In a memo addressed to Italian Foreign Minister Paolo Gentiloni, the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) expressed its "profound disappointment and regret" to Italy for allowing the so-called Young-PFDJ to hold a festival in Rome.

 

The memorandum, sent on 27 March 2016, informed the minister and the Italian government that the YPFDJ "is nothing but a propaganda and security outfit of the Asmara regime" and that its annual festivals are addressed by officials of PFDJ who aim and usually succeed "to brainwash and poison innocent European children of Eritrean origin with the regime's propaganda of hate and inter-communal divisions".

 

The EPDP memo did not hide that the so-called Young-PFDJ can also be referred as the “Isaias Youth” and that it reminds one of the "hated Hitlerjugend (Hitler Youth) of the last century".

 

The memorandum further explained that the Asmara regime uses the youth and their parents to intimidate those who openly talk against the repressive regime and that it was one of the top leaders of this YPDDJ that earlier this year accused a Dutch professor, Mirjam van Reisen, on false claims of 'libel' with the intent of intimidating and stopping her from exposing the abuses of the Eritrean regime against its own people.

 

The EPDP described the event in Rome as "a provocation" to Italy and Eritreans struggling for change and democracy in their country.

 

Addressed by the EPDP Foreign Relations Office, the memo to Italy made it clear that those who gather for such annual jamborees of YPFDJ include parents and relatives of the young persons who are "hostages of the dictatorship in Eritrea". They are forced to do so have a continued contact with the embassies in Europe and to safeguard their interests in Eritrea, it stated.

 

The memorandum finally urged the Italian Government to stop any cooperation with this PFDJ outfit of exploitation, control and intimidation.

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢጣልያ፡ ፓውሎ ጀንቲሎኒ መዘክር ልኢኹ። ኣብቲ ዝለኣኾ መዘክር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢጣልያ ዘለዎ ቅሬታ ገሊጹ። እዚ ብ27 መጋቢት 2016 ዝወጸ መዘክር፡ ንወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን መንግስትን ኢጣልያ፡ ጉጅለ መንእሰይ ህግደፍ፡ ናይ መንግስቲ ኣስመራ ናይ ፕሮፓጋንዳን ስለያን ኣካል ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ ዕማም ከም ዘየብሉ ሓቢሩ። በዚ መሰረት ዓመታዊ ፈስቲቫላቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝዕደምሉ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ መዘክር ኣተሓሒዙ ናይቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብዚ ፈስቲቫላት ናይ ምስታፍ ዕላማ፡ ኤርትራ ንዝመበቆሎም ንጹሃት ኤውሮጳውያን ቆልዑ፡ ብናይ ህግደፍ ናይ ጽልኢ ፕሮፓጋንዳ ንምምራዝን ንምክፍፋልን ምዃኑ እቲ ጠቒሱ።

 

እቲ ናይ ሰደህኤ መዘክር፡ እቲ ጉጅለ መንእሰያት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ናይ ግዜ ሂትለር ዝበሃል ዝነበረ “መንእሰያት ኢሳይያስ” እንዳተባህለ ከም ዝጽዋዕ ኣቃሊዑ።

.

እቲ መዘክር ብምቕጻል መንግስቲ ኣስመራ ንመንእሰያት፡ ከም መፈራርሒ ነቶም ኣንጻሩ ብጋህዲ ዘቃልዑ ወገናት ከም ዝጥቀመሎም ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ እዚ ጉጅለ መንእሰያት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ሆላንዳዊት ፕሮፈሶር ሚርያም ቫን ረይዘን፡ ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ በደል ንምቅላዕ ዘካይደኦ ጻዕርን ጠጠው ንምባሉ ብኣካልት ህግደፍ ዝተገብረ ፈተነን ከም ኣብነት ኣስፊሩ።

.

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ከተማ ሮም ተረኽቦ፡ ነቶም ንለውጥን ደሞክራስን ዝቃለሱ ኤርትራውያንን ኢጣልያውያንን ዘሰንብድ እዩ ኢሉ።

 

እዚ ብናይ ሰደህኤ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝውጸ መዘክ፡ እቲ ኣብ ኢጣልያ ንዓመታዊ ፌስታ ዝእከብ ጉጅለ መንእሰያት ህግደፍ፡ ብህግደፍ ጅሆ ዝተታሕዙ ስድራቤታት’ውን ከም ዝርከብዎም ጠቒሱ፡ እዚኣቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዎም ረብሓ ንምውሓስ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ዘለዉ ኢምባሲታት ህግደፍ ርክብ ከም ዘለዎም ሓቢሩ።

 

እቲ መዘክር ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኢጣልያ ምስቲ ናይ ምዝመዛን ምፍርራሕን ምትእኽኻባት ዝገብሮ ምትሕብባር ንከቋርጽ ተማሕጺኑ።

في بيانه الصحفي الصادر في التاسع من مارس 2016م أعلن البرلمان البريطاني بإجماع مختلف أحزابه أنه كـَــوَّنَ هيئة خاصة بمتابعة الشؤون الارترية، هذا وقد برر البيان القرار بما تعانيه ارتريا من غياب الديمقراطية وحقوق الانسان، وأوضح أن الهيئة البرلمانية المعنية سوف تعمل علي خلق رأي عام اقليمي ودولي مساند لقضايا الشعب الارتري الذي يعيش حالة رعب وسلب تام لحقوقه وحرياته الأساسية، ومن ثم وضع الحلول والمعالجات لهذه المعاناة المقلقة.

 

القرار الذي يعكس رؤية مهتمين أجانب بالشأن الارتري إنما يوضح بما لا يدع مجالاً للشك أن أوراق التوت الدبلوماسية التي كانت تغطي قبح الدكتاتورية في ارتريا بدأت تتساقط الواحدة تلو الأخرى، وبالنسبة لنا نحن أصحاب الشأن المعنيين بقضايا الديمقراطية والعدالة يشكل القرار دعماً معنوياً كبيراً، والأكبر من ذلك أن نستفيد من القرار بخطو خطوات قوية الي الأمام لدفع مزيد من القوى الأخرى الي مساندتنا. ولن يكون العمل الخارجي ذا جدوى ما لم تتبعه خطوات داخلية وخارجية داعمة من أصحاب الشأن. إذ ليس أحد المجهودين بديل للآخر.

