ናይ ሓዘን መልእኽቲ ናብ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን (ማደሰ) ብምኽንያት ዕረፍቲ ቻንስለር ሀልሙት ሽሚት
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ብምኽንያት ዕረፍቲ ላዕለዋይ ኣባል ናይ ጀርመን ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፊን ናይ ቀደም ቻንስለርን ሀልሞት ስቸሚድ ብዝምልከት ናብቲ ሰልፊ መልእኽቲ ሰዲዱ። ንሱ ኣብዚ ሰደህኤ መልእኽቱ ናይቲ ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናብ ኣቦመንበር ማሕበራዊ ደሞራሲያዊ ሰልፊ ኣቶ ሲግማር ጋብሪኤል ናይ ዝለኣኾ መልእኽቲ ቅዳሕ ናብ ኣቶ ማርክ ስተይንሜር ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኣቶ ኮንስታንቲን ዎይኖፍ ኣተሓባባሪ ገስጋሲ ምሕዝነትን ቅደሓት ሰዲዱ። ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክልቲኦም መስረቲ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት እዮም። ኣብዚ መልእኽቲ ናይቶም ቻንስለር ግደ ኣብቲ ሰልፊ ፍልሉይን ዘኹርዕን ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
ኣቦ መንበር ሰደህኤ መልእክቱ ብምቕጻል ጀርመናዊ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍን፡ ካልኦት ኣብ ዓለም ዝርከቡ ኣዕርኽቱ ንዓና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ወሲኽካ ንኣስተዋጸኦ እቶም ቻንስሎር፡ ንጀርመን ከም ዓባይ ናይ ቁጠባ ሃገር ብምህናጾምን ኣብነታዊ ብጽሒቶም ኣብ ኤውሮጳዊ ምትእስሳርን ክዝክርዎም ክነብሩ እዮም ኢሉ።
The former German Chancellor died on 10 November in his hometown of Hamburg at the age of 96. Helmut Schmidt, a chain smoker and lover of straight-talk, was from the center-left of the SPD and known for his reality-based politics.
እቶም ናይ ቀደም ጀርመናዊ ቻንስለር፡ ብ10 ሕዳር 2015 ኣብ መበል 86 ዓመት ዕድሚኦም እዮም ኣብ ከተማ ሆምበር፡ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ዓሪፎም። ሀልሞት ስችሚድት ብብዝሒ ሽጋራ ዘትክኹን ኣብ ሓቂ ብዘትከለ ፖለቲከኦምን ዝፍለጡ እዮም ነይሮም።
ናይ ኤውሮጳዊ ፓርላማ ናይ ምድማጽ መድረኽ፡ መንግስቲ ኤርትራ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክረከብ ኣይግበኦን ኢሉ ደምዲሙ (ዝተኣረመ)
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤኩሎም ኣቶም ብ9 ሕዳር 2015 ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ጸብጻብ ናይ ምድማጽ መድረኽ ዝተሳተፉ ኣካላት እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ንልምዓት ተባሂሉ ክወሃብ ዝተሓስበ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክወሃቦ ኣይግባእን ዝብል ድምጾም ኣስሚዖም። ነዚ ዝሃብዎ ምኽንያት እቲ መንግስቲ ነዚ ገንዘብ ኣብቲ ዝተሓስበ ልምዓት ይኹን ኣብ ምውጋድ ሕሱም ሰብኣዊ መሰላት ከውዕሎ ኣይክእልን እዩ ዝብል እዩ።
ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ኣልቲየሮ ስፒነሊ ኣብ ዝበሃል ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ህንጻ ዝቀረበ ጸብጻብ፡ ናይ ምድማጽ ኣጋጣሚ፡ በቶም 9 ናይ መድርኽ ተሳተፍቲ ብዝቐረበ መግለጽን ተዛማዲ ናይ ቪድዮ ምርኢትን፡ ናይቲ መንግስቲ ኣዕናዊ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት፡ ገንዘብ ብምሃብ ከም ዘይቋረጽ ተገሊጹ።
ማርቲን ፕላውት ዝተባህለ ጋዜጠኛን ፍሉይ ተኸታታሊ ኣብ ኣፍሪቃን፡ ነቲ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ዝበሎ ኤርትራ፡ ህላወ ዘለዋ ሃገር ኣይኮነትን። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ድማ ፍሉይ ጸረ-ህዝብን ናይ ልምዓት መሓዛ ክኸውን ዘይክእልን እዩ ኢሉ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ንሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወኪሉ ዝተሳተፈ ኣቶ ወልደየኡስ ዓማር ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ነቲ ዝወደቐ ህልዊ ምምሕዳር ኤርትራ ኣፍልጦ ነፊጉ፡ ኣብ ክንድኡ፡ ብዘለዎ ዓቕሚ ናብ ናይ ስደተኛታት ዓቕሚ ምምዕባል ከድህብ ጸዊዑ።
.
