ክተባባዕ ዝግበኦ ቅዱስ ተበግሶ
2016-02-20 07:53:30 Written by ካብ ኣባላት መደበር ው/ሓርነት ከሰላ Published in EPDP News Read 2219 timesናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን መደበር ውጉኣት ሓርነት ''ከሰላ-ሱዳን''
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲዶም ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ፓልቶክ ብዝገበርዎ ምርድዳ ንዓና ነዞም ምእንቲ ነጻነት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝሰንከልና፣ ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ተጠርኒፍና ፣ ብሓልዮት ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን እንነብር ኣባላት ክሕግዙ ሃገራዊ ግቡኦም ምኻኑ ኣስሚሮምሉ። ካብዚ ተበጊሶም ከኣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን በዓላት ልደትን ናይ ገንዘብ ወፈያታት ብምግባር ፣ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድና ከምዝበጽሕ ጌሮም። እዚ ቅዱሽ ዕላምዚ ካብ ሓድሽ ወለዶ መንእሰያትና ብናቶም ተበግሶ ምብጋሱን ንርሑቕ ዝጠመተን ናይ መንእሰያትና ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን። በዚ ሰናይ ኣጋጣሚ እዚ ከኣ ንኹሎም ነቶም ኣብዚ ሓልዮት ዝመልኦ ኢዶም ዝሓወሱ ኣብ ስደት ዝርከቡ መንእሰያት ምስጋናና ይብጻሓዮም። እዚ ሰናይ ተበግሶ'ዚ ማዕቢሉ ንዓና ነዞም ውሱናት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሓት ከማና ስንኩላት ኣለይቲ ዘይብሎም ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ዝነብሩ ዘለው ክሕገዝሉ ዝኽእልሉ ኣገባብ ክፍጠር ተስፋና ወሰን የብሉን።
ክቡራት ኣሕዋት ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ'' ከምዝበሃል፣ ነዚ ዝገበርኩሞ ናይ ገንዘብ ወፈያ ዝርዝር ኣብ ዎብ ሳይት ክንዝርግሖ መሪጽና ኣሎና። እንተኾነ ልክዕ ኣስማትኩምን ምሉእ ኣድራሻኹምን ሰለዘይብልና በታ ዝተዋሃብና ኣገባብ ጌርና ንሰዳ ኣሎና። ማለት ብዙሓት መንእሰያት ናይ ብዙሓት መንእሰያት ጠርኒፎም ዝሰደዱ ኣለው። ገለውን ናይ ውልቖም ባዕሎም ዝሰደዱ ኣለው። ገሊኡ ኣስማትውን ናይ ፓልቶክ ኣስማት ጥራይ ኢዩ። ኣይትሓዙልና ብኸምኡ ተመዝጊቡ ስለዝመጸና ኢዩ።
እዚ ዝስዕብ ናይቲ ንኣባላት መደበር ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ '' ከሰላ-ሱዳን'' ተባሂሉ ዝተገብረ ወፈያ ዝርዝር ኢዩ።
ታራ.ቁ | ምሉእ ስም ሰዳዲ ገንዘብ | ስም ፓልቶክ | ብዶላር ወይ ዮሮ ገሊኡ ብግምት | ሸርፊ ብጅኔ ሱዳን | ቁጽሪ ሰነድ ቅብሊት | ዝተሰደደሉ ሃገር |
1 | የዕብዮ ዳኒኤል | ኣባርቆ 1 | 50 ዮሮ | 332 | 1181 | ሆላንድ |
2 | ሚልዮን | ሚሊ 12 | 100 ዶላር | 1140 | 1183 | እስራኤል |
3 | ተስፎም ዓንደማርያም | 425 | 1182 | ሰዊዝ | ||
4 | ኣማኒኤል - | ኣበይ ኣሎ | 100 ዶላር | 950 | 1184 | እስራኤል |
5 | ገላባ 2 | 50 ዶላር | 570 | 1185 | እስራኤል | |
6 | ሰላም 5 | 50 ዶላር | 570 | 1186 | እስራኤል | |
7 | ዮውሃንስ ኣብረሃ | ጆን ብላኽ | 50 ዮሮ | 304 | 1187 | ሆላንድ |
8 | ደንደን ዔላ | 50ዮሮ | 304 | 1188 | ሆላንድ | |
9 | ከበሳ ቆላ | 50ዮሮ | 304 | 1189 | ሆላንድ | |
10 | ሓይልኣብ ምላሽ | ጎሚዳ | 3300 | 1190 | ሸወደን | |
11 | ፈዳይ ሕነ | 1100 | 1191 | |||
13 | ኣሰፋው ገ/ኪዳን | ሓዊ ለይቶ | 30.000 | 1192 | ዓዲ እንድሊዝ | |
14 | ትርሓስ ወልዱ | 750 | 1193 | |||
15 | መሓመድ ኣደም | ሓልሓል | 6660 | 1194 | ኖርወይ | |
16 | ኣብራሃም ብርሃነ | 900 | 1195 | |||
ድምር | 47.609 |
እዚ ዝርዝር ናይቲ ቀጥታ ኣብ ኢድና ዝበጽሓ ኮይኑ ኣብ ሕሳብ ባንኪ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከብ ብመገድኹም ኣታዊ ዝገበሩ ከምዘለው ድሮ ሓበረታ በጺሑና ኣሎ። ምስጋናና ይብጻሓዮም።
በዚ ሰናይ ኣጋጣሚ'ዚ ተጠቒምና ከኣ ንኹሎም እቶም ኣብ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ተጠርኒፎም ወርሓዊ ክፍሊት እንዳኸፈሉ ይኹን ናይ ድራር ምሽታት ብምድላው ገንዘብ ብምእካብ ከይተሓለሉ ዓመታዊ ባጀትና ዘዳልው ልኡል ምስጋናን ክብርን ንዖኦን ይኹን ንብል።(ንኽልቲኡ ጾታ የማልእ።)
ካብ ኣባላት መደበር ው/ሓርነት ከሰላ