 

رسالة البرلمان البريطاني من هذا القرار بالنسبة لنظام الهقدف باتت واضحة، إنها تخاطبه قائلةً: إنك تعتقل بلا قانون وتعسكر وتشغـِّــل الناس قسراً وبلا مقابل، لم تجر انتخابات عامة خلال مدة نظامك هذا، أي منذ ربع قرن، قمت بتعطيل الدستور المجاز من قبل الشعب، الحقوق والحريات الأساسية معطلة، وعليه ما لم تغير سيرتك هذه يتوجب عليك التنحي طوعاً أو كرهاً، ونحن، أي الإنجليز، بدورنا سوف نضطر الي دعم كل ما يؤدي الي تنحيتك مادمت مصراً علي نهجك الحالي!!. الرسالة بالطبع لا تخاطب النظام وحده، إنها بطريقة غير مباشرة تعني معارضي هذا النظام وتستحث خطاهم في الدفع بجهود تنحية الدكتاتورية وإقامة الديمقراطية وترسيخها، دون أن تنتظر رداً إيجابياً أو سلبياً من الهقدف. بالطبع هذه ليست المرة الأولى التي نواجه فيها بتحدٍّ إيجابيٍّ كهذا، لكن للأسف حتى اليوم ظلت استجابتنا لمثل ذلك التحدّي دون المستوى المطلوب. لذلك مستفيدين من هذه الخطوة التي اتخذها مهتمون بشأننا من منطلق إنساني بحت علينا أن نتخذ نحن أيضاً خطوات مماثلة، كلٌّ حسب إمكاناته المادية والمعنوية.

 

قد يوجد بيننا، كمجتمع ارتري، من لم يتعافَ حتى الآن من الهيام بالنظام منكراً ما يرتكبه من جرائم بحق شعبه، ولكن اليوم الذي يضطر فيه هؤلاء الي تقيـُّــؤ الحقيقة قسراً لم يعد بعيداً. وحتى ذلك الحين تقع علينا، نحن قوى التغيير، الاستجابة للتحديات الماثلة أمامنا، سلبيةً كانت أم إيجابية، وأي تهاون في هذه المهمة سوف يضعنا أم مساءلة تاريخية. نحن في حزب الشعب الديمقراطي الارتري كما هو ديدننا دوماً سوف نسعى الي استثمار مثل هذه الفرص ونبذل أقصى ما نستطيع في خدمة كل ما من شأنه خدمة شعبنا وبلادنا.

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣጸጋሚ ኩነታት ብቓልሲ ክፍታሕ ከም ዝግበኦ ንቑንጣሮ ደገፍቲ ህግደፍ ገዲፍካ፡ ናይ ኤርትራውያን ናይ ሓባር ዕግበት እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ውዳበታት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ንቃለስ ዘለና። ባህርያት ናይቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም ኣብ ምድህሳስ ብዙሕ ፍልልይ ዘለና ኣይንመስል። ኣብ ኤርትራ ናይ ዘሎ ጸገም ቀንዲ መበገሲ ጥልመትን ወጽዓን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ፍታሕ ድማ ቅድሚ ኩሉ ነዚ ጠንቂ ምውጋድን ኣብ ክንድኡ ንኩለመዳያዊ ብዙሕነት ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ስርዓት ክትተክል ምብቃዕ እዩ። እዚ ጉጅለ ብጥሪኡ ጸረ-ህዝቢ ኢልካዮ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ብደቂቑ ምጽናዕ ዘድልዮ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብዚ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ ኣየናይ ኣገባብ ከም እትኽተል ዝውስን። ክጽናዕ እንከሎ ከኣ ንኩሉ ከቢብዎ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እዩ።

ኣብ ኣገላልጻ ፖለቲካዊ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ ፍልልያት ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና። ገሌና ጸረ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን ደሞክራስን ንብሎ። ገሌና ድማ ምስ ሃይማኖታውን ብሄራውን ጸቢብነት ኣላጊብና ንገልጾ። ብወተሃደራዊ ትምክሕቲ እንገልጾ እውን ኣለና። ካብዚ ናይ ኣገላልጻና ፍልልያት እንዳነቐልና ድማ ኣብቲ ኣንጻሩ ዝግበር ግጥሚያ እንመርጾ ኣገባብን ድሕሪ ውድቀቱ ነቕርቦ መተካእታን ንፈላለ። ገሌና ጐነጻዊ ክንብል እንከለና ገሌና ድማ ዘይጎነጻዊ ንብል። ኩልና ከምዘይንስሕቶ እዚ ኣገባባት እዚ ሎሚ ንሕና ንህንድሶ ዘለና ሓድሽ ኣገባባት ዘይኮነ፡ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎን ኣንጻር ብዙሓት መለኽቲ ሓይልታት ዘዕወተን እዩ። ናይ ክልቲኡ ናይ መወዳእታ መዓርፎ ከኣ ሓደ እዩ፡ ምውጋድ ምልኪ። እዚ ኣገባባት ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ዝወስዶ ግዜ፡ ዝሓቶ ዋጋን ድሕሪ ውድቀት መላኺ ዝገድፎ ኣሰርን ከም ዝፈላለ ግና ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

እዚ ክልተ ኣገባብ ቃልሲ ከም ምርጫ ምስ ቀረበ፡ ኣየንኡ ንምምራጽ እቲ ክንምረሓሉ ዝግበኣና ኣብ ባህጊ ወይ ህርፋን ዘይኮነስ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ክውንነት ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ኣብቲ መጽናዕቲ ኣብ ግምት ክኣትዉ ካብ ዝግበኦም ነጥብታት፡ ናይ ህዝቢ ናይ ምድጋፍን ምስናቕን ቅሩብነት፡ ናይ መንእሰይ ናይ ምቕጻልን ምትኽኻእን ድልውነት፡ ናይቲ ኣንጻሩ እትቃለስ ወጻዒ ድኹምን ድልዱልን ጐድንታትን ምስቲ ህዝቢ ዘለዎ ዝምድናን፡ ናትካ ኮነ ናይ ጸላኢኻ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ዓለማውን ከባብያውን ኩነታት፡ ካብቶም ቀንድታት እዮም። ውጽኢት ናይቲ ነዞም ነጥብታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝግበር መጽናዕቲ ድማ ናብቲ ቅኑዕ ኣገባብ ኣቀላልሳ ይመርሓካ። ኣብዚ መጽናዕቲ ዝፍጠር ፍልልይ ድማ ናብ ዝተፈላለየ ኣገባብ ምኽታል ይወስደካ። ነዚ መጽናዕትን ገምጋምን’ዚ ጥሒስካ፡ ብስምዒት በቲ ትሃርፎ ወይ ትብህጎ ጥራይ ምኻድ ግና ኣየዕውትን ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ዘይተደላዪ መንገዲ እዩ ዝመርሓካ።