ኣብ ኤርትራ ምክትል ሚኒስተር፡ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ብወገኑ፡ ሕብረት ኢውሮጳ፡ እቲ ንህግደፍ ክወሃብ ዝተሓስበ ገንዘብ፡ ናብቲ ዝተሓስበሉ መደባት ክይበጽሕ ከም ዘይግበኦ ገሊጹ፡ ሕብረት ኤሮጳ ገንዘቡ ተኣከበ እዩ ዝሕሾ ኢሉ።
ኣብ ብሪታንያ ቪድዮ ብዘዳሉ ባሮነስ ግለኒስን ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዘካርያስ ግርማን ዝተዳለወ ቪድዮ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሓርበኝነት ህዝቢ ኤርትራ ኣንጸባሪቑ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ቪድዮ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፎ ኣስካሕካሒ ተመኩሮን ነዚ ንምቕያር ዘድሊ ምሕዝነትን ዝምልክት ኣብሪሁ። ብዘይካዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት እትነጥፍ ሰላም ኪዳነን ደራሲ ደሳለ ኣብረሃምን ልዋም እስጢፋኖስን ካብ “ባርነት ኣብ ኤርትራ ይቑምን ተወከልቲ ዓለም ትድሓንን” ዝርከብዎም መደርቲ ብወገኖም፡ ኣገደስቲ መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም።

እዚ ብናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣማኻሪ ዝተወደበን ናይቲ ሕብረት ናይ ፓርላማ ኣባል ፈረንሳዊት ማሪየ ክርስቲያን ቫርጊያት ዝተመርሐ፡ ጸብጻብ ናይ ምድማጽ መድረኽ፡ ነቲ ንቕርኒ ኣፍሪቃ ዝጸልዎ ናይ ስደት ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ማልታ ዝኽፈት ዋዕላ ዝምልከት ሕሳባት ዘቕርቡ።
ኣብ መኽፈቲ እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ፓርሊያመታዊ ናይ ምድማጽ መድረኽ፡ ማሪየ ክርስቲያን ቫርጊያት ብዘየወላውል ኣገባብ፡ “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ኣብዛ ዓለም ዝኸፈአ ዲክታቶር እዩ” ኢለን። ቀጺለን ድማ እዚ ጉጅለ ነዚ ሕማቕ ተግባራቱ ንክቕጽሎ ዝሕገዘሉ ምኽንያት የለን ኢለን።
ኢጣልያዊ ኣባል ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳ ባርባራ ስፒነሊ ድማ፡ ኤውሮጳዊ ፖሊሲ ኣብ ምድሓን ህሉዋት ከተኩርን ናይቲ ጸገም ቀንዲ መሰረት ኣብ ምጽናዕ ክጽመድን መጸዋዕታ ቀሪቡ።.
ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ኮሚሽን ምሕጋዝ ዕቤት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ ሓላፊ ሃንስ ስትራውስቦል፡ እንተደኣ ተሰማሚዑ፡ ንኤርትራ ዝወሃብ ገንዘብ ኣንጻር ድኽነት ኣብ ዝግበር መኸተን ምርግጋእን እዩ ክውዕል ኢሎም።
ዳይረክቶር ኤውሮጳዊ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ኣማኻሪትን ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሶርን ኣማኻሪት ማሕበራዊ ሓላፍነትን፡ ዶ/ር ሚርያም ቫን ራይሰን ብወገነን ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ቀጻሊ መፍትሒ ንምርካብ ጻዕሪ ከዛይድ ጸዊዐን።
ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድማ ኤርትራውያን ምስ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ግብራዊ ኣገልግሎት ተራኺቦም ብዛዕባቲ ንመንግስት ኤርትራ ክወሃብ ተሓሲቡ ዘሎ 200 ሚሊዮን ኤውሮ ዝምልከት ተዘራሪቦም።
ነዚ ናይ ምድማጽ መደብ ንምክትታል ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ዓባይ ብሪታንያ፡ ነርወይ፡ ሆላንድ፡ በልጁም፡ ስዊዘርላንድን ኢጣልያን ተሳቲፎም።
ሓበሬታዊ ኣኼባ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣብ ስቶክሆልም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብተበግሶን ዕድመን ዲያሎግ ፎሩም ስቶክሆልም፣ ዶር ሃብተሚካኤል ተ/ብርሃን ብዕለት 7 ሕዳር 2015 ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርትን ምንቅስቓስ ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን፤ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እታ ካብ ኤርትራ ኣስታት 8 ኪሜ ርሒቓኣብ ከባቢ ከሰላ እትርከብ ኤርትራዊት ቤት ትምህርቲወድሸሪፈይ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።
ዶር ሃብተሚካኤል ኣብ መግለጺኡ ሕጽር ዝበለ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ትምህርቲ፣ ከምኡውን፡ ታሪኽ ዓለም ለኻዊ ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ድሕሪ ምቕራብ፣ ሰፊሕ ታሪኽ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፋይ ብስእሊ ዝተሰነየ መግለጺ ሂቡ። እታ ቤት ትምህርቲ ካብ ትምስረት ካብ 1984 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከጋጥማ ዝጸነሐን ዘሎን ተጻብኦታትን ቁጠባዊ ብደሆታትን ሓያል ከም ዝዀነ ድሕሪ ምብራህ፣ ብቐዳምነት ነቶም ብሙሉእ ተወፋይነቶም ኣብነት ዝኾኑ መማህራን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዕዙዝ ምስጋናን ኣድናቖትን ኣቕሪቡ። ብምቕጻል ነቶም ከይተሓለሉ ካብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ፋይናንሳዊ ሓገዛት እናኣከቡ ንቀጻልነት እታ ቤት ትምህርቲ ዘውሓሱን ብቀጻሊ ዝጽዕሩ ዘለዉን ውልቀሰባትን ትካላትን መጒሱ።
ኣብዚ ግዜዚ እቲ ቀንዲ ብድሆታት ናይታ ቤት ትምህርቲ፣ ምውሓስ ደሞዝ መማህራን ምዃኑ ዝሓበረ ዶር፣ ተሳትፎ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብዚ ቅዱስ ዕላማዚ ንረብሓ ኤርትራን ኤርትራውያንን ስለ ዝኾነን፣ ኣይድዮለጂካዊ ይኹን ፖለቲካዊ ሕብሪውን ስለ ዘይብሉ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ኣስሚሩሉ።
ኣብ ዝሓለፈ 31 ዓመታት ኣብ ሂወት ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ሓያል ኣበርክቶ ዝገበሩ ውልቀሰባትን ትካላትን ብሰፊሑ ኣስማቶም ተዘርዚሩ። እቶም ኣብዚ ግዜዚ ዝነኣድ ስራሓት ካብ ዘበርክቱ ዘለዉ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣሉ፣
1∙ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ብተበግሶ ናይ ነብስሄር ኣባ ማሪኖ
2∙ ሶፍያ ዓማር᎓ ዑቕባ ተኽለ፣ (ኣሲ– ASEE) Association Suise Enfance Erythree
3∙ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ሰሜን ኣመሪካ (EDA–Eritrean Democratic Association)
4∙ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
فرع فرانكفورت يعقد اجتماعه الدوري الشهري بنجاح
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي الخامس والعشرين من اكتوبر 2015م عقد فرع فرانكفورت ( فرع وسط ألمانيا ) لحزب الشعب الديمقراطي الارتري اجتماعه الدوري الشهري بنجاح. استغرق الاجتماع الفترة من الثانية ظهراً الي الخامسة عصراً بالتوقيت المحلي. بعد الكلمة الترحيبية بالحضور من قبل الأخت/ فيبن قديوون سكرتيرة الفرع وقف الحضور دقيقة صمت ترحماً علي أرواح شهداء اللجوء الارتري عامة وبصفة أخص علي روح مواطننا هبتوم زرئوم الذي لقي حتفه مؤخراً برصاص غلاة العنصريين الاسرائيليين باسرائيل.
