ጳጳሳት ሞባይላቶም ተሓዲጎም
2016-01-09 18:13:31 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 5622 timesኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ድሕሪ ሞት 4ይ ፓትሪያርክ ኦርተዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሕዎ ኣኼባ ተኻይዱ። ናይዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻ ጉባአታት ኤርትራ ሓላፍቲ ጳጳሳት ወሲኽካ ኣባላት ሲነዶስ እዮም ነይሮም። ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ ነዞም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝሞቱ’ሞ ብግዝያውነት ተተኪኦም ዘለዉ 4ይ ፓትሪያርክ ብቐዋምነት “ብመን ይተክኡ” ዝብል ንምውሳን እዩ ነይሩ። ናብዚ መንፈሳዊ ኣኼባ ዝቐረቡን ነቲ ኣኼባ ዝተኸታተሉን ወገናት ካብ ኣስመራ ከም ዝገለጽዎ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ክበሃል ብዝኽእል፡ “እቶም ፓትሪኣርክ ክኾኑ ዝግበኦም ንዝሓለፈ 11 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ኣቦ እዮም“ ዝብል ርኢቶ ነይሩ።
ነዚ ኩነታት ዝተዓዘቡ ነቲ ኣኼባ ብዓመጽ ዝመርሑ ዝነበሩ ሓለፍቲ መንግስቲ “ንሶም ናይ ሲኣይኤ መሳርሒ ስለ ዝኾኑ ቅቡል ኣይኮኑን” ብዝብል ነቶም ተሳተፍቲ ጳጳሳት ርክብ ፈጢሮም ካብ ድሌት መንግስቲ ወጻኢ ከይመኻኸሩ፡ ተንቀሳቐሲ ተለፎናቶም (ሞባይላት) ኣሕዲጎም ኣብ ዝደለናኩም ክንጽወዓኩም ኢና ብዝብል ምስምስ ነናብ ቦታኦም ከም ዘፋነውዎም፡ እዞም ንመስርሕ እቲ ኣኼባ ዝተኸታተሉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ገሊጾም።
እቶም ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ፓትሪያርክ ኤርትራ በመንግስቲ ካብ መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ካብ ዝወረድሉ ምኽንያታት፡ ቀደስቲ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ውትህድርና ክኸዱ ክግደዱ ኣይግባእን። ምናልባት ኣብ ውትህድርና ተተስቲፎም ከኣ ተመሊሶም ክቕድሱ ኣይክእሉን እዮም። መንግስቲ ክኣስር ስልጣን ኣለዎ፡ ምስ ኣሰረ ግና ንጹሃት ክኾኑ ንዝኽእሉ ወገናት፡ ኣብ ክንዲ ኣጻርዩ፡ ገበን ንዘየብሉ ብነጻ ምስንባት ወይ ብመርተዖ ገበነኛ ኮይኑ ንዝረኸቦ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ከቅርቦ ኣለዎ። ካብዚ ወጻኢ መወዳእታ ንዘየብሉ ግዜ ምድጓን ግና ኣብ ቅድሚ መንፈሳዊ ኮነ ዓለማዊ ሕጊ ቅቡል ኣይኮነን ዝብሉ ይርከብዎ።
እቲ ጉጀለ ነዞም ካብ መንፈሳዊ መስመሮም ዘይወጹ ፓትርያርክ ዝወንጀለሉ ናይ ሸፈጥ ክሲ “ከምዚ ዝብሉ ዘለዉ ብመርበብ ስለያ ኣሜሪካ ስለ ዝተላእኩ እዮም” ዝብል እዩ ነይሩ።