ኣገባብ ቃልሲ ክምረጽ እንከሎ፡ ንመልክዕን ርኣዩለይ ስምዑለይን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ለውጢ ንምምጻእ እዩ። ስለ ዝመረጽካዮ ጥራይ ባዕሉ ለውጢ የምጽእ ማአት’ውን ኣይኮነን። ኣብዚ መዳይ ነቲ ዝመረጽናዮ ኣገባብ ኣድማዒ ኣብ ምግባሩ ብዙሕ ከም ዝተርፈና ዝሰሓት ኣይኮነን። ዝመረጽካዮ ኣገባብ ሓንሳብ ምስ ዘራእካዮ ዘየፍሪ እንተኾይኑ፡ ዳግማይ ገምጋምን ምትዕርራይን ምግባር ኣድላዪ እዩ። እዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ጌና ዝተለምደ ኣይኮነን። በቲ ኣብ ባይታ ዝንበብ ዘይኮነስ በቲ ሓንሳብ ዝመረጽካዮ ኣገባብ ጥራይ “ጅግና” መሲልካ ናይ ምቕራብ ድሌት ነስተውዕል ኢና ። ስለዚ ሕጂ እውን እቲ ዘዋጽእ፡ ንነገራት በቲ ንሃርፎን ንብህጎ ዘይኮነስ፡ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዝድህሰ መርተዖ ክትዕቅኖ ምብቃዕ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝመርጽ እምበኣር፡ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሓቂ ነቒሉ ኣብ ናቱ መጽናዕትን ገምጋምን ተመስሪቱ እዩ። ናቱ ገምጋምን መጽናዕትን ናይ ግድን ናይቶም ካለኦት ኣካላት’ውን ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ስለ ዘይኣምን፡ ካልኦት ኣካላት ካብ ናቶም ገምጋም ነቒሎም ነቲ ካልእ ኣገባብ ክመርጹ እንከለዉ ኣብ ቅድሚኦም ኣይጸንሕን እዩ። ንዓኡ ግና እቲ ቅኑዕ ኣገባብ እቲ ናቱ ምርጫ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ካብ ዝረኣዩ ጸገማት ነዚ ክልቲኡ ነናቱ ታሪኽን ናይ ተዓዋትነት ተመኩሮን ዘለዎም ኣገባባት፡ እንተ ብዘይፍላጥ ወይ ኮነ ኢልካ ብፍላጥ ብግጉይ ምትርጓሞም እዩ። ነቲ ናትካ ምርጫ ከም ናይ ሓያልን ተባዕን፡ ደላይ መሰረታዊ ለውጢ መዕቀኒ ኣምሲልካ ብምቕራብ ነቲ ናይቲ ካልእ ወገን ምርጫ ምንእኣስ። እሞ ድማ እቲ ንስኻ ዝመረጽካዮ ኣገባብ እውን ፍሕዅ ምባል ከም ዝሰኣነ ኣብቲ ባይታ እንዳመስከረ። ከም ኣብነት ንዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ብባህሪኡ ኣገዳዲ ምዃኑን፡ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ኣንጻር መለኽቲ ዓወት የመዝግብ ከምዘሎን እንዳረኣኻ፡ ከም ንጸላኢ ዕታር ዕንበባ ምብርካት፡ ጸላኢ ንዘተ ክጽወዓካ ምጽባይ፡ ናይ ጽገና መንግዲ፡ ኮታ ከም ምንብርካኽ ጌርካ ምውሳዱ ይስማዕ እዩ። ነቲ ንዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ብኸምዚ ግጉይ ኣገባብ ዝገልጾ ኣካል “ንስኻኸ ኣብቲ እትንእዶ ጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ንምስላፍ ክሳብ ክንደይ ኢኻ ድልዊ?” ኢልና እንተንሓቶ፡ መልሱ እንታይ ከም ዝኸውን ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

إدارة نظام إسياس الدكتاتوري فاقدة الشرعية والقانون بعد أن ظلت لسنوات تنفي كل وجود لأسرى حرب جيبوتيين لديها، اضطرت أخيراً للاعتراف بوجودهم بل اضطرت الي إطلاق سراحهم، وبالتالي كشفت عن كذبها أمام العالم بعد إصرارٍ عنيد علي النفي حتى مع الوسيط القطري صاحب مبادرة الصلح بين جيبوتي وأسمرا.

 

لقد أسفرت الجهود القطرية الخيـِّــرة بقيادة وزير الخارجية الشيخ/ حمد بن عبد الرحمن آل ثاني عن إطلاق سراح 4 أسرى حرب جيبوتيين من سجون أفورقي. هذا وقد أشاد بالخطوة القطرية كلٌّ من مجلس التعاون الخليجي ممثلاً في أمينه العام الدكتور/ عبد اللطيف الزيان والأمم المتحدة ممثلةً في أمينها العام السيد/ بان كي مون.

 

يجدر بالذكر أن مجلس التعاون الخليجي عبارة عن تكتــُّــل سياسي اقتصادي عربي يضم ستاً من الدول العربية المطلة علي الخليج العربي تأسس بالسعودية في مايو 1981م. دوله المؤسسة والأعضاء هي: المملكة العربية السعودية، دولة الإمارات العربية المتحدة، دولة قطر، مملكة البحرين، دولة الكويت وسلطنة عمان.

 

يا ترى ما مصير العشرات من رفاق نضال إسياس في المعركة من أجل استقلال بلادهم والذين طال مكوثهم في سجونه ومئات من الارتريين المدنيين والعسكريين الذين ساقتهم سياسات النظام الخرقاء الي المعتقلات الجيبوتية؟ أما آلاف الارتريين الذين تعج بهم المعتقلات العشوائية في زنازين فوق الأرض وتحتها وتحت أسوأ الظروف فمنهم من مات ومنهم من بقى علي قيد الحياة في وضعٍ أقرب الي الموت منه الي الحياة. وإذا كان النظام ينفي من الأساس أنه سجن الموتى من هؤلاء السجناء فلن يكون حظ الأحياء منهم بأفضل من حظ الموتى إذ إن إنكاره المستمر لاعتقالهم من الأصل إنما هو للتنصل عن أية مسئولية تجاههم أحياء كانوا أم موتى.

 

لو كان نظام أسمرا عادلاً لما كان بحاجة الي أية وساطة لإطلاق هؤلاء الأسرى والسجناء مجبراً صاغراً، لكن هل من أمل أن تكون الخطوة الحالية المتخذة من النظام تحت سياط الضغط السياسي والاقتصادي والدبلوماسي الإقليمي والدولي بارقة أمل لمن يقبعون وراء الأسوار من الارتريين في سجون بلادهم وجيبوتي؟.

 

 

لا توجد حتى الآن معلومات حول ما إذا كانت الوساطة القطرية قد شملت الي جانب الأسرى الجيبوتيين الأربع المعتقلين في ارتريا نظراءهم التسع عشر عسكرياً ارترياً القابعين بسجون جيبوتي. لكن الطبع المألوف لنظام اسمرا الدكتاتوري هو الإصرار علي الإنكار لكل شيء علي علاقة بمعلومات عن السجن والسجناء لأنه في كل الأحوال هو السجان مباشرة أو بغير مباشرة، لذلك لا نستبعد أن ينكر وجود هؤلاء السجناء الارتريين الأسرى في سجون جيبوتي. هذا وفي كل الأحوال كان المفترض والأوجب والأصح أن تشمل الوساطة كلا طرفي المعادلة، سجناء ارتريا وسجناء جيبوتي، وقصورها عن التعامل مع الأمر بنظرة عادلة ومحايدة قد يحرف مقصدها النبيل عن مساره الصحيح وبالتالي قد ينزع عنها لباس الوساطة المبرأة من الغرض. لذلك نحن علي أمل كبير أن تضاعف الوساطة القطرية وغيرها من المبادرات الإقليمية والدولية جهودها وضغوطها الدبلوماسية من أجل إطلاق سراح السجناء الارتريين في سجون كلا البلدين، ارتريا وجيبوتي.

