መስርሓት ፖለቲካዊ ምስግጋርን ቅጥዕታት ዲሞክራሲያዊ ለውጥን
2016-01-13 11:19:57 Written by ብወልደሱስ ዓማር Published in EPDP News Read 2856 timesኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ካብ 27 ክሳብ 29/ 2015 ኣብ ከተማ ናይሮቢ ብመድረኽ ንሃገራዊ ዝተ ዝተዓደመ ሃገራዊ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ እዩ። ኣብዚ ንመጻኢ ሓባራዊ ስራሕ ኣገዳሲ ኣፍደገ ክኸፍት ትጽቢት ዝተነበረሉ ኣኼባ ዝቐረቡ፡ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከነውጽእ ጸኒሕና ኢና ። እነሆ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ብእንግሊዘኛ ዝተዘርግሐ ብኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ዝተዳለወ ናይ ትግርኛ ትርጉም ነቕርበልኩም
********
መእተዊ
ብምኽንያት ሕጽረት ጊዜ፡ ነቲ ግዙፍን ኣገዳስን ኣርእስቲ ዝበቅዕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ምድላው ኣይተኻእለን። ሓጺር መእተውን ንመዛረቢ ዝኸውን ነጥብታትን ግን ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ'ውን ነቲ ብሓምለ 2009 ከም ናይ ሽዑ ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ኣብ መጽናዕታዊ መድረኽ፣ ኣስዒብና ከኣ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብየካቲት 2010 ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዘመሓላለፍናዮ ንድፊ "መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ" ክንካትዓሉ ከም መልሓቕ ብሰለስተ ቋንቋታት ቀሪቡ ኣሎ። ገለ ኣህዛብ፡ "ተማሂዙ ንዘሎ መንኰርኰር፡ እንደገና ክትምህዞ ኣይትድከም" ኢሎም ይምስሉ። ንሕና ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣ ነቲ ኣቐዲምና ዝነደፍናዮ ሓሳባትን ቅጥዕታትን እናረሳዕና ኣብ ካልእ፡ ክንሰጋገር ንርከብ ኣሎና። (ከምኡ እንተዘይገበርና ምሓሸ)።
ኣብዚ መዛረቢ ነጥብታት፡ ቅድሚ ብዛዕባ ኲነታት ኤርትራ ምጥቃሰይ፡ መስርሕ ፓለቲካዊ ምስግጋር ኣብ ካልእ ክፍልታት ኣፍሪቃ ከመይ ከም ዝነበረ ኣሕጺረ ክጠቅስ ኢየ። ክንርስዖ ዘይብልና ከኣ፡ እቲ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ዝጅምር መስርሕ ፓለቲካዊ ምስግጋር ኣዝዩ፡ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። ኤረ ካብቲ ነቲ ስርዓት ንምውዳቕ ካብ እተካይዶ ቃልሲ ንሱ ይኸብድ!! ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝግበር ምስግጋር ብሓቂ ዕዉት ክብሃል፡ ነቲ ጐዳኢ ዝነበረ ትካላት ምልኪ ጓሕጒሕካ ምልጋሱ ይሓትት። እዚ ካብቲ ንመሰጋገሪ መድረኽ ኣዝዩ ዝጠናንጎ ሓያለይ ረቛሒታት ሓደ ጥራይ ኢዩ። ቅድሚ ብዛዕባ ኤርትራ ምዝራበይ ግን ገለ ሓቅታትን ተመክሮታትን ክጠቅስ፣ ብፍላይ ብዛዕባ ኣፍሪቃ።
ፓለቲካዊ ምስግጋራት ኣብ ኣፍሪቃ