تناول الاجتماع تقرير وضع الفرع الداخلي وإعادة تنظيم قيادته، شرح رؤية ورسالة الحزب، أوضاع المعارضة وعموم الشعب الارتري، الأوضاع والمشكلات الراهنة للشباب الارتري.
حول رؤية ورسالة الحزب تــُــلـِــيـَـتْ علي الحضور بعض رؤى حزبنا لهزيمة الخوف لدى عضويتنا وشعبنا عامة وتحدِّي النظام الدكتاتوري، كما دُعـِــمَــت الرؤية بالخطاب البالتوكي الأخير لرئيس الحزب في السابع والعشرين من اكتوبر 2015م، وأجيب من ثم علي أسئلة الحضور وَتبـُـودِلـَـتْ آراء وملاحظات ثرة.

أهم ميزة لهذا الاجتماع تمثلت في التفاعل الحار من قبل الشباب الذين ناقشوا بحيوية مواضيع الحزب والمعارضة بشفافية عالية ورؤية بناءة.
وقد اقترح الشباب في مداخلاتهم الشيقة ضرورة تأهيل وتثقيف الجيل الحديث لتقبل ووراثة مهام القيادة عن جيل الكبار بل اقترحوا البرامج التطبيقية لإنفاذ هذا العمل.

وعن مشاكل الشباب أوصى المتحدثون أنه لا يجب التفرج علي هذه المشكلات ومرتكبي الجرائم بحق الشباب بل السعي الي العمل علي عدم إفلات مجرمي تجارة البشر من العقاب، كما قدمت توصيات تتعلق بتجويد وتطوير عمل الحزب. ثم اختتم الاجتماع بالوقوف دقيقة حداد علي أرواح الشهداء.
سويسرا تتهم السفارة الارترية بجباية ضرائب غير مشروعة
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريأفاد الخبر الذي نشر بسويسرا علي نطاقٍ واسع في السابع والعشرين من اكتوبر 2015م أن سلطات الشرطة السويسرية قد أدانت السفارة الارترية هناك بانتهاك قانون الضرائب السويسري بإجبارها رعاياها المقيمين في سويسرا على دفع 2% م من الدخل.
هذا وحسب التقرير الخبري فإن قرار الشرطة بهذا الشأن قد اعتمد مبدئياً من قبل مكتب النائب العام السويسري مناشداً في الوقت ذته الشرطة والأجهزة المختصة جمع المزيد من الأدلة حول هذه المخالفة الضريبية وأية نشاطات مالية مشبوهة قد مارستها أو تمارسها السفارة الارترية علناً أو في الخفاء.
يجدر بالذكر أن السيدة/ سوماروقا رئيسة البلاد الي جانب رئاستها الدولة تتولى رئاسة الشرطة الفدرالية أيضاً، وهي عضو بالحزب الديمقراطي الاشتراكي السويسري وهو ثاني أكبر الأحزاب في البلاد.
هذا ولا يسمح القانون السويسري للجهات الأجنبية بجباية أو جمع أموال داخل البلاد، لذلك ظل البوليس السويسري يجمع الأدلة والمعلومات حول تلك النشاطات المالية المريبة حتى توصل الي إدانة السفارة الارترية، لكن بما أن الارتريين في المنفى غالباً ما يضطرون الي التكتم حول هذا الأمر خوفاً من الانتقام من ذويهم بالداخل ردعاً لهم من رفض تلبية أوامر السفارات الارترية تواجه مهمة جمع الأدلة الكثير من الصعاب والعقبات.
الرئيس يجتمع بأعضاء الحزب بالسويد
Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريفي الرابع والعشرين من اكتوبر 2015م عقد الأخ/ منقستئاب أسمروم رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري اجتماعاً بأعضاء فروع الحزب بالسويد عبر وسيلة البالتوك الالكترونية.
تناول الاجتماع نتائج المؤتمر الثاني للحزب وما تمخض عنه من برنامج سياسي ودستور وقرارات سياسية وما انتخبه من قيادة تشريعية ومراجع.
كذلك تناول اسمروم بعض نشاطات ومهام المكتب التنفيذي وضرورة دعم ومتابعة إنجازها من قبل الأعضاء ولخص تلك المهمات في عملية تحدي النظام الدكتاتوري، تعزيز الدور النضالي لفئتي المرأة والشباب، تمتين وبناء الحزب، العمل علي توحيد المعارضة... و...و....الخ.
أيضاً تطرق منقستئاب الي جولات وفود الحزب بكلٍّ من السويد والنرويج. وقال أسمروم إن الوفود ركزت في جولاتها علي أن قضية تدفق اللاجئين من ارتريا لن تحل إلا بإجراء تغيير جذري ملموس في العقلية وطرق الأداء لإدارة الأمور في البلاد.
وعن الأوضاع بالداخل قال أسمروم إنها متردية للغاية حيث تخلو ارتريا اليوم من أية حقوق مادية أو معنوية علي أي مستوىً من المستويات. وأضاف أنه ولتلك الأسباب تتوفر الآن كل العوامل التي تؤدي الي اهتراء وانهيار النظام في أي لحظة، وأما ما يمنع النظام من سرعة السقوط رغم كل تلك العوامل المساعدة علي سقوطه فلا يكمن إلا في عدم وجود معارضة قوية ومتماسكة.
Swedish Prime Minister Visits Social Center Serving Eritrean and Other Refugees
Written by EPDP Correspondent From GuthenbergOn 3 November 2015, the Swedish Prime Minister, Mr. Stefan Loefven, visited the social integration enter in Gutenberg to encourage effective assistance to new refugees who include many Eritreans.