ሎሚ ዕለት 10.03.2016 ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምሀርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ብሓባር ተጠርኒፉ ብድሙቕ በዓል ዛዚመን። ኣብዚ ዓመት መጸት እናደመቐ ዝውዕል ዕለት ዕድመ ዝተገብረሎም ናይ ክልቲኡ ቤተክርስትያን ካህናት (ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላን ካህናት ቁዱስ ሚካኤልን) ናይ መንግስቲ ሱዳን ዳይረክተ ናይ ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ሱዳን ሓው ደክተር ዓድል መሓመድዜን ከምኡውን ዳይርክተ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሳላሓዲን ኣል-ኢዮቢ ሓው ኣስርን ወከልቲ ማሕበረኮማት ኤረትራን ኢትዮጵያዊያን ህንዲ ወለዲ ተማሃሮን ተሳቲፎም።

CatholicScoolpic 1

ምዝዛም ናይ 2015-2016 ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ከምቲ ልሙድ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ሎሚ ዘመን እውን ብዘደንቕ ኣገባብ (ፍረ ጻማና ዕቤት ውጼኢት ስራሕና ዕቤት ፈልጠትና ) ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብታ ፍልጠት እተቅስም (እተምህር) ውቅብትን ብዝተፈለዩ ጭርሖታት ዝተሸልመት ዳስና ልክዕ ሰዓት 2፡30 ድሕሪ ቀትሪ ብመምህር ወልደሂወት ቀለታ ብጨብጨ እልልታን ተኸፊቱ።

ዘመስጥ መዛሙር ግጥሚታትን ብህጻናት ተማሃሮ መባእታ ቤት ትምህርቲ ተቀረበ። ዝያዳ ሰሓቢ ብምንባሩ ወለድን ኣጋይሽን ናይ ሓጎስ ዳስታን ስምዒታትን ኣብ ገጻት ህዝቢ ይረኣን ይንበብን ነበረ ።ብምቅጻል ድራማታትን ፡ ተዋስኦታትን ፡ ግጥሚታትን ብማእከላይን ላዕለዋይን ተማሃሮን ምስ ግዜ ዝኸይድ ትምህርቲ ሓዘል ብቛንቛታት ትግርኛን ፡ እንግሊዝን ፡ ዓረብን ምኽርን ፍልጠትን ናይ ዝመጽእ ዕላማ ዝሕብሩን ብምንባሮም ዝያዳ ነቲ ህዝቢ ዓቢ ናይ ትምህርቲ ድሌት ዘስሕቡ ሃዋህውን ባይታን ዝፈጥሩ ነበሩ ።

CatholicScoolpic 2

እቲ ዝያዳ ብሩህን ተፈታውን ዝነበረ እሞ ዓቢ ድምቐት ዘሐደረ ብዝነኣድ ኣገባብ ናይ ሃገር ባህልን ልምድን ስሚዒታት ዘበራብሩን ዘዘኻኽፋን ብትግሪኛን፡ ትግረን፡ ብለንን፡ ኣምሓሪና ዝቀረበ ደርፍታት ምስቲ ባህላዊ ኣልባሳቶም ብምርኣይ ነቲ ኣብ ኣብ ዳስ ዝነበረ ህዝቢ ብርቱዕ ሃገራዊ ባህላዊ ናፍቆት ስለ ዘዘኻኽሮም ብሓያል ጨብጨባን እልልታን ካብ ልቦም ዝነቀለ ስሚዒታቶምን ይገልጹ ነበሩ። ኣብ መንጎ ናይቲ ብጉጅለ ባህሊ ተመሃሮ ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ከኣ ቃል መማህራን ብመምህር ወልደየሱስ ሃብተ ቃል ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ቃል ዳይርክተር ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ሱዳን ሓው ዶክተር ዓድል መሓመድዜን ተዋሂቡ። ዝተፈላለየ ሽልማታት ከኣ ተዓዲሉ።

CatholicScoolpic 3

ንመማህራን ወኪሉ መምህር ወልደየሱስ ሃብተ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ድምቕ ሰላምታ ብቕዳም ሎሚ’ውን ከም ቀደምና ‘’ግዜ ባዕሉ ዝመጽእ’’ ወናኒ ዘይብሉ ብምዃን እንሆ ዕለት ምዕጻው ካቶሊካዊት ቤ\ክ\ከሰላ ዳሳ ብዓጀብ ሽልማ ተኽላ ፍረ ዓመት ናይ ተምሃሮ ኣብ ውጺኢት ስራሖም ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ተመርኩስና ኣብ ኣድራሽ ኮፍ ኢልና ብሓገዝ ትኹራት መማህራን ተማሃሮን ዝተጻለወ ተዋስኦታትን ግጥሚታትን ድራማን ንሓንጎል ዘመስጡ ብሂላትን ብምርኣይን ብምስማዕን ነቲ ወርቅዊ ግዜኹም ተሕልፋን ትዘናግዑን ኣሎኹም።

ክቡራት ወለድን ኣጋይሽን ትዕዘብዎ ዘለኹም ተርእዮታት ደቕና ኣብ ስደት ብምህላዎም መጠን ቛንቛ ስደት´ውን ብመጠኑ ስለ ዝወረሱ ኣብ መልሓሶም ጌጋ ኣድማምጻ ትግሪኛ ········ ክህልዎም ስለ ዝኽእል ግር ኣይበልኩም።

 CatholicScoolpic 4ናብ ቁም ነገር ክምለስ ኣድላይቲ ነጥብታት ኵውከስ፣ተማሃራይ መን ኢዩ ? መምህርከ ብከመይ ይሕግዞ? ተራ ወለዲኸ እንታይ ኢዩ?. ከባቢኻ ከመይ ዝኣመሰለ ኢዩ?. ተማሃራይ ንክመሃርከ እንታይ የድልዮ?