ዳርጋ ኲለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 60ታት ኢየን ነጻ ዝኾና። እቲ ኣህዛብ ኣፍሪቃ ብህርፋን እተጸበዮ ናጽነት/ሓርነት ተሪፉ፡ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓታት ደቂ ሃገር ምውዳቕ ተኸቲሉ። ጸኒሑ ኣንፈታት ለውጢ ክርኤ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ለውጥታት ዳግማይ ሓርነት (Second liberation") ኢሎም ክሰምይዎ ጀሚሮም። ክፍለጥ ዝግብኦ ከኣ፡ ፖለቲካዊ ምስግጋር ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ብገለ መልክዓቱ እተፈልየ ክኸውን ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ ታሪኻዊ ኣሰራትን ባህልታትን፣ ውሽጣዊ ፍልልያትን ፍሉይ ተመክሮታትን ካብ ሓደ ሃገር ወይ ሕብረተሰብኣዊ ኩነታት ናብ ካልእ ክፍለ ስለዝኽእል። መሰጋገሪ መድረኽ ነዚ ውሽጣዊ ብድሆታትን ግዳማዊ ረቛሒታትን/ተጻብኦታትን ክብድህ ይግደድ። እቲ ዕማም ምስግጋር ከኣ ብመጠን እቲ ብድሆታት ይኸብድ።
ሃገራት ኣፍሪቃ ንከባቢ 30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሰለስተ ዓይነት ምልክታት ወዲቐን ነይረን (ገሊኤን'ውን ጌና ከምኡ ኣለዋ።) እቲ ዓይነት ምልኪ/ምልክታት ናይ ሓደ ሰልፊ ምልኪ፣ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ምልኪ፡ ከምኡ ከኣ ናይ ወተሃደራዊ ስርዓት ምልኪ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ዓይነት ምልኪታት ንኽህሉ ዝሓገዘ ረቛሒታት እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፣
-
ያታዊ ናይ ገዛእቲ/መለኽቲ ባህሊ (ሓያላት ነገስታት/ሹመኛታት)፣
-
"ዝበዝሑ ይገዝኡ" ዝብል ሓፈሻዊ ሓሳብ ምኽንያት ብምግባር፣
-
ሓድነት ሃገርን ጸረ-ዓለታዊ/ኣውራጃዊ ናዕብታትን ዝብል ምስምሳት፣
-
ስነ-ሓሳባት እተመርኰሰ ምልኪ፣
-
"ሓያል መራሒ" ምእንቲ ቅልጡፍ ምዕባለ ዝብል ኣምር... ወዘተ።
ከም እንዝክሮ ከኣ፡ መስረቲ ኣቦታት/"founding fathers" እናተባህሉ እቶም ናብ ናጽነት ዘብጽሑ መራሕትን ምንቅስቓሳቶምን ነቲ ድሕሪ ናጽነት እተኸስተ ስልጣን ገቢቶምዎ። ክሳዕ ጊዜ ሞቶም መራሕቲ ኰይኖም፡ ወይ ክኾኑ ሃቂኖም።
ምውዳእ ዝሑል ኲናትን ፖለቲካዊ ምስግጋኣርን፣
ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ መስርሕ ፖለቲካዊ ምስግጋራት እተጀመረ፡ ድሕሪ ምውዳእ ዝሑል ኲናት (ውድቐት ሶቭየት ሕብረት) ኢዩ። ገለ ጸሓፍቲ ከም ዝተረኽዎ ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ 1960ን 1989ን፡ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ካብ 30 ዘይበዝሕ ሃገራዊ ምርጫታት ተኻይዱ። ኣብ መንጎ 1990ን 2012 ኣብ ዝነበረ ጊዜ ግን 160 ዝኸወን ሃገራዊ ምርጫታት ተኻይዱ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ውሽጢ 1991 ጥራይ 86 ዝኸውን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝሓትት ህዝባዊ ምልዕዓላት/ናዕብታት