ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ መመሊሱ የንቆልቁል ኣሎ
2016-01-13 10:42:32 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2174 timesትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ከም ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ክረኣ ዝጸነሐ ሓፈሻዊ ምንቁልቋል መመሊሱ ይርመስ ከም ዘሎ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ኣብኡ ተመሃሮ ዝጸንሑ መንእሰያት ገሊጾም። ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ዘንቍለሉ ዘሎ ምኽንያታት ብዙሕ ምዃኑ ንጹር ኮይኑ፤ ገለ ካብኦም ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ተመሃራይ ትምህርቲ ንምክትታል ቤተሰቡን ወለዱን ገዲፉ ኣብ ሓደ ቦታታት ኣብ ሳዋ ክእከብ ምግዳዱ፡ እቲ ተኣኪቦም ትምህርቲ ዝከታተልሉ ቦታ ንትምህርቲ ብዘየተባብዕ ወተሃደራዊ ሕጊ ዝመሓድርን ብወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝመሓደርን ልዑል ሕጽረት ናይ ትምህርቲ መሳርሕን መምሃራንን ዘለዎን ምዃኑ እዞም ኣብ ሳዋ ተመሃሮ ዝነበሩ’ሞ ሎሚ ካብታ ሃገር ዝወጹ መንእሰያት ይሕብሩ።
እዞም ነቲ ኩነታት ባዕላቶም ዝተዓዘብዎ ከም ዝብልዎ፡ መምሃራን ውሑዳትን ዓቕሞም ውሱስንን ምዃኖም ከይኣክል ብኣማሓደርቶም ኣብ ልዕሊኦም ዝግበር ኣትሓሕዛ እውን ፍናኖም ዝደቁስ እምበር ክምህሩ ዘተባብዖም ኣይኮነን። በዚ መሰረት ሓሳቦም ብቑዕ ተካኢ ተመሃራይ ምፍራይ ዘይኮነስ ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ነብስኻ ንምድሓን ካብ ሃገር ምውጻእ ምዃኑ ይሕብሩ። እዞም ተመሃሮ ቁሩብ ካብ ምንባብን ምጽሓፍን ዘይሓልፍ ፍልጠት ዝረኽቡ እውን ባዕላቶም ብጉጅለ ተሰሪዖም እቶም ደሓን ዝኾኑ ነቶም ካልኦት ብዝገብርሎም ምትሕግጋዝ ምዃኑ’ውን እዞም በዚ ተመኩሮ ዝሓለፉ ተመሃሮ ንኣካዳሚያዊ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት የቃልዑ።
እቲ ካልእ ነቲ መስርሕ ትምህርቲ መመሊሱ ዝደቑሶ፡ ተመሃሮ ዋላ ኣዝዩ ንኡስ ጌጋ ክፍጽሙ እንከለዉ፡ ሃናጺ ምዕዶን ምኽርን ናይ ምርካብ ዕድል ዘይብሎም ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ እቲ ዝቕጽዕዎ መቕጻዕቲ ሕጊ ዝጠሓሰ ወተሃደር ካብ ዝቕጸዖ ከቢድ መቕጻዕቲ ንላዕሊ ምዃኑ ካልእ ናይ ትምህርቲ ቅሩብነትካ ዘዳኽም ምዃኑ እዞም ተመሃሮ ይገልጹ።
ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ቀልጢፉ ተዘይተፈዊሱ፡ ኤርትራ ከይትበርስ ዘስግእ እቲ ጠጠው መበሊ ዘይተርኽቦ ስደት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ዝፍጠር ዘሎ ምንቁልቋል’ውን ካልእ ኣስጋኢ ኣንፈት’ዩ።