- ብሓጽሩ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ንምምላሽ ፣ ተማሃራይ ፣ ወለድን ፣ መምህርን ኣብ ምኽትታል ስራሕ ትምህርቲ ሓደ ምስ ዝኸኑ ኢዮም። እዚ እሞር እዚ ብጣዕሚ ብዕምቆት ምርዳእ ዘድልዮ ኢዩ።

- ትምህርቲ ብግቡእ ንክኸይድ ቅሳነት ስድራ ቤት የድሊ። ወለዲ ምስ ከባቢ ምስ ዝርበሹ እቲ ትምሕርቲ´ውን ብኣኡ ይጽሎ እሞ ውጺኢት ደቆም ብልዕሊ ዝበለ ደረጃ ነጥቢ ክጽበዩ ኣይክእሉን ኢዮም።

- እዚ ኵነታት´ዚ ብፍላይ ኣብዚ ሰዓት እዚኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንጎል ስደተኛ ዝረአን ዘሎን ብምዃኑ እቲ ቀንዲ ኣንጻር (ፀረ ) ጉዕዞ ትምህርትና ኰይኑ ኣሎ።

- ግድን ኢዩ ብግቡእ ተማህርካ ማዕብልካ ጽቡቕ ስራሕ ንክትረክብ ነዊሕ ግዜ ይውስድ፣ ግን ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓጺር መንገዲ ወሲድካ ሕይወትካ ምምራሕ ዝብል ጭርሖ ኢዩ፣ እዚ ፍጹም ጸረ ምዕባሌ ትምህርቲ ኢዩ። ስለዚ ካብ ኣፍረይቲ ዘያፍረይቲ ሰባት ንኸውን ። ናይ ሎሚ ተክኖሎጂ ምዕቡል ሓንጎል ይሓተና ኣሎ ፣ ስለዚ ተካእቲ ናይ ጽባሕ ወልዶ ንኽከውን ምስ እንመሃር ጥራሕ ኢዩ።

  • ኩሉ ሰብ ባህሪየቱን ጥባየቱን ኣተዓባቢይኡን ሓደ ኣይኮነን ። ባህራየትን ጠባያት ናይ ተማሃሮና ድማ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ይኸውን ። መማህራን እኩብ ድምር ናይዚ ጠባያት ኣማእኪሎም ይጐዓዙ ።
  • መንፈስ መምህር ኣብ ቦታኡ ከሎ ፣ መንፈስ ተማሃራይ ሸገርገር ዝብል ይመስል፣ ንቅድሚት ንሳልሳይ ሃገር ንስደት ስለዘዘንብልኣብ መንጎ ወልድን መማህራንን ፍሕሽው ዝበለ ዝምድና ይመሰል።
  • ብኣውንተ ክንገልጽ ከሎና ካቶሊካዊት ቤ\ክ\ ኣብየተ ትምህርቲ ከሰላ ኣብ ድሮ ናይ ወርቓዊ ኢዩቤል ዝኸይድ ዘሎ ብዙሓት ዜጋታት ኣምህሩ ናብ ክብ ዝበለ ናብራ ዓለም እናሰርሑ ጽቡቕ ህይወት የሕልፋ ከምዘሎው´ውን ኣመስኪራ ኢያ ። ብራቮ ( ኣቅሳሚት ፍልጠት ዝኾንኪ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ከሰላ ።
  • ናይ ሎሞ ዘመን 2015-2016 ሰንጠረዥ ተማሃሮና እዚ ዝስዕብ ኢዩ
  መባእታ ማእከላይ ላዕላዋይ ድምር
ፈለማ ዓመት ዝተመዝገቡ 203 230 194 627
ምሉእ ዓመት ዝቀጸሉ 178 163 165 508
ዝሓለፉ 154 125 155 434
ዝተረፉ 24 38 10 72
ብዝሒ ዝሓደጉ ( dropout ) 25 67 29 121
  • ኣብ መወዳታ ክብሎ ዝደሊ
  1. ናይ 12 መርመራ ተዳሊኹም ዓመት ይምነየልኩም
  2. ነዚ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ንምዕጻው ቤ\ት ሰብ ምርኢት መማህራን ተማሃሮን የመጉስ
  3. ሽማገለ ወለዲ ተሳትፎኹም ብዅሉ ሸነኻቱ የመጉስ
  4. ሓው ዝኾነ መንግስቲ ህዝብን ሱዳን የመጉስ
  5. ማሕበር ካቡቺኒ ኣበርክቶን ቆላሕታ ንህዝቢ ምሃቡ የመጉስ ብምባል ቃሉ ዛዚሙ፥

CatholicScoolpic 5ቀጺሉ ዝያዳ ተጠቅምቲ ንሕና ተማሃሮ ናይ ሎሚ ዕንባባ ናይ ጽባሕ ፍረ ብምዃና መጠን ፍልጠት ዘቅሰሙና ክቡራት መማህራንና እናነኣድና በላሕትን ብሉጻትን ተማሃሮ ክንከውን ኣሎና ብምባል ብተማሃሪትሄለን ግርማይ ቃል ተማሃሮ ቀረበ። ኣብ መፋሪቅ ናይቲ ፕርግራም ሰዓት 3፡30 ሓላፊ ናይ ዘይ ምንግስታውያን ኣብያት ትምህርቲ ዞባ ከሰላ ዶክቶር ዓድል መሓመድዜን ምስ ጉጅለኡ ኣብ በዓል ብምምጻእ ምውቅ ኣቀባብላ ብህዝቢ ተገብረሉ። ናይ እንቛዕ ዳሓን መጻእኩም ምባልን ዝበርክትዎ ዘሎው ሓገዝን ዝገልጽ መልእኽቲ ብመምህር ዓብዱ ኣማን

 CatholicScoolpic 6ብቛንቛ ዓረብ ቀረበ። ሽማግለ ወልዲ ተመሃሮ ንክቡር ዶክቶር ዓድልን ንሓላፊ ኣብየት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ\ክኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ህያብ ኣውፊዩ። አዚ ከዓ ናይ ሓድነትን ናይ ምሕዝነት ዝገልጽ ነበረ ። ቀጽሎም ናይ 12 ክፍሊ መበል 16 ዙርያ ምስክር ዲፕሎማ ዓደሎም ፡ ድሕሪዚ ድክቶር ዓድል ስለቲ ዝተገብሮሎም ኣቓባብላ ሸልማተን ኣብ ዘስምዕዎ ቃላት ነዚ ግዚፍ ዕማም ሒዝኩም ንነዊሕ ዘመናት ተጓዓዝዎ ዘሎኩም ኣዚዩ ዝመስገን ኢዩ። ህጻን ክመሃር ኣሎዎ ፡ ናይ ዝኾነ ሃገር ሓላፍነት ከምዚኾነ ብምግላጽ ነቲ ዝረኣዩን ዝተዓዘቦን ኣመስጊኑ ንካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ብእትገብሮ ዘላ መደብ ትምህርቲ ንክትቅጽሎ ኣተባብዐ ። ንመማህራን ወለድን ህርኩት ስራሖም ነኣደ ፡ ኣብ ጐንኹም ኣሎኹ በርቱዕ ብምባል ናብ ቦታኡ ተመልስ፡ ብናይ ህዝቢ ጨብጨባን እልልታን ድማ ብጽቡቕ መንፈስ ምስ ብጾቱ ተፋነወ።

