ክተባባዕ ዝግበኦ ቅዱስ ተበግሶ

2016-02-20 07:53:30 Written by  ካብ ኣባላት መደበር ው/ሓርነት ከሰላ Published in EPDP News Read 2219 times

         ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን መደበር ውጉኣት ሓርነት ''ከሰላ-ሱዳን''

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲዶም ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ፓልቶክ ብዝገበርዎ ምርድዳ ንዓና ነዞም ምእንቲ ነጻነት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝሰንከልና፣ ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ተጠርኒፍና ፣ ብሓልዮት ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን እንነብር ኣባላት ክሕግዙ ሃገራዊ ግቡኦም ምኻኑ ኣስሚሮምሉ። ካብዚ ተበጊሶም ከኣ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን በዓላት ልደትን ናይ ገንዘብ ወፈያታት ብምግባር ፣ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድና ከምዝበጽሕ ጌሮም። እዚ ቅዱሽ ዕላምዚ ካብ ሓድሽ ወለዶ መንእሰያትና ብናቶም ተበግሶ ምብጋሱን ንርሑቕ ዝጠመተን ናይ መንእሰያትና ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ዘትእ ኣይኮነን። በዚ ሰናይ ኣጋጣሚ እዚ ከኣ ንኹሎም ነቶም ኣብዚ ሓልዮት ዝመልኦ ኢዶም ዝሓወሱ ኣብ ስደት ዝርከቡ መንእሰያት ምስጋናና ይብጻሓዮም። እዚ ሰናይ ተበግሶ'ዚ ማዕቢሉ ንዓና ነዞም ውሱናት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሓት ከማና ስንኩላት ኣለይቲ ዘይብሎም ኣብ ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ዝነብሩ ዘለው ክሕገዝሉ ዝኽእልሉ ኣገባብ ክፍጠር ተስፋና ወሰን የብሉን።

ክቡራት ኣሕዋት ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ'' ከምዝበሃል፣ ነዚ ዝገበርኩሞ ናይ ገንዘብ ወፈያ ዝርዝር ኣ ሳይት ክንዝርግሖ መሪጽና ኣሎና። እንተኾነ ልክዕ ኣስማትኩምን ምሉእ ኣድራሻኹምን ሰለዘይብልና በታ ዝተዋሃብና ኣገባብ ጌርና ንሰዳ ኣሎና። ማለት ብዙሓት መንእሰያት ናይ ብዙሓት መንእሰያት ጠርኒፎም ዝሰደዱ ኣለው። ገለውን ናይ ውልቖም ባዕሎም ዝሰደዱ ኣለው። ገሊኡ ኣስማትውን ናይ ፓልቶክ ኣስማት ጥራይ ኢዩ። ኣይትሓዙልና ብኸምኡ ተመዝጊቡ ስለዝመጸና ኢዩ።

እዚ ዝስዕብ ናይቲ ንኣባላት መደበር ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ '' ከሰላ-ሱዳን'' ተባሂሉ ዝተገብረ ወፈያ ዝርዝር ኢዩ።

ታራ.ቁ ምሉእ ስም ሰዳዲ ገንዘብ ስም ፓልቶክ ብዶላር ወይ ዮሮ ገሊኡ ብግምት ሸርፊ ብጅኔ ሱዳን ቁጽሪ ሰነድ ቅብሊት ዝተሰደደሉ ሃገር
1 የዕብዮ ዳኒኤል ኣባርቆ 1 50 ዮሮ 332 1181 ሆላንድ
2 ሚልዮን ሚሊ 12 100 ዶ 1140 1183 እስራኤል
3 ተስፎም ዓንደማርያም     425 1182 ሰዊዝ
4 ኣማኒኤል     - ኣበይ ኣሎ 100 ዶላር 950 1184 እስራኤል
5   ገላባ 2 50 ዶላር 570 1185 እስራኤል
6   ሰላም 5 50 ዶላር 570 1186 እስራኤል
7 ዮውሃንስ ኣብረሃ ጆን ብላኽ 50 ዮሮ 304 1187 ሆላንድ
8   ደንደን ዔላ 50ዮሮ 304 1188 ሆላንድ
9   ከበሳ ቆላ 50ዮሮ 304 1189 ሆላንድ
10 ሓይልኣብ ምላሽ ጎሚዳ   3300 1190 ሸወደን
11   ፈዳይ ሕነ   1100 1191  
13 ኣሰፋው ገ/ኪዳን ሓዊ ለይቶ   30.000 1192 ዓዲ እንድሊዝ
14 ትርሓስ ወልዱ     750 1193  
15 መሓመድ ኣደም ሓልሓል   6660 1194 ኖርወይ
16 ኣብራሃም ብርሃነ     900 1195  
      ድምር 47.609    

እዚ ዝርዝር ናይቲ ቀጥታ ኣብ ኢድና ዝበጽሓ ኮይኑ ኣብ ሕሳብ ባንኪ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከብ ብመገድኹም ኣታዊ ዝገበሩ ከምዘለው ድሮ ሓበረታ በጺሑና ኣሎ። ምስጋናና ይብጻሓዮም።

በዚ ሰናይ ኣጋጣሚ'ዚ ተጠቒምና ከኣ ንኹሎም እቶም ኣብ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ተጠርኒፎም ወርሓዊ ክፍሊት እንዳኸፈሉ ይኹን ናይ ድራር ምሽታት ብምድላው ገንዘብ ብምእካብ ከይተሓለሉ ዓመታዊ ባጀትና ዘዳልው ልኡል ምስጋናን ክብርን ንዖኦን ይኹን ንብል።(ንኽልቲኡ ጾታ የማልእ።)

ካብ ኣባላት መደበር ው/ሓርነት ከሰላ


Last modified on Saturday, 20 February 2016 09:06