Mr. Loefven commended the support activities being undertaken by the center and pledged that the Swedish government will continue the special attention and care deserved by refugees from Syria and Eritrea.
It is to be recalled that this same center organized a successful public awareness seminar on 23 October 2015 at which key presenters were Eritrean journalist Meron Estefanos, Mr. Rezene Tesfazion, Executive Committee member in the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), and two young Eritreans who witnessed what they encountered on their hazardous journey from Eritrea to Europe. The seminar was entitled "Eritrea in Our Hearts".
Mr. Zehaie Keleta, a social worker serving new refugees in Gutenberg, reported from the spot that the Swedish Prime Minister, who is also senior official in the Social Democratic Party, said that his government will do all what it can to facilitate the problem of housing and employment opportunities for the new caseload of refugees.
ናይ ሃገር ሽወደን መራሕ መንግስቲ ኣብ ሕብረሰብኣዊ ሌላ ማእከል ከተማ ዮተቦርግ፡
Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ካብ ዮቶቦሪብዕለት 03/11/2015 ናይ ሰዕታት ድሕሪ ቀትሪ ፡ ናይ ሃገር ሽወደን መራሕ መንግስቲ ኣቶ እስተፋን ሎቨን ኣብ ሕብረሰባዊ ሌላ ማእከል ቤት ጽሕፈት ናይ ከተማ ዮተቦርግ ምሉእ ንጥፈታት መደበር ሕብረሰባዊ ሌላ ንጥፈታቱን ንምክትታል ብጾሖት ፈጺሙ።
እዚ ማእከል እዚ እቲ ብዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ኤርትራ ኣብ ልብና!!! ዝበል መሳጢ ዕዉት ሰሚናር ኤርትራ ዘዳለወ ኮይኑ፡ ኣቶ ስተፋን ንሓደስቲ ስደኛታት ዝገብሮ ዘሎ ምትሕግጋዝ ኣድናቆቱ ገሊጹ ። እቲ ኣብ ሱርያን ኣብ ኤርትራን ዝጋጠም ዘሎ ከቢድ ኩነታት ብኣትኩሮ ይጥመት ከም ዘሎን ዘድሊ መንግስቲ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጹ።

ብፍላይ ከኣ ኣብ ምድንጓይን ነዊሕ ትጽቢትን ጉዳይ መንበሪ ገዛውትን ስራሕን ዘሎ ብዝያዳ ከቢደቲ ጸገማት ከም ዘሎ ንምቅላሎም ዘድሊ መድባትን ጻዕርታት የካይዱ ከም ዘሎዉ ሓቢሩ።
ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝተቐትለ ኤርትራዊ ቤተሰብ ብመንግስቲ ክከሓሱ’ዮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤናይቲ ኣብ እስራኤል ምስ ምፍጣር ራዕዲ ብዝተተሓሓዘ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ቤተሰብ ካሕሳ ክወሃቡ ምዃኖም የሁዳ ወይንስተይን ዝተባህሉ ላዕለዋይ ዳኛ ሓቢሮም። እቲ ሃብቶም ዘርኦም ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ እስራኤል በርሸቫስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዝርከብ ማእከላይ መዋፈሪ ኣውቶቡስ፡ ሓደ ፈጣር ራዕዲ ኣጽዋር ሰሪቑ ተኹሲ ምስ ተኸፍተ፡ ብሓደ ፖሊስ ኣብ 6 ቦታታት ተወጊኡ እዩ ተቐቲሉ።
ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ናይ ሃብቶም ዘርኦም ዝኽሪ ዝምልከት ኣኼባ
ሃብቶም ብጥይት ከቢድ ቆሲሉ ኣብ ዝወደቐሉ ብዙሓት በቲ ኩነታት ዝሓረቑ መሊሶም ከም ዝወቖዎን፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ብፖሊስ መንነቱ ከም ዝተፈልጠን ዝዝከር እዩ። ናይታ ሃገር ሃገራዊ ኢንሹራንስ ንከምዚ ዓይነት ካሕሳ ከም ዘይወሃብ ወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ ሃብቶም ግዳይ ፈጠርቲ ራኦዲ ዝኾነ ውጹዕ ስለ ዝኾነ ቤተሰቡ ተመጣጣኒ ካሕሳ ንክወስዱ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።
ስነስርዓት ዝኽሪ ሃብቶም ኣብቲ ዝወደቐሉ መደበር ኣውቶቡስ
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ መጀመርያ እዚ ሰሙን ነቲ ኣቀታትላ ዝምልከት ካብ ፖልሲ ሓበሬታ ምስ ቀረበሉ እዩ ኩሉ ዘድሊ መርትዖታት ንክቀርበሉ መምርሒ ሂቡ። ፖሊስ መንነት ናይቶም ንሃብቶም ዝቐተልዎ ንምፍላጥ ብናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንዝቀረቡ ስእልታትን ናይ ቪድዮ ምስልታትን ኣቐዲሙ መርሚሩ እዩ። ብመሰረት ናይ ፖሊስ መርመራ ኣብቲ ዓመጽ ዝተሳተፉ ኣባላት ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ እዮም። ድሕሪዚ ሓደ መኮነንን ሓደ ኣባል ሓለዋ ወተሃደርን ከምኡ እውን ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 2 ካሎት ሰባት ተኣሲሮም።
ኣቀዲሙ ናይ ሃብቶም ኣስከሬን ናብ ኤርትራን ንምላኽ ወጻኢኡ ብእስራኤል ተኸፊሉ እዩ። እቲ ሃገራዊ እንሹራን ቅድም ነዚ ገንዘብ ምውጻእ ነቲ ኩነታት ከም ናይ ራዕዲ ግዳይ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ ብዝብል ተቓዊምዎ ነይሩ። ደሓር ግና ሓሳቡ ቀይሩ፡ ነቲ ወጻኢ ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ተማቒሉ ከም ዝፈጸሞ ተፈሊጡ።
