ኤርትራውያን ኣብ ውድድር ኣፍሪቃ ኣንጸባራቒ ዓወት ኣመዝጊቦም
2025-11-26 09:53:36 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 69 timesኮንፈደረሽን ውድድር ብሽግለታ ኣፍሪቃ ኣብ ዘዳለዎ ዓመታዊ ውድድር ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ኣንጸባራቒ ዓወት ከም ዝመዝገቡ ዳይሊ ነሽን (daily nation) ዝተባህለት ጋዜጣ ኬንያ ሓቢራ። ኣብዚ ኤርትራውያን ብዝለዓለ ደረጃ ዝተዓወትሉ ውድድር ካብ 30 ሃገራት ዝተወከሉ 300 ኣፍሪቃውያን ተወዳደርቲ ተሳተፍቲ ከም ዝነበሩ’ውን እታ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።
ጋዜጣ ደይሊ ኔሽን ከም ዘስፈረቶ፡ ኣቀማምጣ መሬት ኤርትራ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሓዘ ስለ ዝኾነን እቶም ተወዳደርቲ ኣብ ጐላጉል ቀይሕ ባሕሪ ከይተረፈ፡ ኣብ በሪኽን ዓሚቑን ኣብ ጐልጐልን ዓቐብን ስለ ዝተለማመዱ ብዝረኸብዎ ዓቐብ ናይ ምድያብን ቁልቁለት ናይ ምውራድን ተመኩሮ ኣብ ዓወት ከም ዝበጽሑ ጠቒሳ።
ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ኣብዚ ካብ 20 ክሳብ 23 ሕዳር 2025 ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ውድድር 3 ወርቂ፡ 5 ነሃስን 3 ብሩርን ብድምር ብክልቲኡ ጾታታት 10 መዳልያታት እዮም ረኺቦም። ኣብቲ ኣብ 23 ሕዳር ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ውድድር፡ መርሃዊ ቅዱስ ካብ ጋንታ ዓበይቲ፡ ዓወት ኣማን ካብ ትሕቲ 23 ዓመት ዝዕድመኦም ናታን መድሃኔ ድማ ካብ መደብ ማእከሎት ሰለስቲኦም ወርቂ መዳልያ ከም ዝረኸቡ ተፈሊጡ። ኣብ ርእሲዚ ናሆም ኤፍረምን መዋእል ግርማይን ብወገኖም ከካብ መወዳድርቶም ነሃሲ መዳልያ ዝሰዓሩ እዮም።
ብኻልእ ወገን ድማ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ኣድያም ተስፉ ካብ መወዳድርታ ነሃሲ መዳልያ ክትወስድ እንከላ፡ ሞናሊዛ ኣርኣያ ከኣ መዳልያ ኣስራዚ ስዒራ። ኣብ ርእሲዚ ሱዛና ፍሰሃየን ብርኽቲ ፍሰሃየን ካለኦት መዳልያ ኣስራዚ ካብ ዝረኸባ ምዃነን ተሓቢሩ።