ተኻይዱ!! ብሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ውሽጢ 90ታት ጥራይ ኣብ 28 ሃገራት ኣፍሪቃ ምርጫታት ተኻይዱ፡ 13 መለኽቲ ብምርጫ ተሳዒሮም። ተስፋ ዝህብ ኣጀማምራ ነይሩ፣ ንድሕሪት እተጐተ ግን ኣይወሓደን። (ብ1991፡ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ምልኪ "ይኣክል" ክብሉ ከለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ግን ዝመጸና ከይፈለጥና፡ ኣብ ዳንኬራ ሓጐስን ሳዕስዒትን ተዋሒጥና ምንባርና ኣይከሓድን።)
መስርሕ ፖለቲካዊ ምስግጋራት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ዝስዕብ ኣገባባት ዝሓዘ ይርከቦ ነይሩ፣
-
ወተሃደራዊ ዕልዋ (ሕጂ ብሕብረት ኣፍሪቃ እተነጽገ ኣገባብ)፣
-
ሃገራዊ ዋዕላታት (ኣውራ ኣብ ምዕራባዊ ኣፍሪቃ)፣
-
መራሕቲ ሃገር ባዕሎም ዝደረኽዎ ለውጢ፣ (ንኣብነት ኣብ በኒን[i])፣
-
ህዝባዊ ናዕቢ (ቱኒዝያ፣ ጐንጻዊ ኣብ ኢትዮጵያ)፣
-
ብዘተ እተበጽሔ ምስግጋር ስልጣን (ዚምባብወ፡ ናሚብያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ)።
እቲ ብ1989 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት በኒን፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካዊት ቺለ እተገብረ ፖለቲካዊ ምስግጋር በቶም ዝጸንሑ መለኽቲ እተደገፈ መስርሓት ነይሩ። እቶም መለኽቲ ግን ኣብ መወዳእታ ኣይተዓወቱን። ኣብ መስርሕ ለውጢ ናይ ቺለ[ii] ይኹን በኒን፡እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ናይ መላኺ ስርዓት ቅዋም እናደገፉ ኢዮም ተዓዊቶም። (ኣብ ኤርትራ ነቲ ናይ 1997 ቅዋም ተጠቒምካ ክግበር ዝከኣል ለውጢ ኣሎ ዲዩ?)
ኣብ ፖለቲካዊ ምስግጋር ዘሎ ኣኽእሎታት ጐንጺ፣ ገሊኦም ተመራመርቲ ከም ዝጽሕፍዎ፡ ፖለቲካዊ ምስግጋር ክመጽኦ ዝኽእል ናይ ጐንጺ ሓደጋታት ህሉውን ኣዝዩ ብዙሕን ኢዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ሓይልታት ነቲ ጐንጺ ከምጽእ ዝኽእል ጠንቅታት ብትዂረት ከለልዩን ከጽንዑን ከም ዝግብኦም ይመኽሩ። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ንከጋጥም ዝኽእል ጠንቅታት ንምእላይን ንምምሕዳርን ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ምስትብሃል የድሊ፣
- ንቀንዲ ጠንቅታት ጐነጽ ናይ ምልላይን ምጽናዕን ኣኽእሎኻ ምዕዛዝ፣
- ንዘጋጥም ወጥርታት ናይ ምጒዳም ኣኽእሎ ምውናን፣
- ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ምስ ሕብረተሰቦምን፡ በርገሳዊ ማሕበራቱን፣ ምስ ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት፣ ምስ ዞባውን ኣህጉራውን ትካላት ጽቡቕ ዝምድና ከም ዝህልዎም ምግባር፣
- እቲ ወሳኒ ዓወት ዝኾነ ኣድላይነት ዘይ-ጐነጻዊ (ዘይ-ዓመጻዊ) ምስግጋር ብሰፊሑ ናብ ኣፍልጦ ህዝቢ ከም ዝዓስል ምግባር።
