ኣኼባ ጀነቫ ሰብእውነት ኣብ ከም ኤርትራ ዘሎ ጸገማት መሰረታዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ
2016-02-20 12:01:36 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2465 timesኣብ 18 ለካቲት 2016 መበል 21 ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስ ሰብኣውነት ኣብ ጀነቫ ተኸፊቱ። ኣብዚ ኮንፈረንስ ዝቐረቡ ኣገደስቲ መደረታት፡ ኣብዚ እዋንዚ ጸገማት ምዝርዛር ጥራይ ፍታሕ ከምዘየምጽእን፡ ኣብ ክንድኡ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ኣብተን ውግእን ፖለቲካዊ ጭቆናን ሳዕሪሩለን ዘሎ 33 ሃገራት ኣብ መሰረታዊ ጠንቂ ናይቲ ጸገም ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝግበኦ ጸዊዑ።
ናይ ዓለም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዳይረክተር ኣቶ የቨስ ዳኮርድ ኣብ’ዚ ኮንፈረንስ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፡ ዝኾነ ኣካል እዚ ኣብ ከም ስርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝፍጸም ዘሎ በደል ክጻወር ከም ዘየብሉን፡ ሕብረሰብ ዓለም ግቡእ ቆላሕታ ክህቦን ኣብቲ መሰረታዊ ምኽንያታት ናይቲ ጸገም ፍታሕ ንምምጻእ ስጉምቲ ክወስድን ጸዊዖም። ብዘይካዚ ክሳብ እቲ ጸገም ዘጋጥም ከይተጸበኻ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ምውሳድ ከም ዝግባእ ተቒሶም።
እዚ ኣብ ጀነቫ ብካምፓስ ዩኒቨርሲቲ ወብስተር ዝተወደበን “ጠመተ ናብ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መገባእያ” ዝብል ጭረሖ ዘልዓለን ናይ 2 መዓልታት መበል 21 ዓለምለኻዊ ሰብኣውነት ኮንፈረንስ፡ ዕላምኡ ናይቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጉንበት 2016 ኣብ ቱርኪ ኢስታንቡል ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ፡ ዓለም ለኻዊ መገባእያ ኣጀንዳ ንምድህሳስን ንቕድሚት ዘሰጉም ናይ ውሳነ ሓሳባት ንምቕራብን እዩ።
ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ)፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ኣብ ዝረኸቦ ዕድል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ዲክታቶር ዝተፈቕደ ሚሊዮናት ዩሪ፡ ኣካል ናይቲ ብኤውሮጳ ተታሒዙ ዘሎ ዘይቅርዑይ መርገጽ ምዃኑ ነቲ ኮንፈረንስ ኣዘኻኺሩ። ቀጺሉ ድማ እዚ ግጉይ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዲክታቶራት’ዚ ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ መጋባእያ ኢስታንቡል ክዝረበሉ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ጀነቫ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ኮንፈርንስ ንክኢላታት፡ ምሁራት፡ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሮም ዓለምለኻዊ ማሕበራት፡ ካለኦት ሓለፍትን ወከልቲ በርገሳዊ ማሕበራትን ብሓባር ኮይኖም ብዛዕባ ህልውን መጻኢን ብደሆታት ዝዛተይሉ ኩንታት ንምፍጣር ብ1995 ዝተመስረተ እዩ።
መሰረታዊ ዕላማ ናይዚ ኮንፈርንስ፡ 1፡ ምቕዓት ናይቶም ዝውሰዱ ሰብኣዊ ስጉምትታት ምምሕያሽ፡ 2፡ ኣሉታዊ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛታት ምንካይ፡ 3፡ ኣብ ሰብእዊ ጉዳያት ምስግጋርን ምምሕያሽን ምትእትታው፡ 4፡ ኣብ ጐንጽታት ዘለዎ ከባቢ ናይ ህዝቢ ድሌት ምምላእን ስረሓት ሓለዋ ምክያድን፡ 5፡ ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ትካላትን ካለኦት ዝምልከቶም ናይ ምትሕብባር ኣገባባትን ምንዳይ። ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጠር ራዕድን ዘይምርድዳእን ዝውገደሉ ኣገባብ ምምዕባል። ዝብሉ ዘጠቓለለ እዩ።