ጉዕዞ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ሓደ ተርኽቦ ኣፋኒኻ ካልእ ተረኽቦ ኣብ ምቕባልን፥ ብዛዕባኡ ምዝራብን ምጽሓፍን ቀጻሊ መስርሕ ንነብር ኣለና። ንሓንሳብ ንጉጅለ ህግደፍ ነቃልዕ፥ ንሓንሳብ ኣብ ውሽጥና ተመሊስና ብዛዕባ ድኽመት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንዝቲ። ናብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንመሰልካን ነጻነትካን ተቓለስ ዝብል ተደጋጋሚ መጸዋዕታ ነቕርብ። በብኹርናዑ ዝውደቡ ኣኼባታት፡ ዓወደ-መጽናዕትታት፡ ፈስቲቫላት፡ ጉባኤታት ብዓብይኡ ድማ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ካብቶም ድልውነትና ንለውጢ ንምቅላሕ እንጥቀመሎም መድረኻት እዮም። እነሆ ከኣ ኣካል ናይዚ መስርሕ ዝኾነ ብ29 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝቐንዐ፡ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘቖማ መርማሪት ኣካል ዘውጸኣቶ ንጉጅለ ህግደፍ ዘቃልዕ ጸብጻብ ንምድጋፍ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ። እዚ ሰልፊ ብሓፈሻ ሓደ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ብተመሳሳሊ ዛዕባ ኣብ 26 ሰነ 2015 ኣብ ጀነቭ፡ እስራኤል፡ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ኩርነዓት ዓለምን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት መቐጸልታ እዩ።
እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ዝሃለናሉ ከም ዝተኻየደ ንኹላትና ንጹር እዩ። ኩነታትና ካባና ሓሊፉ ንኹሎም ደለይቲ ጽቡቕና ከይተረፈ ኣዝዩ ኣብ ዘሻቕለሉ እዩ እዚ ብዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ። ናይ ህዝብናን ሃገርናን ኩነታት፡ ብሰንኪ ክብደትን ዕምቆትን ኣሻቓልነቱ ብግቡእ ንገልጸሉ ቃላት ምርካብ እውን ኣብ እንጽገመሉ ደረጃ ኢና ዘለና። ኣሻቓሊ፡ ኣሰካፊ፡ ብቱን፡ ንብዙሕ ዘይቅርዑይ ምናልባታት ዝተቓለዐ ተበልናዮ’ውን ዝምጥኖ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ናትና ኣገጣጥማን ዘይሰማማዕ ምዃኑ ከኣ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ጸገም ከም ዘለና ዘረድእ እዩ። እቲ “ሕጂ’ውን ኩነታትና ወጊና መዋጸኦ ክንረክብ ኢና” ዝብል ኒሕናን ሓቦናን ህያው ምዃኑ ዘይነዓቕ ተስፋ ኮይኑ፡ ነቲ ክንገብሮ ኢና እንብሎ ክንገብር እንስጉሞ ስጉምቲ ኣዝዩ ትሕቲ ግምት ምዃኑ ከኣ ንጸገምና መሊሱ የዕርጎ። እንተኾነ ሕጂ እውን ቃልስና ምእንቲ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ብናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኮነ ብውሽጥን ብደገን ተወዳዲብካ ክሳብ ንዕወት ክንቅጽሎ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንጹር እዩ ካልእ መተካእታ ስለ ዘየብልና። ንቃልሲ ከም መተካእታ ዘየብሉ መንገዲ ዓወት ምቕባሉ፡ ብግብራዊ ስጉምቲ ተዘይተሰንዩ ግና በይኑ ዓወት ኣይኮነን።
ብዛዕባ’ቲ ንምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዘርዕድ ከምዚ ናይ ኒውዮርክ ስርሒት ክዝረብ እንከሎ፡ ክንደይ ተሳቲፈምዎ? ጭረሖታቱ እንታይ ነይሩ? ኣብቲ መድረኽ መን መዲሩ? … ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ክቐርቡ ልሙድ እዩ። ምናልባት ናይዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተሳተፍቲ፡ 3፡ 4 ወይ 5 ሺሕ ኤርትራውያን ይነብሩ። ብናትና እምንቶ ግና ብኣካልኳ ተዘይጠዓሞ፡ “ብኣተሓሳስባን እምነትን ኩሉ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ኤርትራዊ ኣካሉ’ዩ ነይሩ” ምባል ዝከኣል ይመስለና። ስለዚ ኩልና ናይዚ ሰልፊ ተሳተፍቲ ኢና ኔርና። እቲ ጽባሕ ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊዱ ብፍትሓዊ ምምሕዳር ዝትክእን እቲ ኣብቲ መድረኽ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ዝተሳተፈ ጥራይ ዘይኮነ ኩሉ ናይዚ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ደጋፊ እዩ። ቃልሲ ምቅብባል ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ጀነቭ ዘይወዓለ ኒውዮርክ ይውዕል፡ ኣዲስ ኣበባ ዘይወዓለ ከኣ ኣብ እስራኤል ይውዕል። ብኸምኡ ድማ ይቕጽል። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ግዜን ቦታን ደኣ ይፈላለ’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ብምልኡ ተሳታፊ እዩ ነይሩ።
