ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ፡ መስራቲ ጉባአኡ ከካይድ’ዩ

2025-06-02 08:51:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 115 times

ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃበ

ካብ ብሄራዊ ምርጫ ብርድ ኢትዮጵያ፡ ን3 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ግዝያዊ ምስክር ወረቐት ዝተዋህበ ሓድሽ ውድብ፡ “ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ዲስት)” ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 6 ሳምንታት መስራቲ ጉባአኡ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ። እዚ በቲ ብኣቶ ጌታቸው ዝምራሕ ዝነበረ ኣካል ህወሓት ዝምስረት ዘሎ ውድብ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ትግራይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ቀበለ ኣካላቱ ዘርጊሑ ኣብያተ-ጽሕፈት ከም ዝኸፍት፡ ኢትዮ-ኢንሳይደር ነቲ ብ31 ጉንበት 2025 ኣብ ሆቲል ሸራተን ኣዲስ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ’ያ ሓቢራ።

ናይቲ ሰልፊ ናይ መጀመርያ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ፡ ሓደ ካብቶም መስረቲ ዝኾነ ናይ ቅድም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወሃቢ ቃል ዝነበረ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም፡ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ነቲ ግዝያዊ ናይ 3 ኣዋርሕ ፈቓድ ዝረኸቡ ከባቢ ሚእቲ ኣባላት ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ናብ ዕላዊ ጉባአ ንምእታው ዘኽእልዎ ኣባላት ናይ ምምልማል መደብ ከም ዘለዎ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። ናይ መመልመሊ መዕቀኒኦም ብዝምልከት ከም ዝጠቐሶ ድማ መጻኢት ትግራይ ንዝሃንጽ መንእሰይ ወለዶ ፍሉይ ዝያዳ ቆላሕታ ከም ዝህቡ ኣብሪሁ።

ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ኣተሓሒዙ፡ ናይቲ ሓድሽ ውድብ ቀንዲ ኣካላት ሰለስተ ምዃኖም ጠቒሱ፡ ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ እሞ ኣብ ለውጢ ዝኣምኑ፡ ናይ ቀደም ናይቲ ውድብ ባልላት ነይሮም ንለጢ ክቃለስ ዝጸንሐን ንጡፋት  ካድራት ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉን ክብል ዘርዚርዎም። ኣብ ርእሲዚ ኣባላት ህወሓት ትግራይ ንዘይነበሩ መንእሰያትን ምሁራት ፍሉይ ቆላሕታ ከም ዝወሃብ እውን ኣመልኪቱ። እቲ ኣገባብ ኣመላልምላ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከኣ ናይ ጽባሕ ትግራይ ኣብ ምህናጽ ኣስተዋጸኦ ክገብሩ እዮም ዝበሎም ንምስታፍ   ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ንኣመሰራርታ ብዝምልከት ከኣ ኣብ ኩሉ ከባብታት ኢትዮጵያን ኣብ ወጻእን ኣብ ዘሎ ትግራዋይ ከም ዘተኩሩ ብምጥቃስ፡ በቲ ናይ ኣመሰራርታ ኣዋጅ መሰረት፡ ሓደ ብሄራዊ ሰልፊ ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ መስራቲ ጉባአኡ ካብ ዝሳተፉ ልዕሊ 60% ነበርቲ ናይቲ ክልል ክኾኑ ስለ ዝግባእ፡ ቀንዲ ቆላሕተኦም ኣብ ትግራይ ከም ዝኸውንን መስራቲ ጉባአኦም  ኣብ ክልል ትግራይ ከም ዝካየድን ሓቢሩ።

እዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝድሕረ-ባይትኡ “ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ትግራይ” ዝምስረት ዘሎ፡ ኣብ ጽባሕ እቲ ብዶ ደብረጼን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ኣካል ህወሓት፡ ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ “ውድባዊ ኣባልነቱ ተሰሪዙ” ኣብ ዝተባህለሉ እዩ።

Last modified on Monday, 02 June 2025 10:59