ጋዜጣዊ መግለጺ

2016-01-15 12:22:29 Written by  ፈጻሚ ሽማገለ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ Published in EPDP News Read 2719 times

”ተመላኺዑ ብዝቐርብ ጻውዒት ህግደፍ ኣይንደናገር”

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ11 ጥሪ 2016 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ፍሉይ ኣኼባኡ: ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮ ልሙድን ነውራምን ናይ ምትላል ተግባራቱ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ነዚ ናይ ሕጂ ”መኸተ ኩሉ ሃገራውን ሃገራውያን ማሕበራትን ምጽሓፍ ደብዳቤታት ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታት ጠቐነታት መርማሪ ኮምሽን ኩነታት ስብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምቅላዕ” ዝብል ንሓቂ ብሓሶት: ንጸልማ ብብርሃን: ንሞት ብህይወት ዝገልጽ ኰኒኑ። ስርዓት ህግደፍ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከምዘየለ ንወጻእተኛታት ንኸእምን ብመርበብ ስለያታቱን ኣዳኸርቱን ኣቢሉ ንዜጋታት ብምፍርራሕ ንዝገብሮ ዘሎ ጽዩፍ፡ ዓማጽን ፉንፉንን ማፍያዊ ተግባራቱ ንሕመቑ ክኸውል ዝገብሮ ዘሎ ከንቱ ፈተነ ደኣ’ምበር ምስ ሓቅነት ዝዀነ ይኹን ዝምድና ከምዘይብሉ ፈጻሚ ሽማግለ ሰደህኤ መዚኑ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ግምጡል ሚዛንን ኣፍራስን ወፈራን: ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምልካዊ ወንበሩ ክሳብ ዘሎ ዝቕጽል ምዃኑ ርዱእ እዩ። እንተኾነ: ነዚ ናይ ሕጂ ናይቲ ጉጅለ ፖለቲካዊ ብድዐን ኣሳሰይቱ ዝገብርዎ ዘለዉ ላዕልን ታሕትን ሃስያኡ ብምርዳእ ፈጻሚ ሽማግለ ሰደህኤ ኣትሪሩ ኮኒንዎ። ብሓፈሻ ኤርትራውያን በዚ ሓቀኛ መርዛም ትሕዝቶኡ ሓቢኡ ተመላኺዑ ዝቐርብ ዘሎ መታለሊ ህግደፋዊ መጸዋዕታ ከይዕሸዉ ፈጻሚ ሽማግለ ኣትሪሩ ይጽውዕ። ብፍላይ ከኣ እቶም ካብ ገሃነብ ምምሕዳር ህግደፍ ወጺኦም ኣብ ዝተፋላለያ ክፍሊ ዓለማት ፖለቲካዊ ዑቚባ ዝሓቱን ሓቲቶም ፍቓድ ዝረኸቡን ኤርትራውያን: ኣብዚ መንፈንጠራ ጉጅለ ህግደፍ ኣትዮም መጻኢ መንባብሮኦም ኣባልሽዮም፡ ንኻልኦት ፖለቲካዊ ዑቚባ ዝሓቱ ሕጋዊ ዕንቅፋት ከይኮኑ ቅድሚ ናብ ጥፍኣት ምስጓሞም ክልተ ግዜ ክሓስቡ ነዘኻኽሮም።

ብሓፈሻ መላእ ደላይ ፍትሒ ህዝብናን ፈተውቲ ህዝብና ወገናትን ኣንጻርዚ ናይ ጥፍኣት ወፈራ ጉጅለ ህግደፍ ንክስለፉ፡ ብእንጻሩ ምስቲ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝምርምር ዘሎ ኮሚሽን ክተሓባበሩን በዚ ኣጋጣሚ ፈጻሚት ሽማግለ ሰደህኤ ጻዊዒቱ የቕርብ።

ፈጻሚ ሽማገለ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

15 ጥሪ 2016

Last modified on Friday, 15 January 2016 15:52