 CatholicScoolpic 7

ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ብወገኖም ንኹሎም ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ልኡል ሰላምታ ብምቕዳም፡ ልዕል አግዚኣብሔር ብጸጋ መሕረቱ ነዚ ዓመት ምህርቲ ኣጀሚሩ ንመዝዛሚ ብስላም ዘብቃዓና ምስጋና ይብጻሓዮ። እዚ ዓመት መጽ ብሓባር ተኣኪብና ክንውዕል ዝመደብናዮ ናይ ደቅና ፍረ ጻም ንምቅባል ንመምሃራን ንምተበባዕ ኣብ ጉእዞ ዓመት ትምህርቲ ዝናበረ ባህሪኣያት ንጥፈታት ተማሃሮ ንምፍላጥ ኢዩ።

ጉዕዞ ትምህርቲ ኣብ ስደትና ከቢድ ኮይኑ አዃ እንተ ተሰመዓና ንኩሉ ነቲ ዘጓንፍ ጸገማት በዲህና ነቲ ናብ ፍልጠት ጎደና ዝምራሓና ብቅዳመነት ሰሪዕና ኣብ ዓወት ምብጻሕ ኢዩ። እዚ ኸዓ ሕብረትን ጻዕርን ናይ ኩሉና ይሓትት። ኸምዚ ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸዓ ኣሕዋት ካፑቺኒ ኽሳብ ለይቲ ሎሚ ነቲ ዝተለምዎ ዕላማ ምስ ቡዙሓት ግዱሳትን ዉፊያት ሰባተን ወለድን ብዘይ ሕለል ጻዕሪ ቡዙሓት ዜጋታት ኣብ ምፍራይ ትርከብ ከምዘላ ታሪኽ ዝመስክሮ ኢዩ። እዚ ዝተጠቕስ ግዚፍ ታሪኽ ዘለዎ ስሩዕ መደባዊ ትምህርቲ ንክትመረሕን ንኽትመዉልን ቡዙሕ ኣድካምን ኣጽጋሚን እኳ እንተኮነ ብሓይሊ እግዚኣብሔር ደቕና ባህሎም ልምዶመን ከይሰርዑ ኣብ ናይ ፍልጠት ጎዶና ንመርካቦም ኣዚዩ ዘሕጉስ ኢዩ ።

 CatholicScoolpic 8

ናባኹም ናብ ወለዲ ምልስ ኽብል፡ ከም መጠን እዋሓህዲ ኣብያት ተሙርቲ ካብ መመሃራን ገለ ካብ ወለዲ ዘዋህለልኩዎ ነጥቢ ክብርህ።ተማሃራይ ንመንታይ ናብ ቤት ትምህርቲ ይመጽእ? መምህር ስለምንታይ ይቁጸር ?ወለዲ ክ መን ኢዩም? እዞም ዝተጠቅሱ ሓደ ካብ ሓደ ዘይፍለዩ ኢድን ጞንተን ኢዩም። ሓደ ዝዝንግዕ ኩሎም ይዝንጎኡ። እንታይ ኢዩም ክ እቶም በኣሉታ ዝጸልዉና እንተበልና፡ መልሱ ከምዚ ይኸውን ሓንጎል ተማሃራይ ኣብ ኽንዲ ትምህርቲ ዝሓስብ ናብ ኻልእ መንገዲ ትጠምዚዙ ይርከብ ንዓ ትቕለስ እንተበልካዩ ዘይቕለስ ። ንዓ ተማእዘዝ እንተበልካዩ ዘይምእዘዝ፡ ሕንጎል ወለዲ ዕለታዊ ዜና ናብ ሳለሳይ ስደት ዝብል ጥራሕ ኮይኑ ሰለዝርከብ። .ዝያዳ ኣብዚ ቅረባ እዋን ስድራቤታት ብብዝሒ ናብ ሳለሳይ ስደት ስለዝኸዱ ንተመሃሮ ወለዲ ስበድበደን ዘይምቕሳን ፈጢሩ ንቶም ንፉዓት በላሕትን ተማሃሮ ክዘንግዕ ስለ ዝርከብ። ስልዚ ወለዲ ኣወንታወን ኣሉታወን መሚኹም ኣብ ምተብባዕን ምክትታልን ኣይተዘንጎዑ

ንሕና እሕዋት ካፒቺኒ ብስም ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን እዚ እንበርክቶ ዘሎና ዓውደ ትምህርቲ ምስ ሓው መንግስቲ ሱዳን ክፍሊ ትምህርቲ ብምዉህሃድ ነዚ ኣድካመን ናይ ሕልና ስራሕ ክም ምኻኑ መጠን ሓላፍነቱ ዓቢ ሽኽም ክምዝኮነ ክሕብር እፈቱ።

ኣብዚ ኻዕ ንሓው መንግስቲ ሱዳን ስለ ኣትኩሉ ምትሕብባሩ ብልቢ ኣመስግን ።

ብሕጽር ዘበለ ኩነታት ቤት ትምህርትና ብከምዚ ክግለጽ እንክሎ ነቶም 12 ክፍሊ ዛዚሞን ንፈተና ንላዕልዋይ ደርጅ ትምህርቲ ንምቕጻል ኣብ ፈተና ዝቅራረቡ ዘሎው ዓወት አመነየልኩም አንቛዕ ኽዓ ኣብ ምዘዛም ኣብቃዓኩም።

 CatholicScoolpic 9

ኹለኩም ሽማግለ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ነዚ በዓል ክዉን ንምግባር ብተግዳስነት ዝተዓጠቅኩም ክብረት ይሃብኩም።

መማህራን ምስ ደቅኩም ተማሃሮ ብዘቅረብኩሞ ባህላወን ትምህርቲ ሓዘልን ተዋስኦ ግጥሚን የመስግን ቀዳማይ ቃሎም ደምዲሞም።

ድሕሪኡ እቲ ፕሮግራም ክሳብ ሰዓት 6፡30 ቀጸለ ።ኣብ መወዳእታ ጠቅላላ ሓላፊ ናይ ካቶሊካዊት ቤ\ክ ኣብየት ትምህርቲ ሓላፊ ኣባ ገብራይ ካብ ኣዚለ ክሳብ 12 ክፍሊ ናይ 2015-2016 ጸብለል ኢሎም ዝተረኽቡ ተማሃሮ ብልጫታት ዓደለ ።ቀጺሎም ድማ ቃል ደምዳሚ ግዜ ሓያል ምዃኑ መምህርን ፡ ተማሃራይን ፡ ወለድን ብምትሕብባር ሓያላት ተማሃሮ ክሃንጹ ከም ዝክእሉን ኩላትና ንሓደ ዕላማ ከም ሓንቲ ስደራ ኰይና ደቅና ናብ ፍልጠት መኣዲ ንክነሳተፍ ብርቱዕ ጻዕሪ ከም ክምዝሓተናብንጹር ኣብሪሆም።

