ደምዳሚ መግለጺ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
2025-11-25 22:02:41 Written by ማእከላይ መሪሕነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 24 timesማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ዕለት 22 ክሳብ 23 ወርሒ ሕዳር 2025 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ፡ ኣብ ዝተፈለለዩ ጉዳያት ኣገደስቲ ውሳኔታት ብምውሳድ ብዓወት ዛዚሙ።
ዓመታዊ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ዞባናን ከባቢናን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብኲናትን ወረ ኲናትን ተሓሚሱ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብኣህጉራዊ መዳይ ድማ፡ ኣትኩሮን ኣቃልቦን ዓለምና ኣብ ኲናት ዩክረንን ሩስያን ብሓደ ሸነኽ፡ እስራኤልን ፍልስጢኤምን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ተሻቒሉ ኣብ ዘለወሉ ህሞት እዩ ተኻይዱ።
ማእከላይ መሪሕነት ብኣቦ-መንበር ፖ.ሓ.ኤ ዝቐረበሉ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይ ኩለን ቤት ጽሕፈታት ብዝርዝር ድሕሪ ምስማዕ፡ ንዝቐረበ መብርሂታትን ምምሕያሻትን ወሲኹ ኣጽዲቑ። ብድሕርዚ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝጸደቐ ዓመታዊ መደብ ዕዩታት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈታትን ተቖጻጻርን፡ ዝተዓመመን ዘይተዓመመን፥ ሓያልን ድኹምን ጎድንታት ናይ ነፍሲ ወከፎም ገምጊሙ፡ ንዝቕጽል ሓደ ዓመት ነፍሲ-ወከፍ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምንታይ ኣተኲሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ተመያዪጡ። ብዘይካዚ ኣብ ምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ጻዕርታት ከካይድ እኳ እንተጸንሐ ኣብቶም ብዙሕ ዘይተዓወተሎም ነገራት ብሓዲሽ መንፈስን መደባትን በርቲዑ ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣስሚሩሉ ኣሎ።
ማእከላይ መሪሕነት ፖ.ሓ.ኤ ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥን ምርድዳእን በዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ውሳኔታት ዛዚሙ ኣሎ።
ምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዝምልከት፥
- ምምስራት ፖ.ሓ.ኤ ሓደ ስጉምቲ ኣብ መስርሕ ምጥርናፍ ሓይልታት ለውጢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጂ ኣብ መንጎ እቶም መስረትቲ በብእዋኑ ሕድሕድ ምትእምማኖም እናዓበየ ክኸይድ ምጽንሑን፡ ንዝተራእየ ይዕበ ይንኣስ ዘይምርድዳኣት ብዝተፈላለየ መድረኻት ኣዝዩ ሃናጺ ብዝኾነ መንገዲ ክፍታሕ ምጽንሑ ዝነኣድ ኮይኑ፥ ንቐጻሊ እውን እቲ ዝጸንሐ ምዕቡል ኣፈታትሓ ግርጭትን ምርድዳእን ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ዝግባእ ምዃኑ ርእዩ።
- ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ዘዝተወልዱ ናብ ዘይዛሪ ኩናት እናገበረ ጸኒሑን ኣሎን። ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ሃገርና መሬት ዘቢጡ መንእሰያትና ቀዳማይ ምርጫታቶም ስደት ካብ ዝኸውን ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እምበኣር ንጭቑን ህዝብና ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩሉ መዳያዊ ዓመጽ ንምድሓን፡ ሓድነት ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ ንጽባሕ ዘይበሃሎ ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣብተን ኣርባዕተ መቖምያታት ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራውያን ሓይልታት ተጀሚሩ ዝጸንሐ ዘተታት ብሓዲሽ መንፈስን መደብን ተዛትዩ ንምዕዋቱ ክጽዕት ከምዘለዎ ርእዩ። እተን ኣርባዕተ መቖምያታት እዘን ዝስዕባ እየን