ኣብ ሃገርና'ውን እንተኾነ፡ ነቲ ኣዓዋቲ መስርሕን ኣገባባትን ለውጢ ምልላይን፡ ነቲ ኣብ ምስግግር ከጋጥም ዝኽእል ናይ ጐነጽ ረቛሒታት ክተውግድ ተቐሪብካ ምጽናሕን ካብቲ ተገቲሩ ዝጽበየና ዘሎ ብድሆታት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።
መሰጋገሪ ምስርሕ ኣብ ኤርትራ
መስርሕ ፖለቲካዊ ምስግጋር ኣብ ኤርትራ፡ ንፍሉይ ኲነታት ሕብረተሰብናን ንናይ 125 ዓመታት ፖለቲካዊ ታሪኽ ሃገርናን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ግድን እዩ። ምናልባት ከኣ እቲ ናይ 1940ታትን 1950ታትን ተመክሮና፣ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልስና ሓጐጽጐጻት፡ ካብኡ ቀጺሉ'ውን ናይ'ዚ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓደ-ሰብ ምልኪ ዝባኸነ 25 ዓመታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኢዩ።
ኣብ ናይ ሎሚ መጽናዕትና፡ እጽብብ ኣቢልና ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከም ጸላዊ ወይ ዓንቃፊ ንጒዕዞ ለውጥን ፖለቲካዊ ምስግጋርናን ጌርና ክንርእዮም ንኽእል፣
- ሱር ዝተኸለ ዲሞክራሲያዊ/ቅዋማዊ ባህሊ ዘይምውናን፣ ምሉእ እምነት ተነቢሩሉ ንዲሞክራሲያው መስርሕ ክመርሕ ዝኽእል ሓይሊ ዘይምህላዉ፣('ዲሞክራሲያ ብዘይ ዲሞክራሲያዊ ባእታታት ይትከል ድዩ'? ዝብሉ ኣሎዉ።)
- ጌና ዘይተመሓደረ ብዙሕነትና (ብሄራዊ፡ ቋንቋዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቅርጸ-ምድራዊ)፣
- ብውሑዱ ብናይ ምሉእ ናይ ውግእ ዘመን ዝላደየ ወተሃደራዊ ዝንባሌና፣
- ጌና ዘይተሰግረ ናይ ዘመነ-ቃልሲ ታሪኽናን፡ ሕድሕዳዊ ምጥርጣራትናን፣
- ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሎና ጥርጣሬታት (ኣውራ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ)፣
- ትሑት ፖለቲካዊ ኣፍልጦን፡ ትምህርታዊ ደረጃን ናይ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ዜጋ...ወዘተ።
ብዘይ ጥርጥር፡ ናይ ኣካይዳናን ሃለዋትናን ነፍሰ-ፍተሻ ክንገብርን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ማሕለኻታት ምስግጋር፡ ብኣግኡ ክንተሓሓዞ ጊዜ ይጠልበና ኣሎ። እነጥፍኦ ጊዜ እውን የብልናን!! ከምቲ ዲሞክራሲያዊ ሓይልታት ለውጢ ናይ ሃገር ቺለ ዝገበርዎ (2ይ እግረ-ጽሑፍ/ footnote ተመልከት)፡ ንዓና እውን ናይ ቀጻሊ ዘተታት ርክባትን ምምኽኻራትን የድልየና ኢዩ።
ናይ ስርዓት ምልዋጥ ኣገባባትና (scenarios) እንታይኮን ክመስልዩ?
ነፍስ-ወከፍ ተዓዛባይ ናቱ ርእይቶ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ካብቲ ብሓፈሻ ዝዝረበሉ ሰናርዮታት እዚ ዝስዕብ ክጥቀስ ይከኣል፣
-
ወተሃደራዊ ዕልዋ
-
ብዓበይቲ መራሕቲ ሰራዊት ተሰማሚዕም ዝመርሕዎ ዕልዋ። (ምናልባት ገለ ጽገናታት ክገብሩን ነቲ ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ቅዋም 1997 ክድግፉን ይኽእሉ፣ ካብ ወጻኢ እውን ንዝቕበሉዎም ናይ ቀደም ኣባላት ህግደፍ ክዕድሙ ይኽእሉ።)
-
ወይ ከኣ ተወዳደርቲ ዝኾኑ ሓለፍቲ ሰራዊት ነቲ መራሒ ህግደፍ ኣልጊሶም፡ ሕድሕዳዊ ጐንጺ ክውልዑን ንሃገር ኣብ ቀጻሊ ሕንፍሽፍሽ ከእትዉን ይኽእሉ፣