 CatholicScoolpic 10ኣብ መወዳእታ ንሓው መንግስቲ ሱዳንን ህዝቡን ፣ ኣመጒሱ። ንበዓል ብኹሉ ሸነኻቱ ኣዳለውቲ ኣመጒሱ ። ሰናይ ዕርፍቲ ይግበርልኩም ብምባል ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

 

أحد أبرز مميزات طغمة الهقدف التخابث علي الشعب عبر تغيير موضوعات اهتمامه وتكتيكات استمالته للشعب، واليوم مستغلاً عشق الشعب للاستقلال جعل يدغدغ مشاعر المغتربين للعودة للوطن للاستيلاء علي أموالهم عبر مختلف الخدع والتكتيكات. الشعب الذي بذل الغالي والنفيس من أجل حريته لم يكن بحاجة الي من يذكره بها بإيقاد الشموع وطرق الأبواب باباً باباً، اليوم لم تعد قضية شعبنا قضية حرية واستقلال، بل قضية ديمقراطية وحقوق.

 

كلما دخل الهقدف في ورطة يهرب الي الوراء، يهرب من قبحه الي الماضي الجميل، الي معارك نادو، فنقل وأمجاد وبطولات التحرير، إنه مسلسل يكرر ويجتر ماضي حلقاته وتفاصيل أجزائه المكررة، نحن لا نعترض علي الاحتفال الدوري المعتبر بتلك المآثر الوطنية الجليلة، ولكن نعترض علي اتخاذها ستاراً لأهداف غير نبيلة كإلهاء الشعب عن مشكلاته الحقيقية وتخديره بأحلام وأفراح الماضي النبيل عن التفكير في قضايا ومهام حاضره الكالح.

 

 

الشعب ليس بحاجة الي من يعطيه الدروس والمحاضرات عن بطولاته الوطنية، فهو خير خبير بها، ذلك لأنه من جهة يعرف ضخامة التضحيات التي بذلها في سبيل استقلاله ومن جهة أخرى يعرف حجم مرارة العيش تحت نير الاحتلال الأجنبي، لكن ليس للاستقلال مذاق بغير الديمقراطية والحقوق والحريات الإنسانية الأساسية، إذ لا فرق بين الاستعمار والحكم الوطني في ظل فقدان مميزات الاستقلال وثمراته.

 

تهانينا بمناسبة اليوبيل الفضي للاستقلال لأنها ذكرى باقية في قلوبنا وشمعة موقدة بدموعنا، ولكن ليس علي حساب الحقوق والحريات، يجب أن نعلن عدم موافقتنا علي المتاجرة بالاستقلال بثمن الحرية والديمقراطية.

 

ها هو الشعب الارتري تمر عليه ذكرى التحرير الربع قرنية وهو أسير سلاسل الدكتاتورية، لذلك يجب أن يدشن احتفاله لهذا العام بالمطالبة باستكمال حريته الوطنية بحريته الإنسانية.

 

إن تجارب الشعب الارتري أثبتت أن الهقدف هو الذي يذيقه ما كان يلقاه علي يد الاستعمار من ويلات، لذلك بنفس الشجاعة والحسم يجب أن يتصدى الي مقاول الاضطهاد الجديد حتى وإن تسربل بأثواب الوطنية.         

Saturday, 26 March 2016 15:21

إعلان هام

Written by

EDA Arma

نحيط حضراتكم أنه تم الشروع في أعمال التحضير للمهرجان السنوي الذي تعده الرابطة الديمقراطية الارترية بألمانيا بالتعاون مع فروع حزب الشعب الديمقراطي الارتري (مهرجان ارتريا 2016م).

 

بدأت اللجنة التحضيرية للمهرجان أعمالها فحددت أولاً مكان المهرجان ب(فرانكفورت) والزمان بالفترة من 12 ـــــــــــ 14 أغسطس 2016م ( 12 ـــــــــــ 14 / 8 / 2016م ).

 

يؤم المهرجان عادةً ساسة ومثقفون ألمان وأصدقاء أجانب آخرون فضلاً عن فعاليات وقيادات وأفراد وجماعات ارترية سياسية ومدنية، وهو ساحة حرة للتلاقي بين الارتريين من مختلف الأصقاع والمشارب للتفاهم وتبادل الآراء والمعلومات. وعليه الدعوة لحضور هذا الملتقى الجماهيري الهام موجهة بصفة عامة الي كل ارتري أو صديق للشعب الارتري محب للديمقراطية والعدالة والسلام والازدهار في ارتريا والي جميع الناشطين السياسيين والمدنيين والحقوقيين والمثقفين الارتريين بصفة أخص.

 

اللجنة التحضيرية للمهرجان إذ تتخذ المبادرة بتحمل عبء التحضير لهذا المنبر الوطني الهام إنما تعلن ترحيبها الحار بشتى صنوف المشاركات لإثراء المناسبة وتدعو جميع المهتمين من ارتريين وأشقاء وأصدقاء الي تحمل نصيبهم من هذه الاحتفالية الجامعة. لذلك فالدعوة للحضور والمشاركة إذ تضع في اعتبارها التعدد السياسي والتنظيمي لشعبنا وقواه السياسية والمدنية فهي ترحب بالجميع علي قدم المساواة، حضوراً ومشاركةً وتفاعلاً ومساهمة.

 

المزيد من المعلومات عن المشاركات وأي تعديلات في المكان أو الزمان نوافيكم بها في حينه، عدا ذلك فالموعد الزماني والمكاني يبقى كما هو أعلاه.

 

بالوفاق والعمل المشترك معاً الي النصر

اللجنة التحضيرية للمهرجان

20 مارس 2016م

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦ-መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ14 ለካቲት  2016 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ሰደህኤ ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ብመልክዕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣባላት ናይቲ ዝመርሖ ዘሎ ሰልፊ ድማ ኣብቲ ዝተዋህበ መብርሂ ተመስሪቶም፡ ሰልፎም ኣብ ምሕያል ክተባባዕ ዝብልዎን ክእረመሎም ዝደልይዎን ኣሰራርሓታት ብዝምልከት ሃነጽቲ ሓሳባት ኣቕሪቦም። እዚ ናይ መሪሕነትን መሰረታትን ግሉጽ ምንባብን ምትሕስሳብን ቀጻሊ ንክኸውን ድማ ተላብዮም። እቲ ኣቦመንበር ብወገኑ ኣብ መጻኢ፡ ነየናይ ጐኒ ዝያዳ ምሕያል ነየናይ ጐንኸ ከእረም ከም ዝግበኦ ኣብ ምውሳን ዝሕግዙ ሓሳባት ኣዋህሊሉ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ናይ እንካን ሃባን ኣኼባ ድማ እዚ እዩ ነይሩ።

