ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ናይ 2016 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዕለት 10.01.2016 ኣካይዱ

2016-01-13 12:35:51 Written by  ሽማግለ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን Published in EPDP News Read 2324 times

ኣኼባ ብዕለት 10.01.2016 ሰዓት 01፡00 ድ.ቀ. ብኣቦ መንበር ጨንፈር ኣቶ ታደሰ ኣስመላሽ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን ዘቕረቦ ሰናይ ምንዮትን ትጽቢትን እዩ ተኸፊቱ፡ ሰዓት 16፡00 ድ.ቀ. ድማ ተደምዲሙ። ድሕርዚ ናይቲ ኣኼባ ነጥበ ዝርርብ፡

  • እዋናዊ ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤

  • ሓጺር ጸብጻብ ናይ 2015 ስራሓት ጨንፈር፤

  • ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ጨንፈር ሓድሽ ኣሰራርሓ ምትእትታውን ዲሲፕሊን ሰልፊ ምጽናዕን ዝብሉ ምዃኖም እውን ኣብሪሁ።

    ኣኼባ ጨንፈርና ዓመተ-2015 ተዛዚሙ 2016 ዝጅምረሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ንጥፈታትና ክንመዝንን ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ሓድሽ ከነተኣታትዎ ዘሎና ኣሰራርሓ ክህሉን ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንዝጸኑሑና ኣወንታዊ ስራሓት ዝያዳ ንምምዕባሎም ስለዝሕግዝን፡ ንዘይዓመምናዮም ስራሓት ድማ ምኽንያታቶም ኣለሊና፡ ክንገትሞም ስለግባኣና። በዚ ከኣ እዋናዊ ሓበሬታታት ድሕሪ ምልውዋጥ፥ ብሽማግለ ጨንፈር ናይ 2015 ንጥፈታት ጨንፈርና ሓጺር ጸብጻብ ቀሪቡ። ዝሓለፈ ዓመት 2015 2ይ ሰልፋዊ ጉባአናን ዓመታዊ ፈስቲቫልናን ተኸታቲሎም ዝተኻየዱላ ዓመት‘ያ ኔራ። ኩሉ ኣባል ጨንፈርና‘ውን ነቲ ፈስቲቫል ዕዉት ንምግባር ብዝከኣሎ ዓቕሙ ከም እተቓለሰ ብምምጓስ ንዝመጽእ ዓመት‘ውን ከምኡ ብተወፋይነት ክሰርሕ ከም ዘሎዎ ሓሳባት ቀሪቡ።

ብፍላይ ብስፍሕ ዝበለ ኣኼበኛ ዝተዘራረበሉ ድማ፡ ብዛዕባዚ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተበየነሉ እገዳ ንምምላጥን፤ ነቲ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ብሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኤርትራ ልምዓታዊ ስራሓት ብምክያድ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ክንኪ እኽእል‘ዩ ብዝብል ስርዓት ህግደፍ ዘቕረቦ ናይ ሓሶት ምኽንያት ተደናጊሮም፡ 200 ሚልዮን ኦይሮ ክልግሱሉ መዲቦሞ ዘለዉ ገንዘብ ከየምልጦን፤ ኣብ ብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝርከቡሉ ሃገራት መጋበርያታቱ ኣዋፊሩ፤ ምኽንያት መስደዲና ናይ ቍጠባ ሽግር እዩ እምበር ፖለቲካዊ ኣይኮነን፡ ኣብ ሃገርና‘ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል የለን፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎት‘ውን ብድልየትና ኢና ንኸይድ ኔርና፡ ኢልኩም ፈርሙለይ እናበለ፡ ንብዙሓት ከገድድን ከደናግርን እርአ ምህላዉ እዩ። ኣባላት ሰልፊ ብፍላይ መንእሰያት፡ ገለ ካብቲ ህግደፍ ስርሐይ ኢሉ ተተሓሒዙዎን ዝዋፈረሉ ዘሎን ነጥብታት ብምጥቃስ፥ እዚ ኣረጊት ሜላ ናይ ህግደፍ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ዝደናገር ሰብ ከም ዘየሎ እዮም ርእይቶታቶም ኣቒቦም። እዚ ህግደፍ ተዋፊሩሉ ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ጎስጓስ ድማ ከም ዝተሳዕረ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኩላትና ፍርሒ ኣወጊድና፡ ንስርዓት ህግዲፍ ትንፋስ ከይሃብናዮ፡ ክሳብ ዝኾነ መስዋእቲ‘ውን ዝኽፈሎ ይኹን በርቲዕና ክንቃለሶ ኣሎና ብዝብሉን፡ ካልእ ኣገዳሲ ሓሳባትን ለበዋታትን ብምትሕልላፍ፤ ኣኼባ ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ብዝክረ-ሰማእታት ተዛዚሙ።

ሽማግለ ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን

13.01.2015

Last modified on Wednesday, 13 January 2016 13:39