-
ታሕተዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዕልዋ ክገብሩን ወጻኢ ንዘሎ ተቓውሞ ክዕድሙን ይኽእሉ፣ (እቲ ሕጂ ተበታቲኑ ዘሎ ናይ ዲያስፖራ ተቓውሞ ግን ሓጋዚ ኣበርክቶ ክህብ ኣይክኽልን፣ብኣንጻሩ፡ ኣበርዓኒ ጊደ ክጻወት ይኽእል።)
-
ብናይ ደገ ሓይሊ እተደገፈ ለውጢ፡
(ኣይግበሮ እንበር) ናይ ደገ ሓይሊ ምስ ክፋል ሰራዊት ኤርትራ ተመሓዝዩ፡ ዕልዋ ስርዓት ክድግፍ ዘይከኣል ኣይኮነን።
-
ብህዝባዊ ምልዕዓል ኣቢሉ ዝመጽእ ለውጢ፡
ገለ ደጋፊ ምኽንያት ምስ ዝርከብ፡ ህዝቢ ብቝጥዓን ብዘይፍርሕን ተላዒሉ፡ ብሰራዊት እውን ተደጊፉ፡ ነቲ ኣብ ጻዕረ-ሞት ዘሎ ስርዓት ብዕዉት ህዝባዊ ምልዕዓል ከውድቖ ይኽእል። ዘተኣማምን ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ኣኽእሎ ዘለዎ እዩ።
ብዘይካ'ቲ ብህዝባዊ ናዕቢ ዝብጻሕ ለውጢ፡ እቲ ካልእ ኣገባባት/ሰናርዮታት፡ ሓደገኛን ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእልን ኢዩ። እቲ ተመራጺ ዝኾነ፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ክመጽእ ዝድለ ለውጢ'ውን እንተኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ዘሎ ጨፍላቒ ስርዓት ናይ ምዕዋቱ ኣኻእሎታት ከቢድ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኰይኑ ግን፡ ብተሪር ህዝባዊ ቃልሲ ዘይብጻሕ ሸቶ ስለዘየልቦ፡ እቲ ህልዊ ስርዓት ህግደፍ ለውጥታት ከርኢ ሃሰስ ክብል ይግደድ ይኸውን። እዚ ከኣ ዝያዳ መውደቒኡ ይኸውን። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ መላእ ህዝቢ ዝዓስሎ ምንቅስቓስ ዓዂኹ ኣብቲ ዝድለ ለውጢ ክብጻሕ ይከኣል።
ብህዝባዊ ናዕቢ ዝመጽእ ለውጢ ክቀላጠፍን ክዕወትን፡ እዚ ስዒቡ ዝጥቀስ ረቛሒታት ክህሉ ግድን ኢዩ፣
-
ህላዌ እተወደበ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ሃገር፣
-
ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ተቓውሞ፡ ንህዝቢ ቅኑዕ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ብቕዓት ክውንን ይግባእ፣ (ማለት ብዙሕነቱ ዘኽብር ሓደ ህዝቢ ኢና። ብሃይማኖት እተፈላለና 2 ህዝቢ ኢና፡ ወይ 9 ኣህዛብ ኢና ዝብል መልእኽቲ ምሕላፍ ንሓፈሻዊ ቃልሲ ህዝቢ ዘተባብዕ ኣይኮነን።)
-
(ኣብ ኤርትራ) ለውጢ ክመጽእ ከም ዘድሊ ዞባውን ዓለም-ለኻውን ምድንጋጽን ደገፍን ምርካብ ኣድላዪ ኢዩ፣
-
ጐረባብቲ ሃገራት ተጻረርቲ ናይቲ ዝድለ ለውጢ ከይኮኑ ምቅላስ።
ብሓጺር ኣዘራርባ፡ ተደላይን ዘላቕን ለውጢ ብዝሰፍሐ ተሳትፎ ህዝቢ ምስ ዝብጻሕ ኢዩ ዕዉት ዝኸውን። ከምኡ ምእንቲ ክኸውን ከኣ፡ ብዲሞክራሲያውን ዘይጐነጻውን ኣገባብ ክምራሕ ተመራጺ ኢዩ። ንመንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ኣቓልቦ ዝህብ ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ምቛም ኣገዳስነቱ ዘካትዕ ኣይኮነን። (ብሸነኹ ሰዲህኤ፡ ናይ ነዊሕን ሓጺርን መድረኽ ልፍትታት ቃልሲ ክህሉ የተባብዕን ይቃለስን። እዚ ከኣ'ዩ ርግኣት ዘለዋ ዲሞክራሲያዊትን ብልጽግትን ሃገር ንምርግጋጽ ዘብቅዕ ኣገባብ።)
