ኣብ ኣስመራ ዝያዳ 200 ናይ ብሕቲ ጋራጃት ተዓጽየን

2016-01-09 18:08:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 3267 times

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ዝያዳ 200 ናይ ብሕቲ ጋራጃት ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝተዓጽዋ፡ ግዱሳት ኤርትራውያን ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ቅድሚ ምዕጻው እዚ ገራጃት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ወነንቲ ጋራጃት ካብ ከተማ ኣስመራ ወጺኦም ናብ መርሓኖ ክግዕዙ ኣዚዝዎም ከብቅዕ እኹል መስርሒ ጋራጅ ዝኸውን መሬት ክህቦም ብዘይምኽኣሉ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ድሕሪ እዚ ዋላኳ እቶም ዋናታት ጋራጅ መተካእታ ስለ ዝሰኣኑ ኣብቲ ጸቢብ መሬት ክሰርሑ ቅሩባት እንተነበሩ፡ ኣቲ ጉጅለ ብናቶም ፕላንን ዓቕምን ክሰርሑ ንዘቕረብዎ ሕቶ ነጺግዎ። ብኣንጻሩ ዝተሓተትዎ ዓቐን ገንዘብ ንመንግስቲ ክረክቡ እሞ መንግስታዊ ኩባንያ ሰገን ከም ድላዩ ሰሪሑ ከረክቦም ምዃኑ ነጊርዎም። ኣብዚ እውን እቶም እቶም ሰብ ጋራጅ ተቓውሞ’ኳ እንተርኣዩ ዝሰምዖም ምስ ሰኣኑ እንደጋና ክቕበልዎ ከም ዝተገደዱ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። እዞም ኣቐዲሞም ብማሕበር ተወዲቦም ዝነበሩ ሰብ ጋራጅ ኣቐዲሞም ኣብ መንግስታዊ ባንክ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ስለ ዝነበሮም፡ እዚ ሓድሽ ጋራጅ በቲ ገንዘብ ንክስረሓሎም ኣንተውሒዱ ድማ ክውስኹ ዘቕረብዎ ሕቶ ሰማዒ ምስ ሰኣኑ፡ ናብ ዲክታቶር ኢሳያስ ንክጠርዑ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ከዱ፡ ኣብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ኢኹም ትረኽብዎ ምስ ተባህሉ ናብኡ ከይዶም። እንተኾነ ኢሳይያስ ከዛርቦም ስለ ዘይደለየ ኣድራሻታቶም ተቐቢልኩም ኣፋንውዎም ስለ ዝበለ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሱን እቲ ዝተባህልዎ ዓቐን ገንዘብ ከም ዘትሓዙን ተፈሊጡ።

ድሕሪ እዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ክንመያየጥ ተባሂሎም ናብ ኣዳራሽ ማዘጋጃ ቤት ኣስመራ ምስ ተጸውዑ፡ ኣቲ ጋራጃት ምስ ኩሉ ኣብኡ ዝነበረ ንብረትን መካይንን ከም ዝተዓጽወ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም። ዋናታት ጋራጅ ድሕሪ እዚ ተረኽቦ፡ ነቲ ናይ ምዕጻው ተግባር ሓላፍነት ዝወስድን ዝጠርዕሉን ኣካል ክፈልጡ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ እቲ ሓደ ናብቲ ካልእ እንዳደርበዮ መፍትሒ ከም ዘይረኸቡ ተፈሊጡ። በዚ ጨካን ተግባር ተስፋ ዝቖረጹ ዋናታት ጋራጅ ዓዶም ለቒቖም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ ጀሚሮም ከም ዘለዉ’ውን እቶም ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ኣስመራ ሓቢሮም ኣለዉ።

ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝሰማምዕሉ እዚ ዓመጸኛ ተግባር ሓድሽ ዘይኮነስ መቀጸልታ መርኣያ ናይ ጉጅለ ህግደፍ በሓቲ ባህሪ እዩ።

Last modified on Saturday, 09 January 2016 19:13