እዚ ሕጂ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሕጂ ዝጀመረ ዘይኮነ፡ እንዳ ወደቐ እንዳ ተንሰአ፡ እንዳከሰበ እንዳከሰረ፡ እንዳደፈአ እንዳተደፍአ፡ እንዳድመየ እንዳደመየ፡ ከመጽእ ዝጸንሐ ንመጻኢ’ውን ዝቕጽል ሰንሰለታዊ ምትኽኻእ እዩ። ንድሕሪት ተመሊስና ነዚ ናይ ውረድ ደይብ መስርሕ ተመርሚርናዮ፡ እወንታ ከም ዝነበሮ ርዱእ ኮይኑ፡ ብውልቂ ይኹን ብትካል ዝግለጽ ኣሉታዊ ትሕዝቶ’ውን ከም እንረኽበሉ ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ ኩነታት ክንገብሮ ዝግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ እምበኣር፡ ካብቲ ዝሓለፈ ተማሂርካ ዝሓሸ መጻኢ ክንፈጥር ምቅላስ እዩ። እቲ ክንመሃረሉ ዝግበኣና እንተላይ እቲ ኣሉታዊ ጐኑ እዩ። እቲ ንመሃሮ ነቲ ዝሓለፈ ብምቁምማልን ነቲ ኣሉታ መዚዝካ ብምጉላሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ህልዊ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣካይዳ እውን ኣካል እቲ መምሃሪ ተመኩሮ ምግባሩ ጽቡቕ እዩ። ናትካ ኣቐሚጥካ ነቲ ዝሓለፈ መስርሕ ክመርሑ ዝጸንሑ ኣካላትን ኣመራርሕኦምን ክትወቅስን ክትከስስን ምኒን ምባል ዘይኮነ ንስኻውን ጽባሕ በቲ ዝትክኣካ ወለዶ ከይትውቀስ ንህዝባዊ ጉዳያት ልዕሊ ውልቃውን ጉጅላውን ህርፋንካ ሰሪዕካ ምስራሕ ውሕልነት እዩ። ኣብዚ ሎሚ ዝፍጠር ዘሎ ዕንክሊል ጽባሕ ስመይ ብኸመይ ክለዓል እዩ? ኢልና ሎሚ ክንሓትት ይግበኣና። ምናልባት ነቲ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ናብዚ ዘብጸሓና ሰንሰለታዊ ቃልሲ በቲኽካ ደርቢኻ ሓድሽ ናይ ኣቋራጭ ተመኩሮ ክትጠፋጥፍ ምፍታን ግና ብዓንተቦ ገጽ ክንህቦ ዘይግበኣና ዓመጽ እዩ።
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ኒውዮርክ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምድጋፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ዝወጸሉ ኣገባብ ንክዕወት ኣብቲ ከባቢ ብዘለዉ ኣካላቱ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ከበርክተሉ ዝጸንሐ እዩ። ንሰደህኤ ነዚ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምድጋፉን ኣብ ምዕዋቱ ምስታፉን ከም ንእግረ-መንገድኻ ዝዕመም መመላእታ ስራሕ ዘይኮነ መሰረታዊ መግለጺ ናይቲ ዝኽተሎ፡ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ብመተከላዊ እምነት ሰደህኤ ከምዚ ዓይነት ሰፋሕቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ጸብጻብ መርማሪት ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ክመጹ እንከለዉ ንምድጋፍ ወይ ንምቅዋም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብዝነቕሉ ዛዕባታት ኣንቂድና’ውን ከነካይዶ ዝግበኣና እዩ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ በቲ ሓደ ወገን ህዝብና ነለዓዕለሉን ንሕናን ንሱን ኣብ ሓደ መስመር ኣንጻር ወጻዕቲ ምህላውና ንሕብረሉን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ማዕጾ ሕብረተሰብ ዓለም እንኩሕኩሓሉ ኣድማዒ መሳርሒ ስለ ዝኾነ ንመጻኢ’ውን ክቕጽል ዝግበኦ እዩ። ካብዚ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት እምበኣር፥ ሰልፊ ኣካይድና ጥራሕ ብምባል ክንሓልፎ ዘይኮነ ህዝብናን ሃገርናን ዝድሕነሉ መንገዲ ክንሓስብ ኣለና። ከምዚ ምስ ዝግበር ጥራሕ ከኣ እዩ ስራሓት ዘድምዕን ህዝቢ እውን ናይ ለውጢ መስርሕ ኢሉ ብምእማን ንጉዕዞና ሓንጎፋይ ዝብሎ።
1 ሕዳር 2015
More...
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2015 ክፉት ናይ ህዝቢ ኣብ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን ኣኼባ ኣካይዱ። ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያትን፣ ሓውቲ ገርጊስ ነጋሽ: ሓውቲ ኣልጋነሽ ኢሳቕን ሓው ነጋሲ ሓምደን ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ኣብ'ቲ ኣኼባ ተኻፊሎም ነይሮም።
ሓው ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ስቶክሆልምን ከባቢኡን ናይ ምስጋናን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕር'ዚ፥ ኣጀንዳታት ኣኼባ ብዛዕባ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን፡ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንጥፈታት ሰዲህኤን ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰዲህኤ ገዲፍሉ።

ሓው መንግስተኣብ፡ ንውሽጣዊ ሃለዋት ሃገርና ኣመልኪቱ፡ ኤርትራ፡ ግዝኣት ሕጊ ይኹን ፍትሒ ዘይብላ፡ ዝሰርሑ መንግስታዊ ትካላት ዝበዀረላ፡ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ናይ ብሕታዊ ጽላት ፖሊሲ ዘይትኽተል፡ ምስ ጐረባብታ ሰላምን ስኒትን ዘይብላን ካብ ዓለም ተነጺላ ትነብር ሃገር ምዃናን ኣብሪሁ።
ኣስዒቡ፡ ከም ሳዕቤን ናይ'ዚ ሃለዋት'ዚ ቍጣባ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ሓቢሩ። ሕጽረት መግቢ፡ ማይ፡ ጽዓትን ናይ ወጻኢ ሸርፊን መግለጺ ቍጠባዊ ኵነታት ኢዩ ክብል ኣስሚርሉ። ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ተዋፊርሉ ዘሎ ስራሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህዝባዊ ምልሻ፡ ዑቝር ሰራዊትን ብዝብል ዝተፈላለየ ኣስማት ዝጽዋዕ ውትህድርናዊ ስራሕ ኢዩ ኢሉ።

ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት እውን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቈለ ይኸይድ ምህላዉ ጠቒሱ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብስእነት ብቕዓት ዘለዎ ትምህርትን ብስእነት ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ይሳቐ ኢዩ ዘሎ። እቲ ገንዘብ ወይ ከኣ ስልጣን ዘለዎ ኣብ ሱዳን ከይዱ ክሕከም ኢዩ ዝርአ ዘሎ።
ከም ወጽኢት ናይ'ዚ ሃለዋት'ዚ ኤርትራውያን ናይ መጻኢ ዕድሎም ጸልማት ኰይኑ ስለዝተሰምዖም ዝፈትውዋ ሃገሮምን ዝፈትዉዎ ህዝቦምን ገዲፎም ንስደት ከምርሑ ይግደዱ ኣለዉ ኢሉ።

ስርዓት ኢሳያስ፡ ነዚ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ንምኽዋል ጠንቂ ቍጣባዊ ቅልውላው ኤርትራ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንበሮ ማዕቀብ ምዃኑን ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ንመነባብራኦም ንምሕያሽ ኢሎም ይስደዱ ከምዘለዉን ኢዩ ከረድእ ዝፍትን ዘሎ። ባይቶ ጸጥታ ዘንበሮ ማዕቀብ ግን፡ ናይ ኣጽዋርን ናይ ምንቅስቓስ እገዳ እምበር፡ ኣብ ንግዳዊ መዳይ ዝገበሮ እገዳ ከምዘየለ ገሊጹ።
ንደምበ ተቓውሞ ኣመልኪቱ ብዓቐን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ኣብሪሁ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ግዳም ዝተኸየዱ ተቓውሞታት ውን ሓደ ብሓደ ዘኪሩ። ካብ ኤርትራ ናይ ምውጽእ ዕድል ዝረኸበ ስፖርተኛ፡ ተመሃራይ፡ በዓል ስልጣን በብዝኸዶ ምትራፍ ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ ምህላዉ ኣሚቱ።
ምስ'ዚ ኵሉ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ጥርኑፍ ስለዘይኰነ ኣድማዒ ተራ ክጻወት ኣይከኣለን ኢሉ። ደምበ ተቓውሞ ቀዳምነታቱ ኣብ ምንጻር ጸገም ከምዝጸንሖ፡ ኣብ መንጐኡ ናይ ሕድሕድ ምትእምማን እናበረኸ ምኻዱ ገለ ካብ'ቶም ሕጽረታቱ ምዃኖም ኣሚቱ።
ነዚ ንምስጋር፡ ኣብ ተግባራዊ ናይ ሓባር ስርሓት ምእታዉን በቶም ዝቀራረብ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት ምጅማሩ ኣድላዪነቱ እናዓዘዘ ይመጽእ ከምዘሎን ኣረዲኡ።
ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ድማ ኣብ ዘዘልዉዎ ከተማታት ብሓባር እናሰርሑ ነቲ ኣበየቦታኡ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝባዊ ምጥርናፋት ከተባብዑ ጸዊዑ። ከምኡ ምስ ዝገበሩ፡ ተጸበይቲ ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ኣብ ልዕሊ ውድባቶም ጸቕጥታት ብምግባር ንሓባራዊ ስራሕ ክድርኹ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንንጥፈታት ሰዲህኤ ብዝምልከት፡ ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ካዕባዊ ርኽክባት ከካይድ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኢዩ። ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ድማ ምስ ተሓኤ፡ መድረኽን ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ውን ርክባት ጀሚሩ ምህላዉ ሓቢሩ።

ሰዲህኤ፡ ኣባል ገስጋሲ ምሕዝነትን ተዓዛቢ ኣባል ሶሽያሊስት ኢንተርናሽልን ምዃኑ ንደምበ ተቓውሞ መኽሰብ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣስዒቡ፡ ሰዲህኤ ኣብ ጕዳይ ስደተኛታት ዝገብሮ ንጥፈታት ብዝርዝር ጠቒሱ።
ብድሕር'ዚ ኣኼበኛታት፡ ብዛዕባ ኣድላይነትን ህጹጽነት ሓባራዊ ስራሕ ብፍላይ ኣብ መንጐ'ቶም ዝመሳሰል መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት፤ ከምኡ'ውን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዝህቦ ናይ ልምዓት ሓገዝ ደው ንምባል ተቓወምቲ ውድባት ሓቢሮም ክሰርሑ ጻውዒቶምን ምሕጽንታኦምን ኣቕሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ናይ ሕቶ፡ ርእይቶ፡ ለበዋታትን መልስታት ምሃብን መድረኽ ተኸፊቱ ምውቕ ክትዓት ድሕሪ ምክያድ ኣኼባ ናይ ምርድዳእ ሃዋህው ብዝሰፈኖ ኣገባብን ብዝኽሪ ሰማእታትን ናብ መፈጻምታኡ በጺሑ።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ብገበን ምእካብ 2% ግብሪ ተኸሲሱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜን ሰደህኤናይ ስወዘርላንድ ፈደራል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓተትቲ ፖለቲካዊ ዕቑባን ካልኦትን ናይ 2% ታክሲ ብምእካቡ ገበናዊ ክሲ ከም ዝመስረተ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ብዘለዎ ናይታ ሃገር ሚዲያ ብ27 ጥቅምቲ 2015 ተቓሊዑ።
በቲ ነዚ ብዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት እዚ ክሲ ብላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ፈደራል ኣኽባር ሕጊ ተቐባልነት ከም ዝረኸበን እቲ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ፡ ፈደራል ፖሊስ ናይታ ሃገር ነዚ ናይ 2% ኣገዳዲ ታክስን ካልእ በቲ ኤምባሲ ዝፍጸም ኣገዳዲ ምእካብ ገንዘብን ከምኡ እውን ካልእ ገበናት ብዝምልከት መርተዖታት ከም ዝደሊ ሓቢሩ ኣሎ።
The FedPol's investigative arm, the Federal Criminal Police, will now rigorously start collecting evidences on the charge it leveled against the Eritrean Embassy.
