ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2016 ፍራንክፎርት

2016-02-20 12:12:22 Written by  ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ፍራክፎርት 2016 Published in EPDP News Read 2621 times

EDA Arma

ምልክታ

 

ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨንናፍር ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤትራ 2016 ምስንዳኣት ጀሚሩ። ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን እዩ፡ ካብ ዕለት 12-14 ነሓሰ 2016 ( 12 - 14.08.2016) ዘሎ ግዜ ንኽካየድ፡ድሮ ኣሳናኢት ሽማገለ በዓል ተመዚዛ ስራሓታ ጀሚራ ዘላ። እዚ ታሪኻዊ ሰፊሕ በዓልዚ፡ ጀርመናውያን ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን በርጌሳውያን ማሕበራቱን ምስ ተሳታፊ በዓል ዝኾነ ህዝቢ ኣራኺቡ፡ ዓውደ ልዝብን ሕድሕዳዊ ናይ ሓሳባት ምርድዳኣን ምልውዋጥን ዝፈጥር መኣዲ እዩ።

ስለዚ ድማ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝጽዕቱ ኣካላት ኣብዚ ካብ ዕለት 12 ክሳብ 14 ነሓሰ 2016 ዝውዕል ሰፊሕ  በዓል ኤርትራ ንኽሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።ኣ ሳናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ነዚ ዕድመ'ከቕርብ እንከሎ፡ናይ ምድላው ሓላፍነት ከምዝወሰደ የመልክት ምህላዉ እንተዘይኰይኑ፡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራልና ውጹዓት ዜጋታት ብፍላይ፡ንሰላምን ዕብየትን ዝሓልሙን ዝተግሁን መሓዙት ህዝብናን ዝምልከት እምበር፡ ዝኾነ ይኹን ሓለፋታት ስለዘለዎ ኣይኰነን። በዚ ኸኣ፡ ነቲ ጉዳይ ካብ ናተይ ትካ ወጺና፡ ኣብ ቀንዲ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ረጊጽና፡ ብዙሕነት ውዳቤታትናን ብዘየገድስ ንሓባራዊ ዓወት ሰፊሕ በዓል ሓላፍነት ክንብገስ ብኽብሪ ነዘኻኽር።

መደባት ሰፊሕ በዓል/ፈስቲቫል 2016 ዝካየደሉ ቦታን ኣብ ዝስዕብ ክሕበር እዩ።

ብስኒትን ሓባራዊ ስራሕን ክንዕወት ኢና !!!

ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ፍራክፎርት 2016

20.02.2016

Last modified on Saturday, 20 February 2016 13:32