ ይግመት።

Last modified on Friday, 18 December 2015 19:51