ናይቲ ፈደራል ፖሊስ ክፍሊ ገበናዊ ምጽራይ ካብዚ ቀጺሉ ነቲ መዝጊብዎ ዘሎ ገበናት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዝዊዘርላን ዝምልከት መርተዖታ ክእክብ እዩ።
ናይ ስዊዘርላንድ ፕረሲደንት ኣብ ልዕሊ ሓላፍነተን ናይታ ሃገር ፈደራላዊ ክፍሊ ፍትሕ ፖሊስን ሓላፊት እየን። እተን ፕረሲደንት ወይዘሮ ሶማሩጋ ናይ ስዊስ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ሰልፊ ኣባል እየን። እዚ ሰልፊ ኣብታ ሃገር 2ይ ዝዓበየ ሰልፊ እዩ።
ናይ ስዊስ ሕጊ ዝኾነ ወጻእተኛ ኣብ ክሊ እታ ሃገር ግብሪ ክእክብ ኣየፍቅድን እዩ። በዚ መሰረት እቲ ነዚ ሓበሬታ ዝዘርገሓ ሚዲያ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ፈደራል ፖሊስ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝምልከት ሓበሬታ ክከታተል እዩ ጸኒሑ። እንተኾነ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ቤተሰቦም በቲ ስርዓት ሕነ ናይ ምውሳድ ስጉምቲ ከይውሰድ ስለ ዝሰግኡ፡ ነዚ ዝምልከት መርተዖታት ምርካብ ቀሊል ኣይከውንን እዩ።
Eritrean Embassy in Switzerland Charged of Criminal Act on Alleged Collection of 2% Tax
Written by By EPDP Information OfficeThe Federal Police (FedPol) of Switzerland has officially registered a criminal charge against the Eritrean embassy in the country for alleged illegal collection of 2% tax from asylum seekers and others of Eritrean origin residing in the country, according to wide coverage of Swiss media on 27 October 2015.
The reports confirm that the charge has been received by the Federal Attorney General's office which will require from the Federal Police evidence on the collection of the 2% tax and other alleged fund collections and extortions practiced by the Eritrean embassy in Switzerland.
The FedPol's investigative arm, the Federal Criminal Police, will now rigorously start collecting evidences on the charge it leveled against the Eritrean Embassy.
The current President of Switzerland, Simonetta Sommaruga, is also the head of the Federal Department for Justice and Police. Ms Sommaruga is a member of the Swiss Social Democratic Party, the second largest political formation in the country.
Swiss laws prohibit any foreign state from collecting taxes on Swiss territory. The media reports stated that the Swiss Federal Police have been made aware of the existence of this illegal act but collecting evidences on the charge may prove quite difficult because Eritreans are afraid of severe retribution by the regime against their relatives back home.
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ብ25 ጥቅምቲ 2015 ስልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብተለኮንፈረንስ ኣቃኒዑ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ብቀዳምነት ድሕሪ ዕዉት 2ይ ጉባኤ ሰልፍን፣ ዳግመ ውደባ ናይዚ ቤት ጽሕፈትዝን ክሳብ ሕጂ ዝተሰላሰለ ዕማማትን ዝተበጽሐ ደረጃን ድሕሪ ምግምጋብ፣ ኣገዳስነት ዘለዎ ሓበረታታት እውን ተለዋዊጦም። ብምቅጻል ተሳተፍቲ፣ ብመሰረት ቀሪቡ ዝነበረ ኣጀንዳ ኣኼባ፣ ኣብ ምሕያል ሰብኣዊ ዓቕሚ ኣተኲሮም ነዊሕን ዓሚቁን ዘተ ኣካዪዶም። ኣብ ባይታ ዝረአ ዘሎ ጠለብ መንእሰያት እውን ብርግጽ እንታይ ከም ዝኾነ ተመያዪጦም።
እቲ ኣኼባ፣ ንምምዕባል መንእሰያዊ ሰብኣዊ ዓቅሚ ኣመልኪቱ፣ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ብሓፈሻ ንመንእሰይ ሃገራዊ ሓላፍነት ለቢሱ ተሳታፋይን ወራስን ናይ ቃልሲ ክኸውን ካብ ምምናይን ምጽዋዕን ሓሊፉ፣ ነቲ መንእሰይ ብግቡእ ናይ ምምልማልን ብግብሪ ኣብ ስራሕ ናይ ምምካርን ጻዕርታት ብዙሕ ይረአ ከምዘይጸንሐ ኣብሪሁ። ኣብዝን ኣብትን ብዘይብሉ ኣገባብ ዳርጋ ኣብ ኩለን ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን ማሕበራት፣ እቲ ወሳኒ ዝኾነ ናይ መሪሕነት ጽፍሕታትን ስረሓትን ብዓበይትን ገዳይምን ይካየድ ምጽንሑ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብቲሕቲ ናይዞም ዓባይትን ሰብ ተመኩሮን ተጎዝጒዞም፣ ግብራዊ ናይ ስራሕን ምምሕዳርን ተመኩሮ ዝቀስሙን፣ ጽባሕ ድማ መሪሕነታዊ ጽፍሕታት ብምሓዝ ነቲ ቃልሲ ብዘይ ዝኾነ ስኽፍታ ዝመርሕዎን ዘዕውትዎን መንእሰያት ናይ ምምልማልን ምምዛዝን ሜላታት ክስረሓሉ ዘይምጽንሑ፣ ብሓደ ወገን ንቐጻልነት ናይ ቃልሲ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቅዎ ከምዝርከብ ብኻልእ ወገን ድማ ደምበ ተቃውሞ ካብቶም ካብ መሪሕነታት ዝምንጭዉ ናይ ነዊሕ ግዜ ሱር ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ቁርቁሳትን ዘይምቅዳዋትን ንኸይናገፍ ሓሊኹ ከምዝሓዞ ኣኼበኛታት ኣስሚሮምሉ። ካብዚ ተረድኦዚ ብምብጋስ ድማ ኩሉ ደምበ ተቃውሞ ብሓፈሻ፣ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ መንእሰያዊ ዓቕሚ ንምብራኽ ግብራውን ክለሰ ሓሳባውን ናይ ምልመላ ሜላታት ከተኣታቱ ከምዘለዎ ኣኼበኛታት ኣተሓሳሲቦም። እቲ ኣብ ባይታ ብመንእሰያት ዝሕተትን ዝጥለብን ዘሎ እዋናዊ ሕቶውን እዚ ከምዝኾነ ተሳተፍቲ ነናይ ከባቢኦም ትዕዝብቲ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣብሪሆም።
ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛታት፣ ቤትጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ምስቶም ካልኦት መዘና ዝኾኑ ኣብያተ ጽህፈታት ኮይኑ፣ ነዚ ጉዳይዚ ኣቃልቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ተላብዮም። ናይ ዝመጽእ ኣዋን ናይ ስራሕ መደባቶም ድማ ሓንጺጾም ኣኼባኦም ብዓወት ዛዚሞም።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና!!
ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን!!
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