ብዘይካዚ ብ19 መጋቢት 2016 ኣብ ፓልቶክ ስመር ቁጽሪ-ሓደ ክፉት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ከኣ ፖለቲካዊ ራኢ፡ ሚዛንን ተሳትፎን ኣብ ጉዕዞ ሓድነትን ንጥፈታትን ሰደህኤ ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጥዎ ዝደልዩ ብዝምልከት ሕቶታት ከቕርቡን ብዛዕባ’ቲ ሰልፊ ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራእዮም ሚዛን ክህቡን ዕድል ከፊትሎም።

ብፍላይ ኣብቲ ክፉት ኣኼባ ኣዝዮም ብዙሓት ዝተፈላለየ መንቀሊ ዘለዎም ሕቶታት ቀሪቦም። እንተላይ ነቶም ንሰደህኤ ዝነቕፉ ሕቶታትን ርኢቶታትን እውን ግቡእ ክብርን ንጹር መልስን ክወሃቦም ሓዲሩ። ሓው መንግስተኣብ ዝህቦ ዝነበረ መልስታት ብዘይሽፍንፍን እምንቶን መርገጽን ሰልፉ ኣብ ተዝተፈላለየ ዛዕባታት ከምቲ ዘለዎ ዘነጽር ነይሩ። ገለ ተሳተፍቲ ዋላ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ መልስታት ካብ እምነቶም ወጻኢ እንተኾነ፡ በቲ ተበግሶን ግሉጽነትን ኣዝዮም ሕጉሳት ከም ዝነበሩ ምግላጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ግሉጽነት ባህሊ ክቕጽል ከም ዝግበኦ ተደጋጋሚ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

እዚ ዝተጠቕሰ ኣብነታዊ መድረኻት ረብሓኡ ንሰደህኤ ንጹር እዩ። ከዕውቶ ዝቃለሰሉ ዘሎ መትከላት ብቐጥታ ናይ ምግላጽ ዕድል ስለ ዝሃቦ። ነቶም ነቲ ሰልፊ ካብ ዝተፈላለየ ማእዝናት እንዳነቐሉ ዘይስሙ ክህብዎ ዝደልዩ ግቡእ ግንዛበ ከም ዝረኽቡ ኣብ ምኽኣል እውን፡ እዚ መድረኽ ጠቕሙ ቀሊል ኣይነበረን። ናይ ሓደ ውድብ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ደገፍን ምትብባዕን ድሕሪ ምፍላጥ መትከላቱን ፖሊሲታቱን እዩ ዝርከብ። ሰልፊ ነዚ መድረኽ ከዳሉ እንከሎ ንክነኣድን ንክምጐስን ጥራይ ኣይኮነን። ናብዚ ሰልፊ ዝቐርብ ሕጽረታትን መተካእታታቱን ምስማዕ እውን ቀንዲ ስንቂ ኣብ መጻኢ ቃልሱ ምዃኑ እዩ ዝኣምን።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ኤርትራውያን እዮም። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕማቕ ሃለዋት ዘሻቕሎምን ራህዋ ዝጽበዩን እውን እዮም። ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና “ነናትና መተካእታ ኣለና” ዝብላ ውድባት ብዙሓት እየን። ካብዚኣተን ኣየኖት እየን እተን ክሕገዛን ክድገፋን ዝግበአን፡ ኣየኖትከ “መትከላትክን ምስ ውድዕነት ኤርትራ ስለ ዘይሰማማዕ ቅኑዕ ኣይኮነን” ክበሃላ ከም ዝግበአን ንምውሳን ብማዕዶ ዘይኮነ ቀሪብካ ብፖለቲካዊ መለክዒ መዚንካ ምፍላጠን ኣዝዩ ኣድላይ እዩ። ካብቲ ነዚ ቅኑዕ ሚዛን ዘብቅዕ ተረድኦ ክርከበሉ ዝኽእል ኣጋጣምታት ሓደ ድማ ክፉት መድረኽ ከፊትካ “እዚ መተካእታ’ዚ  ሒዘ እየ ዝቃለስ ዘለኹ” ዝብል ድምጺ ብግሉጽነት ከተስምዕ ምኽኣል እዩ። ክፉት መድረኽን ግሉጽ ሕልናን እንተዘየልዩ ግና እቲ ከጋጥም ዝኽእል ጸገም፡ ወይ ክትውስን ምኽኣል ስኢንካ ኣብ መንጎመንጎ ምንባር እዩ፡ ወይ ድማ ብማዕዶ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮነ ጉዳያት ተመርኲስካ ብስምዒት ምድጋፍ ወይ ምንጻግ እዩ። ናይዚ ምርጫታት’ዚ ሳዕቤን ድማ ናብ ግጉይ መንገዲ እዩ ዝመርሕ።

ሎሚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ “ወየን ውድባት በዚሐንስ ኣስማትን’ኳ ኣይንፈልጠንን። ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ውድባት ይበዝሓ? እገለን እገለን ብሓደ ጸኒሖም እንታይ እዩ ፈላልይዎም ተፈናጭሎም? …. ወዘተ” ዝብሉ ጽልግልጋት ምስማዕ ኣብ ኤርትራውያን ዝተለምደ እዩ። ናይዚ ጽልግልጋት ቀንዲ ጠንቂ ድማ ብኩራት ግሉጽነት እዩ። ብሰንኪ እዚ ብኩራት ግሉጽነት ድማ ዝኾነ ኣካል ዘይሰርሖ ስራሕ ሰሪሐ፡ ውድብ ዘይኮነ ውድብ እየ።  … ውዘተ ንክብል ዕድል ዝኸፍት ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ እቶም እዚ መሰረታዊ ብዘይኮነ ምኽንያት ተበቲኑ ዘሎ ሓይሊ ኣብ ሓደ መጺኡ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንክኸውን ዝብህጉ ኤርትራውያን፡ ውድባትን ማሕበራትን ኣብ ክፉት መድረኽ ብግሉጽነት ሒዘምዎ ዘለዉ ፖሊስን ኣተገባብርኡን ብቐጻሊ ከብርሁ ይግበኦም። ስለምንታይ፡ ክትድግፎ ንእትደሊ ንምድጋፍ ኮነ ንክትቃወሞ እትደሊ ንምቅዋም ዝተሓዝ መርገጽ ብሱል ዝኸውን በዚ መስርሕ እዚ እንተሓሊፉ ጥራይ ስለ ዝኾነ። ሰደህኤ ከኣ ነዚ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ግሉጽነት ኣብነት ክቕጽሎ እዩ። እንሆ’ኳ ኣቦመንበር መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ መጻኢ 2 ማዝያ 2016 እውን ምስ ፓልቶክ ስመር ንለውጢ ንተመሳሳሊ ክፉት ኣኼባ ቆጸራ ሒዙ ኣሎ።