መብዝሕትና ከም እንብሎ፡ ንሃገርና ኣብዚ ዘሎናዮ ሃለዋት ዘብጽሓ፡ እቲ ኣሳታፊ ዘይኮነ ናይ 1991 ኣበጋግሳና ኢዩ ነይሩ። ንሱ ከኣ ኣካል ናይቲ ቅድም ዝጸንሔ "ዕዉት ንኹሉ ስልጣን ይግብት" ዝብል ኣረዳድኣ ኢዩ። ሎሚ ንዝነበረ ኣግላሊ ስምዒትን ኣረዳድኣን ተቓሊስና ክንስዕሮን፡ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ክንፈጥርን ዓቢ ኣድላይነት ኣለዎ። ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ከም ዘሎ፡ ንሕና ከም ሰዲህኤ ሓደ ናይ ተቓውሞ ሃገራዊ ቻርተር ክህልወና ኣሎዎ ንብል። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት፡ ንውሱን ጊዜ ዝመርሕ ሓድነታዊ መንግስቲ ክቐውም፣ ከምኡ'ውን ንበደላት ኣጽኒዑ ፍትሒ ዝህብ፡ ዕርቂን ሰላምን ከኣ ዘስፍን መስርሕ ክኽፈት የድሊ። እዚ ብሕጂ ጀሚሩ ኣብ ሃገራዊ ውጥን ንዲሞራሲያዊ ለውጢ ክሰፍር ኣሎዎ።
መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ
ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ፡ ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ብሰነ 2009 ኣብ ሓደ ሓባራዊ መሰጋገሪ ውጥን (transition plan) ብምስምማዕ፡ ነቲ ንድፊ ኣብቲ ብሓምለ 2009 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ እተጸውዐ ዓውደ-መጽናዕቲ ከም ዝቐርብ ገይሮም። እንድጌና'ውን ክልቲኡ ሰልፍታት ንሰዲህኤ/EPDP ምስ ኣቖመ፡ ብየካቲት 2010 ነቲ ውጥን ከም ንድፊ መሪሕነት ኪዳን ክቕበሎ እሞ ሓደ ካብ ሰነዳት ሃገራዊ ዋዕላ ዝኾነሉ መንገዲ ክጽናዕ ሓቲቱ። (ብመሪሕነት ኪዳን ግን ከምኡ ኣይተገብረን።)
መራሒ መትከላት ናይ'ዚ እተጠቕሰ መሰጋገሪ ውጥን ሰዲህኤ፡ መንፈስ ሰላም፡ ፍትሒ ሰብኣዊ መሰላት ኣዕዚዙ ዝረኣየ ኢዩ። ኣንጻር ቂምን ፍድየተ-ሕነ ስጉምቲታትን ደው ዝበለን፡ ብድሌታት ህዝቢ ኤርትራ ዝተገዝኤን ኰይኑ፣ መሪሕ መትከላቱ ከኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሓቂታት ዝተመስረቱ ክኸውን ጠሊቡ ነይሩ፡-
- ነፍሲ ወከፍ ዜጋ፡ ኣብ ንመሰጋገሪ መስርሕ ዝምልከት ኩሉ መዳያዊ ምይይጣት ምሉእ ዕድል ተሳትፎ ክህልዎ ኣለዎ፣
- መስርሕ ምስግጋር ሕጋውን ሰላማውን ከም ዝኸውን ንዜጋታት ክረጋገጽ፣
- ናጽነትን መሬታዊ ሓድነትን ሃገርና ብጽኑዕ ምውሓሱ፡
- ዕድመ መስርሕ ምስግጋር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ይውሰን።
እቲ ውጥን ኣብዚ ቀጺሉ ዝጥቀስ ኣብ ክልተ መድረኻት እተመቕለ ቅርጻን ዕማማትን ዝሓዘ ክኸውን ኢዩ ተደልዩ ነይሩ፡-
- ኣብ ወጻኢ ዝጋባእ ዋዕላ፡ ሃገራዊ ቻርተር ኤርትራ ኣብ ግብሪ ከውዕል ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ) ዝመርጽን ሓላፍነት ዝህብን ኣካል ኢዩ። ሃገራዊ ቻርተር ብተሳተፍቲ ቀዳማይ ዋዕላ፡ ነቲ ዝተበጽሐ መሰረታዊ ስምምዕ ዘነጽር፡ ናይ መወዳእታ ሰነድ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ኢዩ።
- ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት (ሃቤሽ)፡ ብመሰረት ብዋዕላ ዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ ሃቤሽ፡ ኣብ መስርሕ መድረኽ ቅድመ-ምስግጋር ዝለዓለ ስልጣን ዝህልዎ ኣካል ኢዩ።
- ፈጻሚ ሽማግለ (ፈሽ)፡ ብሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ዝምዘዝ (ዝቐውም) ኣካል ኮይኑ፡ እዚ ካብ ምዝዛም ቀዳማይ ዋዕላ ኣትሒዙ ክሳዕ ካልኣይ ዋዕላ፡ ነቲ ብቤት ምኽሪ ሃገራዊ ሽማግለ ዝወጸ መምርሒታት ናይ መዓልታዊ ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ኣለዎ።
- መሰጋገሪ ባይቶ (መባ)፡ ህሉው ስርዓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ፡ ኣብቲ ብምትሕብባርን ምምኽኻርን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ቦርድን ዝውደብ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ዝቐውም ፡ መሰጋገሪ ባይቶ ኤርትራ ኢዩ።
- መሰጋገሪ መንግስቲ (መመ)፡ ክሳብ ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ዝቖሙ፡ ሃገር ንምምሕዳር፡ ብመሰጋገሪ ባይቶ ዝቐውም መሰጋገሪ መንግስቲ ኢዩ።
ቀዳማይ መድረኽ
ቅድመ-ምስግጋር (ቅድመ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ) ዝግበር ዋዕላ፡-
-
ቻርተር ቅድመ-ምስግጋር የጽድቕ፣
-
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይመርጽ፣
-
ዕድመ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት ይውስን፣
-
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝምርሓሉ ሕግታትን ቅጥዕታትን ይሕንጽጽ፣
-
ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዝዓለመ ፖሊሲታትን መደባትን ይሕንጽጽ
ካልኣይ መድረኽ
ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ሃገራዊ ምኽሪ ሽማግለታትን ፈጻሚ ኣካሉን (ከም ኲነታቱ፡ ምስ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓይሊታት ብምርድዳእ) ነቲ ስርዓት ክትክኡን ንካልኣይ ዋዕላ ክጽውዑን እሞ እቲ ዋዕላ ከኣ ነዚ ዕማማት ከማልእ፡-
- ምቛም ኣብ እዋን መሰጋገሪ መድረኽ ናይ ሓጋጊነት ዝለዓለ ስልጣን ንዝህልዎ መሰጋገሪ ባይቶ።
- ኣብ እዋን ምስግጋር፡ ናይ ሃገርና ሰላም፡ ርግኣትን ሃገራዊ ጸጥታን ዝዕቀበሉ ኣገባብ።
- ቀዋሚ ቅዋም ሃገር ምኽላስን ከመይነት ኣገባብ ምጽዳቑን።
- ምስረታ፡ ዕማማትን፡ ስልጣንን፡ መስጋገሪ መንግስቲ።
- ሃገራዊ ምርጫን ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፣ ምንዳፍን ምጽዳቕን ንዕኦም ዝምልከቱ ሕጊታትን።
- ምጽዳቕ ሃገራዊ ቻርተር።
- ምዝታይን ምጽዳቕን መሰጋገሪ ቅዋም።
- ተወሰኽቲ፡ ከም ሃገራዊ ቁጠባ፡ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ጉዳይ ዳግመ ውደባ ሰራዊት፣ … ወዘተ ዝኣመሰሉ ነጥቢታት።