ሀ- ህልዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕን፡ ኣብ ብዙሕነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝተሰረተ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ጥጡሕ ባይታ ምምድማድ
ለ- ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምሕላውን ምድልዳልን፡ ንሓባራዊ ሰላማዊ መነባብሮ ጥዑይ ሃዋሁው ንምፍጣርን ምዕያይ
ሐ- ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ባህሊ ዲሞክራስን ሰላምን ሓባራዊ መነባብሮን ሃናጺ ዘተን ምዝርጋሕ
መ- ኣብ ሃገራዊ ልዑላውነትን፡ ፍትሓውነት ናጽነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ብምእማን ንዝቃለሱ ሓይልታት ዝጠራንፍ ዝብልዩ።
- ኣብዘን ኣርባዕተ መቖምያታት ሃገራዊ ሓይልታት ዝተመርኮሰ ሰፊሕ ናይ ምጥርናፍ ባይታ ንምጥጣሕ ዝቕጽል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ መጽናዕቲ ኣቕሪቡ ንናይ ዘተ ሽማግለኡ ከስንቕ ወሲኑ።
- ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዘካይድ ጉባኤ ዓወት ብምምናይ፣ ሒዝናዮ ዘለና ቻርተርን ሕገ-ህንጻን ኣብ ምንዳፉ ተሳታፊ ከምዝነበረ ፍሉጥ ኮይኑ ድሕሪ ጉባኤኦም ናይ ዘተን ልዝብን መስርሕ ንኽንቅጽሎ ድሉው ምዃኑ ማእከላይ መሪሕነት ወሲኑ።
- ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤልደለ) ኣብ ክሊ እቲ ብፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሓጺር ግዜ ዝቐርብ መጽናዕቲ ዝጀመርናዮ መስርሕ ዘተ ክቕጽል ከምዘለዎ ርእዩ።
- ምስ ካልኦት ብተናጸል ክዛተዩ ድሉዋት ምስ ዝኾኑ ውድባት እንተኾነ’ውን ብመሰረት እቲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከቕርቦ እንጽበዮ መጽናዕቲ ንምዝታይ ቅሩባት ከምዘለና እውን ማእከላይ መሪሕነት ወሲኑ።
ዝምድናና ምስ ናይ ደገ ሓይልታት
ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት (መንግስታት፥ ውድባት፥ ግንባራት) ዝግበር ዝምድና፡ ኣብ ልዑላውነት ሕድሕድ ሃገራት ዘኽብር፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ዕብየትን መርሆ መሰረት ዝገበረ ይኸውን።
ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ኣብያተ ጽሕፈታት ፖ.ሓ.ኤ
ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ዝጸንሔ እወንታታትን ሕጽረታትን ድሕሪ ምግምጋም፡ ስሉጥን ኣድማዕን ስራሕት ኣብ ምስልሳል ክካተቱ ዘለዎም ኣገዳስቲ መሳርሒታትን ምምላእ ዓቅሚ ሰባትን ከምዘድሊ፡ ኣብዝቐረቡ ትልሚ መደብ ዕዮታትውን ቀዳምነት ክዋሃቦም ዝግባኦም ዕማማት ብዝሰርዐ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ ትልሚ መደብ ዕዮ ኣጽዲቑ።
ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ፡ ህዝብና ብሰሪ ሕሰም ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስደትን ከርተትን ከምዘሎ ርዱእ ኮይኑ፡ ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኣብ ርእስቲ ሒዝዎ ዝጸንሔ ዕማማት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኩነታቶም ከጽንዕን ዘድልዮም ነገራዊ ሓገዛት ንምርካብ ናብ ገቢረ ሰናይ ትካላትን መንግስታትን መዘክራት ከቕርብን ክጉስጉስን መሪሕነት ወሲኑ።
ማእከላይ መሪሕነት ነቲ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ ምቅርራብ፡ ኣብ ምስንድኡ ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ሓሳባት ብምቅራብ፡ ንፈጻሚ ኣካል፣ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንኽምዝዝን ዘድሊ ቀረባት ከጣዓዕምን ሓላፍነት ኣሰኪሙ።
- ኣብ መጨረሽታ ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ ከገልግሉ ዝጸንሑ 9ተ ኣባላት መሪሕነት ደጊሞም ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ከገልግሉን ክቕጽሉን ምስ ዘድሊ ኣብ ውሽጦም ምምዕርራይ ክገብሩ ሓላፍነት ብምሃብን ኣኼብኡ ዛዚሙ።
ብሓድነት ንሓርነት
ማእከላይ መሪሕነት 23/11/2025