(ምሉእ ትሕዝቶ መሰጋገሪ ውጥን ኤርትራ ኣብ ሓርነት.ኦርግ ርኤ።)
[i] ጉዳይ መራሕ ሃገረ በኒን (ማቲዩ ከረኩ - Mathieu Kerekou) ሓደ ኣብነት ናይ ብመራሒ እተጀመረ ዕዉት ናይ ፖለቲካዊ ምስግጋር ኣብ ኣፍሪቃ ኢዩ። ብ1989፡ ከረኩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ተጽዕኖታት ምስ ርኣየ ነቲ ሒዝዎ ዝጸንሔ ማርክሳዊ ፓለቲካ ገዲፉ ንሃገራዊ ዘተን ኣብዝሓ ሰልፍታትን ዋዕላን ጸዊዑ። እቲ ጸሊእዎ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣብ ኣኼባታት ከም ዝዋረድ ገይሩዎ፣ ከረኩ ንዝገበሮ ጌጋታት ምሕረት ክግበረሉ ሓቲቱ፣ ተዋሂቡዎ። ኣብ መወዳእታ ግን ብምርጫ ተሳዒሩ።
[ii] ቺለ ኣብ መንጎ 1973ን 1990ን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኣጉስቲኖ ፒኖቸ ኢያ ነይራ። ዓቢ ክፋል ህዝባ እተማህረን፡ ንነዊህ ጊዜ ተሞክሮ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝነበሮን እኳ እንተኾነ፡ እቲ ንምስግጋር ዘካየድዎ ቃልሲ ኣብ ገለ ሸነኻቱ ንኤርትራ ዝጠቅም ትምህርቲ ክህብ ዝኽእል ኢዩ። 1. ንኣብነት፡ ከምቲ ንሕና ሎሚ ዘሎናዮ፡ ደንበ ተቓውሞ ቺለ እውን ብፍልልያት ይሳቐ ነይሩ ኢዩ። ካብ 1984 ጀሚሮም ግን ኣብ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ዘተ መኣድታት ክራኸቡ ጀሚሮም። እዚ እተደጋገመ ዓውደ-መጽናዕትታትን ኣኼባታትን ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ ኩሎም እተሰማምዑሉ ናይ ምስግጋር ውጥን ከብጽሑ ክኢሎም። 2. ናቶም መሰጋገሪ ውጥን (ከም ኲነታቶም) ኣብ ሕጊ እተመስረተ ክኸውን ተሰማሚዖም። በዚ መሰረት ከም ሜላ ነቲ ቅዋም ናይ መላኺ ፒኖቸ ተቐቢሎም ብእኡ ክቃለሱዎ መዲቦም። ኣብ ርእስቲ ዘሎ ቅዋም ከኣ ናይ መጻኢ ምምሕያሻትን ቅርጻ መንግስትን (ንጽገና) ነዲፎም። ፒኖቸ ሕጋዊ ምስርሕ ስለዝኾነ ክነጽጎ ኣይከኣለን። በብቚሩብ ግን ኲነታት ምልኪ እናጸበበ ከይዱ። 3. መለኽቲ ገለ ቅጥዕታትን ሕግታትን ናቶም ሰዓብትን ኣስሊኾም ስልጣኖም ከቐጽሉ ከም ዝቃለሱ ርዱእ ኢዩ፣ ደንበ ለውጢ ቺለ ከኣ ነዚ ነቒሖምሉ ጸኒሖምን ተቓሊሶምዎን። 4. ዲሞክራሲ ርግኣትን ሰላምን ከምጽእ ኣሎዎ። ድሕሪ ውድቀት መለኽቲ ሕንፍሽፍስ ከምዘይፍጠር ንህዝቢ ከተዕግቦ ይህልወካ፣ እንተዘየሎ ምስቲ መላኺ ኢዩ ዝጽጋዕ፣ ኣይስዕበካን። (ኣብ ኤርትራ'ውን ዝሓለፈ ናይ 54 ዓመታት ውግን ወረ ውግእን ከምዘይቅጽል እቲ ተቓውሞና ንህዝቢ ከርኢ ይህልዎ።) 5. ድሕሪ ውድቀት መላኺ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ምዕባለ ለውጢ ከተርኢ ምቅልጣፍ። 6. ዲሞክርዊ ሰላምን ቅሳነትን ራህውን ጥራይ ዘይኮነ ፍትሒ፡ ግዝኣተ ሕግን፡ ተሳትፎን እውን ኢዩ። ናይ ሕሉፍ ጊዜ ገበናት ሓቅነቱ ክግለጽ ኣለዎ። ገበናት ዝምርምርን ንግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ፍትሒ ዝህብን ብሓቂ ዝሰርሕ ትካላት/ኣገባባት (effective mechanisms) ክህሉ ይግባእ። ተቓውሞ ቺለ ነዚ ኩሉ ነጥብታት ድሕሪ ውድቀት ምልኪ ፒኖቸ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ተቓሊሶም።